Monday , May 6 2024

ዝተሰርቀ ገንዘብ ናብ ናይጀርያ ክትመልስ፡ ብሪጣንያ፡ ቃል ትኣቱ

ኣመሓዳሪ ዞባ ደልታ ነበር፡ ጄምስ ኢቦሪ፡ ኣብ ዓመተ 2012፡ ብዘይሕጋዊ ምትሕልላፍ ገንዘብ፡ ኣብ ሃገረ ብሪጣንያ ክሲ ተመስሪትዎ ከምዝነበረ ይዝከር። ንሱ ካብታ ብዕደና ነዳዲ ዝሃብተመት ናይጀርያዊት ዞባ፡ 17 ሚልዮን ዶላር፡ ምስራቑ ኣኽባር ሕጊ ከሲስዎ።

ኣብ ዓመተ 2016፡ ብሪጣንያ፡ ንዝተሰርቀ ገንዘብ፡ ናብ ዝምልከቶ ኣካል ክትመልስ ምዃና፡ ሰብመዚ ብሪጣንያ ምግላጾም ይዝከር።

መንግስታት ናይጀርያን ብሪጣንያን እዚ ዝተስርቀ ገንዘብ ናብ ናይጀርያ ተመሊሱ ኣብ ምምዕባል መሰረተ-ልምዓት ክውዕል ተሰማሚዖም ኣለዉ ክትብል ቢቢሲ ሓቢራ’ላ።

ጀምስ ኢቦሪ፡ ካብ ተራ ኣባል ክሳብ ኣመሓዳሪ ዞባ ኣብ ዝኾነሉ እዋናት፡ ናይ ሚልዮናት ዶላራት ስርቂ ክፍጽም ዝጸንሐ ገበነኛ እዩ። ንሱ ኣብ 80ታት፡ ናብ ብሪጣንያ ኣትዩ ኣብ ሓደ ሱፐርማርኬት እናሰርሐ ኣብ 1991 ብስርቂ ተኸሲሱ ምንባሩ፡ ድሕሪኡ ናብ ናይጀርያ ተመሊሱ ኣብ ፖለቲካ ምንጣፍ ምጅማሩን ክሳብ ኣመሓዳሪ ዞባ ምብጽሑን ቢቢሲ ወሲኻ ሓቢራ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com