Monday , May 6 2024

ፖሊስ ቤልጁም፡ ኣብ ልዕሊ ኣስገርቲ ዕጸ ፋርስ፡ ስርሒት ፈጺሙ

ፖሊስ ቤልጁም፡ ኣብታ ናይ ኤውሮፓ፡ ኣፍደገ ዕጸ ፋርስ ብፍላይ ድማ ኮኬን፡ ዝኾነት ቤልጂማዊት ወደባዊት ከተማ ኣንትዜርፕ (Antwerp) ዝለዓለ ኣተኩርኡ ብምግባር፡ ኣብ ልዕሊ ኣስገርቲ ዕጸ ፋርስ፡ ብሃገር ደረጃ፡ ክሳብ ወጋሕታ ኣብ ዘነበረ እዋን፡ ስርሒት ሃድን ከምዘካየደ ሓቢሩ።

ኣብቲ ዝተኻየደ ስርሒት፡ 1500 ኣባላት ፖሊስ ክሳተፉ እንከለዉ፡ ኣብ 200 ቦታታት ድማ ተፍቲሽ ኣካይዶም። ከምውጽኡቱ ድማ ልዕሊ 12 ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ክኣትዉ ከምዝኸኣሉ፡ ፖሊስ፡ ሓቢሩ።

እዚ ከምዚ ዓይነት ስርሒት፡ ሓደ ካብቶም ኣብ መሬት ቤልጅም ኣንጻር ኣስገርቲ ዕጸ ፋርስ ካብ ዝተኻየዱ ዝዓበዩ ስርሒታት እዩ ክብል ቤት ጽሕፈት ፈደራላዊ ኣኽባሪ ሕጊ ሓቢሩ።

ወደባዊት ከተማ ኣንትዜርፕ፡ እታ ድሕሪ ወደባዊት ከተማ ሮተርዳም ትስራዕ ካልኣይቲ ዝዓበየት ኤውሮፓዊት ወደም እያ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com