Monday , May 6 2024

ኣመሪካ፡ ኣብ ልዕሊ እስራኤላዊ በዓል ሃብቲ ደጊማ እገዳ ትገብር

ኣመሪካ ነቲ ኣብ ልዕሊ እስራኤላዊ ቢልዬነር፡ ዳን ገርትለር፡ ዝጸዓነቶ እገዳ ንምልሕላሕ ዝነበራ ሓሳብ ከም ዝቐየረቶ ተገሊጹ።

እዚ በዓል ሃብቲ፡ ኣብ ዲ/ሪ/ ኮንጎ ዝነበረ ውዕል ዕደና፡ ብልሽውና ብምፍጻሙ ነዚ እገዳ ከም እተቓልዐ ቢቢሲ ሓቢራ። ንሚስተር ገርትለር፡ ዝተዋህበ ፍቓድ ንግድ ምስ ረብሓታት ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ብፍላይ ድማ ቅዋም ጸረ ብልሽውናን ብዝሳነ ኣገባብ ንኽዓዩ እዩ ኔሩ ክብል ሚኒስትሪ ጒዳያት ኣመሪካ ኣብ ዝውጽኦ መገለጺ ሓቢሩ’ሎ። ሓድሽ ምምሕዳር ኣመሪካ፡ ነቲ ብፕረሲደንት ትራምፕ እተኸተሙ ብዙሓት ስምምዓት ምስራዙ ዝፍለጥ እዩ።

ቤተ ፍርዲ ኣሜሪካ፡ ኣብ ልዕሊ እዚ እስራኤላዊ በዓልሃብቲ፡ ኣብ ዓመተ 2017 ከምኡውን ዓመተ 2018 እዩ እገዳታት ከንብር ጀሚሩ። ብመሰረት እዚ እገዳ፡ ንሱ፡ ምስ ዜጋታት ይኹን ትካላት ኣሜሪካ ዝኾነ ናይ ንግዲ ንጥፈታት ከካይድ ኣይክእልን እዩ። በዚ ድማ ካብ ኣህጒራዊ ስርዓተ ባንክ ከም ዝኣገዶ እዩ ዝፍለጥ።

እዚ በዓል ሃብቲ፡ ምስ ፕረሲደንት ኮንጎ፡ ዮሴፍ ካቢላ፡ ብዘለዎ ቅርበት እናተጠቀመ ኣብ ውዕል ዕደና ብልሽውና ክፍጽም ምጽንሑ እኳ ዝኽሰስ እንተኾነ ንሱ ግና ነዚ ኣይወዓልክዎን እዩ ዝብል።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com