Monday , May 13 2024
The number of openly unemployed people fell last week, according to the Swedish Public Employment Service Foto; Johan Nilsson/TT

ሓድሽ ሜላ፡ ነተን ካብ ሽወደን ወጻኢ ዝተወልዳ ደቂ ኣንስትዮ፡ ዝሓሸ ዕድላት ስራሕ ይፈጥር

ልዕሊ 1300 ዝኾና፡ ካብ ሽወደን ወጻኢ ዝተወልዳ ደቂ ኣንስትዮ፡ ብመንገዲ ኣርቤትስፎርሜድሊን ዘተኣታተዎ ሓድሽ መወዳደሪ ሜላ፡ ስራሕ ክረኽባ ከምዝኸኣላ እቲ ቤት ጽሕፈት ሓቢሩ ክብል ማዕከን ሓበሬታ ተተ ኣቃሊሑ።

መብዛሕትአን እዘን ካብ ሽወደን ወጻኢ ዝተወልዳ ደቂ ኣንስትዮ፡ እቲ ውልቃዊ ታሪኽ ናይ ስራሕ ተሞክሮአንን ትምህርተንን (CV) ጥርሑ እዩ ዝጸንሕ። ይኹን እምበር፡ ብዙሓት ካብኣተን ድማ፡ ወግዓዊ ዘይኮነ ግን ድማ ብቕዓት ዘለወን ኮይነን ከምዝተረኽባ እቲ ሓድሽ መወዳደሪ ሜላ ኣረጋጊጹ። በዚ ሓድሽ ሜላ፡ 10% ካብዘን ከምዚ ዓይነት ብቕዓት ዘለወን ደቂ ኣንስትዮ፡ ስራሕ ከምዝረኸባ እቲ ቤት ጽሕፈት ሓቢሩ።

ኣብ መንጎ እተን ኣብ ውሽጢ ሽወደን ዝተወልዳን ካብ ሽወደን ወጻኢ ዝተወልዳ ደቂ ኣንስትዮን ዘሎ መጠን ፍልልይ ስራሕ ኣልቦነት ልዕሊ 50% በጺሑ ከምዘሎ ዝፍለጥ’ኳ እንተኾነ፡ እዚ ሓድሽ መወዳደሪ ሜላ ብምትእትታዉ፡ እቲ ጋግ ክጸብብ ከምዝኽእልን ብዙሕ ማሕበራዊ ጥቅምታት ክህብ ከምዝኽእልን ክብል ቤት ጽሕፈት ኣርቤትስፎርሜድሊን ገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com