Friday , April 26 2024

ኣመሪካ፡ ዝተኸትቡ ሰባት፡ ብዘይ ማስክ ክራኸቡ ይኽእሉ እዮም ኢላ

ማእከል ምቊጽጻርን ምክልኻልን ሕማማት ኣመሪካ፡ ዝተኸትቡ ሰባት፡ ናብ ንቡር ህይወት ክምለሱ እዮም ምባሉ ቢቢሲ ሓቢራ።

ብመሰረት እዚ ሓድሽ መምርሒ፡ ክትባት ዝወሰዱ ሰባት፡ ምስ ካልኦት ክትባት ዝወሰዱን ዘይወሰዱን ንቡር ርክባት ክፍጽሙ ይኽእሉ እዮም። ድሕሪ ክትባት ክልተ ሰሙን ምስ ሓለፈ፡ ሰባት በዚ ሕማም ከይልከፉ ስግኣት ክህልዎም ከምዘይግባእ፡ እዚ ማእከል ሓቢሩ’ሎ።

ልዕሊ 30 ሚልዮን ኣመሪካውያን፡ ምሉእ ክትባት ምውሳዶም ተገሊጹ’ሎ። ሓይሊ ዕማም ምክልኻል ኮሮና ዋይት ሃውስ፡ ብሰኑይ ኣብ ዝሃቦ ሓጺር ናይ መብርሂ ፕሮግራም እዮም ሰብመዚ ጥዕና ነዚ ገሊጾም ዘለዉ። ብመሰረት እዚ ሓድሽ መምርሒታት፡ ዝተኸትቡ ኣመሪካያን፡ ምስ ዝተኸትቡ ሰባት ብዘይማስክን ምርሕሓቕን ኣብ ዘቤታዊ ጉዳያት ክሳተፉ፡ ምስ ዘይተኸትቡ ኣባላት ስድራቤቶም ብዘይ ማስክን ምርሕሓቕን ኣብ ዘቤታዊ ጉዳያት ብሓባር ክሳተፉ ከምዝኽእሉ ገሊጹ።

ንመልከፍቲ ኮቪድ 19 እንተተቓልዑ ውን መርመራ ወይ ውሸባ ምግባር ኣይከድልዮምን እዩ። “ካብ ኮቪድ-19 ደጊም ተገላጊልና ኢና፡ ዝያዳ ሰባት እናተኸትቡ ምስ መጹ ንቡር ንጥፈታት ክቕጽል እዩ” ክብል ላዕለዋይ ኣማኻሪ ኣንዲ ስላቪት ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ ቃል ኣመልኪቱ።

እዚ ይኹንምበር፡ ክሳብ ኩሉ ነገር ናብ ቦትኡ ዝስራዕ፡ ተኸቲቦም ዘለዉ ሰባት፡ ነቲ መሰረታዊ ናይ ድሕነት መምርሒታት ክኽተሉ ኣይጽላእን እዩ። ንሱ ድማ ኣብ እኩብ ህዝቢ ማስክ ምውዳይ፡ ብዝተኻእል ርሕቀትካ ምሕላው፡ እኩብ ህዝቢ ዘለዎም ቦታ ምውጋድን ጒዕዞ ምንካይን እዮም ኢሉ። ከምኡ ውን ምስቶም ብርቱዕ ምልክታትን ሳዕቤናትን እዚ ለበዳ ዘለዎም ሰባት ኣብ ዝህልወካ ርክባት ርሕቀትካ ምሕላውን ማስክ ምውዳይን ክቕጽልዎ፡ እቲ ቤት ጽሕፈት ተማሕጺኑ።

ኣመሪካ ኣብ መዓልቲ ዝበዝሑ ሰባት ብምኽታብ ንዓለም ትመርሕ እኳ እንተሃለወት ገና 90% ካብ ህዝቢ ኣመሪካ ከም ዘይተኸትበ ዳይረክተር ምቊጽጻርን ምክልኻልን ሕማማት ኣመሪካ ዶ/ር ሮሼል ዋልንስኪ ገሊጻ። ንሳ፡ እዚ መምርሒታት ምስ ኲነታት እናተመሓየሸ ዝመጽእ ምዃኑ ወሲኻ ገሊጻ’ላ። ኣብ ኣመሪካ፡ ብሰንኪ ሕማም ኮቪድ-19፡ 525 ሽሕ ሰባት ከም ዝሞቱን 29 ሚልዮን ሰባት ድማ ብኮሮና ተለኺፎም ከምዘለዉን ይፍለጥ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com