Thursday , May 9 2024

ኡፕሳላ፡ ስምምዕ ሰዓታት ህጹጽ እዋን ንኻልኣይ ግዜ ከተተግብር ወሲና

ኣቐድም ኣቢላ ምምሕዳር ኡፕሳላ፡ ብምኽንያት ለበዳ ኮሮና፡ ሰዓታት ህጹጽ እዋን ዝተባህለ ብምምሕዳራትን ከባቢታትን ሽወደን ዝተበጽሐ ስምምዕ፡ ካብ 30 ታሕሳስ 2020 ክሳብ 18 የካቲት 2021 ኣብ ተግባር ኣውዒላቶ ከምዝነበረት ይዝከር። እኖሆ ድማ ሕጂ፡ ግዜ ከየቑጸረት ንኻልኣይ ግዜ ኣብ ትግባረ ከተውዕሎ ተበጊሳ ኣላ ብምባል ኣብ ዝተኻየደ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢራ።

እቲ ሰዓታት ህጹጽ እዋን ዝተባህለ ስምምዕ፡ ወሃብቲ ስራሕ፡ ንሰራሕተኛታት ተወሳኺ ሰዓታት ንኽሰርሑ ክግድዱ ዘኽእሎም እዩ።

ብጀካ ምምሕዳር ኦፕሳላ፡ ምምሕዳራት ስቶክሆሎም፡ ዮንሾፒንን ምምሕዳር ቬስተርቡተንን ነዚ ስምምዕ ኣብ ትግባረ ኣውዒለንኦ ከም ዘለዋ ይፍለጥ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com