Thursday , May 16 2024

ስራሕን ቁጠባን

መንገዲ ኣየር ሳስ SAS ደሞዝ ሰራሕተኛታት ብ 20% ክንኪ እየ ይብል።

ብዙሓት መንገዲ ኣየር ብርክት ዝበለ ገንዘብ ይኽሰራ ኣለዋ ተባሂሉ። ብዙሓት ሰባት ብቫይረስ ኮሮና ከይልከፉ ብምባል ምብራር ምቊራጾም ድማ’ዩ ነዚ ክሳራ ኣምጺኡ ዝርከብ። SAS ኣብ ወርሒ መጋቢት ኣሽሓት በረራታት ምቊራጹን ቀጻልነቱ ንምውሓስ ገንዘብ ኣብ ምዕቋር ምእታዉን ደሞዝ ብ 20% ንምንካይ ኣብ ምምካር ምህላዉን ድማ ተገሊጹ። ማሕበር ሰራሕተኛታት ምስዚ ኲባንያ ክተሓባበር ድሉው ምዃኑ እኳ እንተገለጸ ኣብ ምንካይ ደሞዝ ክተሓባበር ድዩ ወይስ ኣይኮነን …

Read More »

ብሰንኪ ኮርኖ ቫይረስ ዝበዝሕ ስብ ብኦንላይን ይገዝእ እኻ እንተሎ ብዛዕባ ዋሕዲ መግቢ ግን ዘሻቅል ነገር ከመዘየለ ይሕበር።

ብዙሓት ሽወደናውያ ብ ሰንኪ ስግኣት ኮሮኖ ቫይረስ ናብ ዱካናት ኣብ ክንዲ ምኻድ ብ ኦንላይን ወይ ብመንገዲ ኢንተርነት ብምእዛዝ ዕዳግኦም ብፍላይ ኣብ ዓነታት መግቢ ኣብ ምስላጥ ይርከቡ። በዚ መሰረት ኩለን ትካላት ስጋብ ቤቶም ብምኻይድ ኣብ ምብጻሕ ይረከባ እለዋ። ብፍላይ ትካላት ኩብ Coop, ኢካ Ica ከምእውን ዊልስን Willys ገለ ብ ጻዕቒ ጠለብ መርበባት ካብ ዝሽገራ ትካላት ብሙዃን ኣብ ምስላጥ ይርከባ። እንተኾነ መብዛሕትኦም …

Read More »

ኣብ ኣርባዕተ ዓመታት ንመጀመርታ ግዜ ዋጋ ባጤራ ክሮና ሽወደን ካብ ናይ ኖርዌይ መዘናኡ ልዒሉ ከም እተረኽበ ተገሊጹ።

ፍርሂ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ቫይረስ ኮሮናን ምሽምራር ዕዳጋ ነዳዲን ኣብ ዕዳጋ ብርኪ ኖርዌይ ኣሉታዊ ጽልዋ ብምሕዳር ንዋጋ ባጤራ እታ ሃገር ለጠቕ ከም ዘበሎ ይገለጽ ኣሎ። ሎሚ ዕዳጋ ብርኪታት ኦስሎ ብ 12% ምንቊልቋሉን ድሕሪ 2016 ንመጀመርታ ግዜ ባጤራ ሽወደን ካብ ናይ ኖርዌይ ልዒሉ ከም እተረኽበን ድማ ተገሊጹ። ዋጋ ሓደ ክሮና ኖርዌይ 0.98 ይሽረፍ ምህላዉ ድማ ተፈሊጡ። 97% ብርኪ ነዳዲ ብኲባንያ ዘይቲ ኢኲኖር …

Read More »

መንግስቲ ሽወደን ጽባሕ ዓርቢ ን ኣብያትምህርቲ ኣመልኪቲ ውሳኔ ክህብ ሙዃኑ ገሊጹ።

ሚንስትሪ ትምህርቲ ኣና ኤክስትሮም ሎሚ ምሽት ንማእከናት ዜና ሽወደን ሎሚ ምሸት ኣብ ዝሃብቶ ጋዜጣዊ ዋዕላ ንለብዳ ኮሮና ቫይረስ ንምግታእ መንግስቲ ሽወደን ንጽባሕ ዓርቢ ኣብያተ ትምህርቲ ሸወድን ክዕጸዋ ወይ ክቕጽላ ዝብል ወሳኔ ኣብ ሓደ መደምደምታ ክበጽሕ ሙዃኑ ሓቢራ። ከምዝፍለጥ ደንማርክ ኣቅዲማ ንኩሉ ኣብያተ ትምህርቲ ኣብ ዝዓጸወትሉ ነርወይ ብወገና ካብ ዝመጽእ ሰኑይ ጀሚሩ ኩሉ ኣባይተ ትምህርቲ እታ ሃገር ክዕጸዋ ብምእዋጃ ሽወደን ብወገና …

Read More »

ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን ዝኾነ ስራሕ ብሰንኪ ኮሮና ቫይረስ ዝሳናኸል ሰራሕ ከምዝይህሉ ሓቢሩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን ስቲፈን ትማሊ ሰሉስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሚኒስትሪ ፋይናንስ ካብቲ ንቡር ብርክት ዝበለ ባጀት ንቐጻልነት ሓለዋ ጥዕና ከም ዝሰልዐን ብምስፍሕፋሕ ቫይረስ ኮሮና ኣብ ሽውደን ይዂን ካልኦት ሃገራት ዝሰናኽል ስራሕ ከም ዘይህሉን ተመልኪቱ። ሽወደን ጽቡቕ ዝበሃል ምድላዋት ጌራ ምህላዋን ነዚ ቅልውላው ንምምካት ክኢላታት ዘድሊ ዕዮ ይዓዩ ምህላዎምን ድማ ገሊጹ። ንሱ ምልባዕ እዚ ሕማም ንምቅላስ ዝግበር ዕዮ ንመንግስቲ ጥራይ ክግደፍ …

Read More »

ምትካል ወርቃዊ ድልድል (ቢንቶ) ስቶኮልም ኣብ ዝመጽእ ክልተ መዓልታት ክፍጸም እዩ።

ብ መስረት ኣብ ከባቢ ሱሉሰን ከተማ ስሉሰን ዳግማይ ዝተዓራረ ዘሎ ዓቢ ድልድል ወይ ቢንቶ ኣብ ከም መሰጋገሪ ኮይኑ ዘገልግል ወርቃዊ ድልድል ናብ ማእከላይ ስቶክሆልም ኣብ ዝመጽእ ክልተ መዓልታት ዘድሊ ኣዕኑድ ብምቕራብ ክፋል ሶደርማልም (Sodermalm) ምስ ጋምላ ስታን (Gamla Stan) ኣብ ምርኻብ ከም ዝዛዘም ተፈሊጡ። ብምኽንያት ደሚቕ ቢጫ ሕብሩ እቲ ድልድል ወርቃዊ ዝብል ስም ከም ዝጠበቖ ይፍለጥ። እቲ ቀጻሊ ምስጥጣም እቲ …

Read More »

ሕማም ኮሮና ንምቅላስ መንግስቲ ሽወደን ዝያዳ ፋይናንሳዊ ወፍሪ ይገብር።

መንግስቲ ሽወደን ዛጊት ቊጽሩ ዘይተፈልጠ ሕማም ኮሮና ንምቅላስ ከም ዘዋፈረ ተገሊጹ። ” ኣብ ምቅላስ እዚ ሕማም ዝኾነ ሕጽረት ገንዘብ ዝብል ምስምስ ክቐርብ የብሉን” ክትብክ ሚኒስተር ፋይናንስ ማግዳሊን ኣንደርሰን ንኣገልግሎት ዜና ሽወደን ሓቢራ’ላ። እዚ ዘሎ መንግስቲ ምስ ማእከላይን ሊበራላውን ሰልፊታት ብምዃን ዝመጽእ ጽድያ ኣብ ዝጸድቕ ባጀት ንጽላት ጥዕና ዝያዳ ገንዘብ ክስላዕ ተሰማሚዖም ኣለዉ። ” ንኲባንያትን ሰብመዚን ክንክን ጥዕና ዝያዳ ገንዘብ ክስላዓሎም …

Read More »

ናይ ጡረታ ክፍሊት ክውስኽ እዩ ተባሂሉ።

ሽማግለታት ጡረተኛታት ሽወደን ዝያዳ ገንዘብ ክቕበሉ እዮም ተባሂሉ። እዚ ካብ ዝመጽእ ዓመት ኣትሒዙ ግብራዊ ክኸውን እዩ። እዚ ምውሳኽ ኣብ ክሊ ጡረታ 9000 ክሳብ 17 ሽሕ ኮሮና ክቕበሉ ንጸንሑ ኮይኑ ክሳብ ናይ 600 ኮሮና ወርሓዊ ምውሳኽ ክግበረሎም እዩ፡ መንግስቲ ነዚ ውሳነ ምስተን ኣርባዕተ ካልኦት ሰልፊታት ብምዃን ዝበጽሖ እዚ ውሳነ እኳ እንተኾነ ውድብ ጡረተኛትት PRO በዚ ከም ዘይዓገበ ገሊጹ’ሎ። እዚ ናብ ቅኑዕ …

Read More »

ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ሽወደን ዝኣተዉ ቆልዑ ግዱድ ትምህርቲ ከምተወሳኺ ክወሃቦም ከድሊ እዩ ተባሂሉ።

ኣብ ሽወደንን ብልፍንቲ መንግስቲ መስሪተን ዘለዋ ፓርትታት ከከም ኣድላይነቱ ሓደስቲ መጻእተኛታት ቆልዑ ግዱድ ፕሮግራም ትምህርቲ ክውሰኾም ኣለዎ ይብሉ ምህላዎም ተገሊጹ። ሓደ ካብቶም ቀንዲ ኣካላት መንግስቲ ምዃኖም ዝንገረሎም ማእከላይን ሊበራላውን ሰልፊታት ቆልዑ መጻእተኛታት ካልኣይ ደረጃ ምህሮ ኣብ ምብጽሖም ዘጋጥሞም ዘሎ ሽግራትን ትሑት ብቕዓትን ኣብ ግምት ብምእታው እዮም ነዚ ሓድሽ ሓሳባት ዘጋውሑ ዘለዉ። ሓላፊ ሊበራላዊ ሰልፊ ኒያምኮ ሳቡኒ ንሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝሃቦቶ …

Read More »

ኣብያተ መጻሕፍቲ ሽወደን እንዳ ጎደለ ብምምጽኡ ደርስቲ ተቓዉሞኦም የስምዑ።

ኣብያተ መጻሕፍቲ ሽወደን ኣብ ዝቕጽል 25 ዓመታት ነበረ ክኾኑ እዮም ተባሂሉ። ዛጊት ርብዒ ካብ ኣብያተ መጻሕፍቲ ሽወደን ከም ዝተዓጽዉን እቶም ዘለዉ’ውን ብዝወሓደ ማል ከም፡ዝንቀሳቐሱን ተገሊጹ። ጸሓፍቲ ሽወደን ነዚ ዘለዎም ተቓውሞ የስምዑ ምህላዎምን ኣብያተ መጻሕፍቲ ምልክት ዴሞክራሲ እዮም ብምባል ንቀጻሊ ህላዌኦም ይጣበቑ ምህላዎም ድማ ተገሊጹ’ሎ።፡ መጻሕፍትን ጋዜጣታትን ሕድሕድና ንኽንከባበር ኣገደስቲ እዮም። ፖለቲከኛታት እውን ነዚ ብግቡእ ክርድኡን ኣገዳሲ ፋይናንሳዊ ሓገዛት ክገብሩን ይግባእ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com