Sunday , May 12 2024

ስራሕን ቁጠባን

ፖለቲካዊ ተሳትፎ ደቀንስትዮ: ብደረጃ ዓለም: ይውስኽ ኣሎ ተባሂሉ

ኣብ ዓለምና፡ ዛጊት ኣብ መንግስቲን ሓገግቲ ኣካላትን ሰፊሕ ጾታዊ ኣድልዎ እኳ እንተ ሃለወ፡ ብዙሓት ደቀንስትዮ፡ ናብ ዝለዓለ መንግስታዊ መዝነት ዘለዎ ጽፍሕታት ይመጻ ምህላወን ብረቡዕ ዝወጸ ጸብጻብ በይነ ባይቶኣዊ ሕብረትን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ብምጥቃስ ድምጺ ኣመሪካ ገሊጻ። IPU፡ ኣብ ዘውጽኦ ዓመታዊ ጸብጻብ፡ ተሳትፎ ደቀንስትዮ፡ ኣብ ፖለቲካዊ ንጥፈታት፡ ኣብ ጥሪ 2021 ናብ 25.5% ምዕባዩ እዚ ድማ ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ኣሃዝ (24.9%) …

Read More »

ኡፕሳላ፡ ስምምዕ ሰዓታት ህጹጽ እዋን ንኻልኣይ ግዜ ከተተግብር ወሲና

ኣቐድም ኣቢላ ምምሕዳር ኡፕሳላ፡ ብምኽንያት ለበዳ ኮሮና፡ ሰዓታት ህጹጽ እዋን ዝተባህለ ብምምሕዳራትን ከባቢታትን ሽወደን ዝተበጽሐ ስምምዕ፡ ካብ 30 ታሕሳስ 2020 ክሳብ 18 የካቲት 2021 ኣብ ተግባር ኣውዒላቶ ከምዝነበረት ይዝከር። እኖሆ ድማ ሕጂ፡ ግዜ ከየቑጸረት ንኻልኣይ ግዜ ኣብ ትግባረ ከተውዕሎ ተበጊሳ ኣላ ብምባል ኣብ ዝተኻየደ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢራ። እቲ ሰዓታት ህጹጽ እዋን ዝተባህለ ስምምዕ፡ ወሃብቲ ስራሕ፡ ንሰራሕተኛታት ተወሳኺ ሰዓታት ንኽሰርሑ ክግድዱ …

Read More »

Harmony Media News 10-03-2021

Read More »

ኣመሪካ፡ ኣብ ልዕሊ እስራኤላዊ በዓል ሃብቲ ደጊማ እገዳ ትገብር

ኣመሪካ ነቲ ኣብ ልዕሊ እስራኤላዊ ቢልዬነር፡ ዳን ገርትለር፡ ዝጸዓነቶ እገዳ ንምልሕላሕ ዝነበራ ሓሳብ ከም ዝቐየረቶ ተገሊጹ። እዚ በዓል ሃብቲ፡ ኣብ ዲ/ሪ/ ኮንጎ ዝነበረ ውዕል ዕደና፡ ብልሽውና ብምፍጻሙ ነዚ እገዳ ከም እተቓልዐ ቢቢሲ ሓቢራ። ንሚስተር ገርትለር፡ ዝተዋህበ ፍቓድ ንግድ ምስ ረብሓታት ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ብፍላይ ድማ ቅዋም ጸረ ብልሽውናን ብዝሳነ ኣገባብ ንኽዓዩ እዩ ኔሩ ክብል ሚኒስትሪ ጒዳያት ኣመሪካ ኣብ ዝውጽኦ መገለጺ …

Read More »

ዝተሰርቀ ገንዘብ ናብ ናይጀርያ ክትመልስ፡ ብሪጣንያ፡ ቃል ትኣቱ

ኣመሓዳሪ ዞባ ደልታ ነበር፡ ጄምስ ኢቦሪ፡ ኣብ ዓመተ 2012፡ ብዘይሕጋዊ ምትሕልላፍ ገንዘብ፡ ኣብ ሃገረ ብሪጣንያ ክሲ ተመስሪትዎ ከምዝነበረ ይዝከር። ንሱ ካብታ ብዕደና ነዳዲ ዝሃብተመት ናይጀርያዊት ዞባ፡ 17 ሚልዮን ዶላር፡ ምስራቑ ኣኽባር ሕጊ ከሲስዎ። ኣብ ዓመተ 2016፡ ብሪጣንያ፡ ንዝተሰርቀ ገንዘብ፡ ናብ ዝምልከቶ ኣካል ክትመልስ ምዃና፡ ሰብመዚ ብሪጣንያ ምግላጾም ይዝከር። መንግስታት ናይጀርያን ብሪጣንያን እዚ ዝተስርቀ ገንዘብ ናብ ናይጀርያ ተመሊሱ ኣብ ምምዕባል መሰረተ-ልምዓት …

Read More »

መጠን ሽቕለት ኣልቦነት ኣብ ኖርወይ

ኣብ ሃገረ ኖርወይ፡ መጠን ሽቕለት ኣልቦነት፡ ብዘይ ለውጢ ይቕጽል ከምዘሎ ናቭ (Nav) ዝተባህለ ኖርወጃዊ ኤጀንሲ ኣብ ዘውጸኡ ጸብጻብ ገሊጹ። ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን፡ ኣብ ሃገረ ኖርወይ፡ ልዕሊ 200 ሽሕ ስራሕ ኣልቦ ዝኾኑ ሰባት ከምዘለዉ እዚ ድማ ንመጠን ሽቕለት ኣልቦነት ናይታ ሃገር ናብ 7.3% ኣብጺሕዎ ከምዘሎ ቤት ጽሕፈት ዕዮ ኖርወይ ሓቢሩ። ሽወደናዊ ቤት ጽሕፈት ኣርቤትስፎርሜድሊን ትማሊ ዕለት 08/03/2021 ኣብ ዘውጸኦ ጸብጻብ፡ መጠን …

Read More »

ባንግላደሽ፡ ተሌፎን ዝጠልፍ መሳርሒ ካብ እስራኤል ትሽምት

መንግስቲ ባንግላዴሽ፡ ሞባይል ዝጠልፍ ዝተራቐቐ መሳርሒ፡ ካብ እስራኤል፡ ብ 330 ሚልዮን ዶላር ምሽማታ ጋዜጣ እስራኤል ሃሬትዝ ከምኡውን ኣሃዱ መርመርቲ ኣልጀዚራ ኣረጋጊጾም ክትብል ኣልጀዚራ ገሊጻ። እዘን ክልተ ሃገራት፡ ዝኾነ ዓይነት ዲፕሎማስያዊ ርክብ ዘይብለን ክንሰን እዚ ዕድጊ ምፍጻሙ እታ ጋዜጣ ወሲኻ ገሊጻ። እዚ ብሰለብራይት ሰኲሪቲ ፈርም ዝፈሪ UFED ዝተባህለ መሳርሒ ካብ ዝተፈላለያ ዓይነታት ሞባይል ዳታ ኣብ ምጥላፍ ከም ዝውዕል ይፍለጥ። በዚ ዝተሻቐሉ …

Read More »

ኣመሪካ፡ ዝተኸትቡ ሰባት፡ ብዘይ ማስክ ክራኸቡ ይኽእሉ እዮም ኢላ

ማእከል ምቊጽጻርን ምክልኻልን ሕማማት ኣመሪካ፡ ዝተኸትቡ ሰባት፡ ናብ ንቡር ህይወት ክምለሱ እዮም ምባሉ ቢቢሲ ሓቢራ። ብመሰረት እዚ ሓድሽ መምርሒ፡ ክትባት ዝወሰዱ ሰባት፡ ምስ ካልኦት ክትባት ዝወሰዱን ዘይወሰዱን ንቡር ርክባት ክፍጽሙ ይኽእሉ እዮም። ድሕሪ ክትባት ክልተ ሰሙን ምስ ሓለፈ፡ ሰባት በዚ ሕማም ከይልከፉ ስግኣት ክህልዎም ከምዘይግባእ፡ እዚ ማእከል ሓቢሩ’ሎ። ልዕሊ 30 ሚልዮን ኣመሪካውያን፡ ምሉእ ክትባት ምውሳዶም ተገሊጹ’ሎ። ሓይሊ ዕማም ምክልኻል ኮሮና …

Read More »

ፖሊስ ቤልጁም፡ ኣብ ልዕሊ ኣስገርቲ ዕጸ ፋርስ፡ ስርሒት ፈጺሙ

ፖሊስ ቤልጁም፡ ኣብታ ናይ ኤውሮፓ፡ ኣፍደገ ዕጸ ፋርስ ብፍላይ ድማ ኮኬን፡ ዝኾነት ቤልጂማዊት ወደባዊት ከተማ ኣንትዜርፕ (Antwerp) ዝለዓለ ኣተኩርኡ ብምግባር፡ ኣብ ልዕሊ ኣስገርቲ ዕጸ ፋርስ፡ ብሃገር ደረጃ፡ ክሳብ ወጋሕታ ኣብ ዘነበረ እዋን፡ ስርሒት ሃድን ከምዘካየደ ሓቢሩ። ኣብቲ ዝተኻየደ ስርሒት፡ 1500 ኣባላት ፖሊስ ክሳተፉ እንከለዉ፡ ኣብ 200 ቦታታት ድማ ተፍቲሽ ኣካይዶም። ከምውጽኡቱ ድማ ልዕሊ 12 ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ክኣትዉ ከምዝኸኣሉ፡ …

Read More »

ቤት ጽሕፈት ስታትስቲክስ ሽወደን (SCB)፡ ዘገምታዊ ቁጠባዊ ምምሕያሽ ይረአ ኣሎ ኢሉ

ኣብ ወርሒጥሪ 2021፡ መጠን ጥፈታት ቁጠባ ሽወደን፡ ምስቲ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2020 ዝነበረ ክነጻጸር እንከሎ፡ ብ0.9% ዕቤት ከምዘርኣየ መባእታዊ ጸብጻባት ቤት ጽሕፈት ስታትስቲክስ ሽወደን (SCB) ሓቢሮም ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። እዚ መጠን ዕብየት፡ ነቲ ንልዕሊ ክልተ ኣዋርሕ ኣንቆልቊሉ ዝጸንሐ’ሞ ኣብ ወርሒ ጥሪ ወሰኽ ዘርኣየ ዕዳጋታት ኣባይቲ ዘጠቓለለ ምንባሩ እቲ ጸብጻብ ብምውሳኽ ይገልጽ። ኣብ ወርሒ ጥሪ ዝተራእየ ቁጠባዊ ዕብየት፡ ካብ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com