Thursday , May 16 2024

ስራሕን ቁጠባን

ጽላት ቱሪዝም ሽወደን ኣብ ኖርቦተን ርኡይ ምዕባለ የምጽእ ኣሎ።

ኣብ ዞባ ኖርቦተን ብፍላይ ድማ ላፕላንድ ጽላት ቱሪዝም እናወሰኸ ምምጽኡ ሓላፊ ቱሪዝምን ቦርድ በጻሕትን ላፕላንድ ሊንድ ኣንድርያስ ሓቢሩ። ሊንድ ምስ ተሌቪዥን ሽወደን ኣብ ዝነበሮ ጻንሒት ዞባ ኖርበርተን መዓልቦ ካብ ሓያሎ ሃገራት ዝመጹ ብዙሓት በጻሕቲ እናኾነት ምምጽኣን ከምኒ ኣይስ ሆቴልን ትሪ ሆቴልን ድማ ብብዝሒ ኣጋይሽ ኣብ ምእንጋድ ከም ዝርከባን ኣርክቲክ ባዝ ኣቓልቦ እናሰሓበ ምምጽኡን ገሊጹ። ንሱ ቱሪዝም ገይጺ ዘተኲረሎም ገለ ንጥፈታት …

Read More »

ብሰንኪ ቫይረስ ፖስታ ፖስኖርድ ምስ ቻይና ዝነበረ ኣገልግሎት ደው ምባሉ ተገሊጹ።

ኲባንያ ፖስታ ሽወደን ፖስኖርድ ኣብነት ካልኦት ኣገልግሎት ፖስታ ብምስዓብ ብሰንኪ ተላባዒ ቫይረስ ኮሮና ኣገልግሎቱ ናብ ቻይና ደው ምባሉ ገሊጹ’ሎ። በዚ ድማ ካብ ቻይና ኣቕሓ ክመጾም ዝጽበዩ ዝነበሩ ብትዕግስቲ ክጽበዩ ከም ዝግባእ እቲ ኲባንያ ሓቢሩ’ሎ። “ብሰንኪ እዚ ሕማም ካብ ሽወደን ናብ ቻይና ዝግበር ናይ መራኽብ ኣገልግሎት ፖስታ ደው ክብል ጌርና ኣሎና” ክትብል ኣፈኛ እቲ ትካል ማርያ ኢብሲን ገሊጻ’ላ።

Read More »

ዝኸበራ ቀዳማይ ዓሰርተ ዝኸበራ ምክራይ ኣባይቲ ኣብ ሽወደን።

እተን ቀዳሞት ሰለስተ ዝኸበራ ናይ ክራይ ኣባይቲ ኣብ ከባቢ ምዕራባዊ ገማግም ከተማ ዮተቦሪ ከምዝርከባን እታ ዝኸበረት ገዛ ክራይ ክሳብ 32160 ክሮነር ከም እትበጽሕ ናይ ዘይተንቀሳቓሲ ንብረት መጽሔት Hem & Hyra ሓቢራ። ኣብ መበል ራብዓይ ደረጃ ተሰሪዓ እትርከብ ዝኸበረት ናይ ክራይ ገዛ ኣብ ደቡባዊ ክፋል’ታ ሃገር እትርከብ ከተማ ማልሞ ትርከብ። ከምዚ ዓይነት ኣባይቲ ንምክራይ ዓመታዊ ክሳብ 800 ሽሕ ክሮነር ኣታዊ ክህልወካ …

Read More »

ጎልደን ብሪጅ ዝተሰምየ ሓድሽ ድልድል ሕላገት ስቶክሆልም ክኸውን እዩ።

እዚ ን ሶደርማልምን ጋምላ ስታንን ዘራኽብ ድልድል መስሕብ በጻሕቲ ብምዃን ሓድሽ ሕላገት ስቶክሆልም ክኸውን እዩ ተባሂሉ። እታ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ብቐስታ እትጐዓዝ ዘላን ነቲ 139 ሜትሮ ዝንውሓቱ ጎልደን ብሪጅ ጼራን ዘላ ጃልባ ብምልኽንያት ብርቱዕ ንፋሳት ምድንጓያ እንተኾነ ግና ኣብ መዓልቲ ፍቑራት ናብ መዓልቦኣ ክትበጽሕ ምዃና ይንገር ኣሎ። እዚ ድልድል ኣካላ ናይቲ ኣዝዩ ብብዝሒ ሸመትቲ ዘአንግድ ዕዳጋ እታ መዲና ክኸውን እዩ …

Read More »

ካብ ሃገራት ኖርዲክ፡ ብዘይ ዘይምምጥጣን ኣትዊ ሽወደን ኣብ ቅድሚት ትስራዕ

ካብ 2000 ክሳብ 2017 ዘሎ ግዜ እቲ ኣብ መንጎ ኣታዊታት ውልቀ ሰባት ዘሎ ጋግ እናገፈሐ ምኻዱ ካብ ቤት ምኽሪ ሚንስተራት ሃገራት ኖርዲክ ዝወጸ መግለጺ ኣቃሊዑ። ኣብ ሃገራት እስካንደናቭያ ብምውድዳር፡ ኣብ ሽወደን እቲ ናይ ኣታዊ ጋግ ዝዓበየ ምዃኑ እቲ መግለጺ ሓቢሩ። በዚ መሰረት፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ጸብጻብ ዘቕረቦ ግዜ፡ ሽወደን እታ ዝዓበየ ዘይተመጣጠነ ኣታዊ ዘለዋ ኖርዲካዊት ሃገር ኮይና ኣላ። ቅልጡፍ ቁጠባዊ …

Read More »

ሚኒስተር መጓዓዝያ ሽወደን ዝቐልጠፋ ባቡራት ኣብ ምስራሕ ክምዝርከብ ሓቢሩ።

መንግስቲ ሽወደን ነቲ ጀሚርዎ ዘሎ ዝቐልጠፋ ባቡራት ናይ ምስራሕ መደቡ ወላ’ኳ ካብ ዓቃባውን ክርስትያን ዲሞክራስያዊ ሰልፍታት ደገፍ እንተዘይረኸበሉ ክቕጽሎ ምዃኑ ሚኒስተር ሚኒስትሪ መጓዓዝያ ሽወደን፡ ቶማስ ኢኒሮስ፡ ሓቢሩ። ዝቐልጠፋ ባቡራት ናይ ምስራሕ እማመ ወላ’ኳ እኹል ደገፍ ኣይርከብ ናብ ፓርላማ ክቐርብ ምዃኑን ሰልፊ ሞደራትና ድማ ነቲ እማመ ክድግፎ ተስፋ ከም ዘለዎ ሚኒስተር መጓዓዝያ ሽወደን፡ ኢኒሮስ፡ ንሬድዮ Ekot ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ገሊጹ። መጠን …

Read More »

ኢክያ(IKEA) ኣብ ብሪጣንያ ዝነበሮ ንጥፈት ኣጒዲልዎ ተባሂሉ።

ህቡብ ኲባንያ ስርሓት ዕንጸይቲ ሽወደን ዝኾነ IKEA ኣብ ብሪጣንያ ዝነበረ መኻዚኖን ዱካናውትን ኮቨንትሪ ብሪጣንያ ምዕሻጒ ተገሊጹ። እዚ ምዕጻው ኣብ ታሪኽ እቲ ኲባንያ ፋልማይ ምዃኑ ጋዜጣ ዘ ጋርድያን ጸብጺባ’ላ። IKEA ኣብ 2007 ካብ ዝኽፈት ንደሓር ገለ ፋይናንሳዊ ክሳራታት ከአንግድ ምጽንሑን ብምኽንያት ምቕያር መሸጣ ሽርሻሮ ካብ ኣካላዊ ዕዳጋ ናብ ዲጂታል ዕዳጋ ዓማዊል ክኸስር ምጽንሑ ገሊጹ። ብምኽንያት ምዕጻው እዚ ዱካናውቲ 350 ዝዀኑ ሰራሕተኛታት …

Read More »

ምስ ካልኦት ሃገራት ብምውድዳር ጎማ መካይን ዳግማይ ኣብ ጥቕሚ ምውዓል (ሪሳይክል) ኣብ ምግባር ሽወደን ንድሕሪት ምትራፋ ተገሊጹ።

ሽወደን ካብ ዝተጓሕፋ መካይን ዝርከብ ፕላስቲክ ሪሳይክል ኣብ ምግባር ምስ ካልኦት ሃገራት ብምውድዳር ብድሕሪት ተሪፋ ኣላ ክትብል ሬድዮ ሽወደን ገሊጻ’ላ። ብመሰረር ውድብ ሪሳይክሊንግ መካይን ፌቡላቶ ፋብሪካ ከምዚ ዝበለ ኣሰራርሓ ኣኽሳቢ ኣይኰነን። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ገዛእቲ እቲ ሪሳይክል ዝግበር ባእታ ስለዘይርከብ እዩ ክብል ኣካያዲ ስራሕ ኢንዱስትሪ መኪና ብወርሒ ታሕሳስ ገሊጹ ምንባሩ ሬድዮ ሽወደን ዘኪራ። ንሱ” ዝገዝእ እንተዝርክበ ከምኡ ምግባር ቀሊልን ግቡእን …

Read More »

ሰልፊ ሞደራትና ጥብቕ ዝበሉ ሕጊታት ፍቓድ ኢመግረሽን ስራሕ ኣብ ግብሪ ክውዕሉ እማመ ኣቕሪቡ።

ዓቃባዊ ለዘብተኛ መርገጺ ዘለዎ ሰልፊ ሞደራትና ንሳቶም ዘይግቡእ ንዝበልዎ ኣታሕዛ ስርዓት ንምውጋድ ሕጊታት ፍቓድ ስራሕ ኢሚግሬሽን ጥብቕ ዝበሉ ንኽኾኑ እማመ ምቕራቦም ተገሊጹ። ብሰንበት ኣብ ዝተኻየደ ጋዜጣዊ ዋዕላ መራሒ ሰልፊ ሞደራትና ኡልፍ ክሪስተርሰን ኣብ መደረኡ ልዑል ሞያ ዘለዎም ሰባት ብቐሊሉ ስራሕ ንኽረኽቡ በንጻሩ ትሑት ክእለት ዘለዎምን ነብሶም ክኣልዩ ዘይክእሉ ሰባት ንምጒዳል መታን ክከኣል ለውጢታት ብምትእትታው ነቲ ስርዓት ንምድሓን ይሰርሕ ምህላዉ ገሊጹ’ሎ። …

Read More »

ባንክ SEB ካብ ትጽቢት ዝተገብረሉ ዝሓሸ ኣታዊ ረኺቡ ተባሂሉ።

ጒጅለ ባንክ SEB ኣብ ርብዒ ዓመት ምውሳኽ ጠለብን ትካላዊ ልቓሕ ኣገልግሎት ምኽርን ልዑል ወለድን ኣቢሉ ካብ ትጽቢት ዝተገብረሉ ዝሓሸ ኣታዊ ከም ዝረኸበ ሎሚ ገሊጹ። ሓፈሻዊ ኣታዊ SEB ካብ ናይ ዓሚ 4.6 ቢልዮን ናብ ናይ ሕጂ 5.8 ቢልዮን ክሮና ምዕባዩን ነቲ ብትጽቢት ተቐሚጡ ዝነበረ ኣሃዝ ማለት 4.9 ቢልዮን ምሕላፉ ድማ ተገሊጹ’ሎ። እቲ ባንክ ኣብ 2019 ካብ ብርኪ ናይ 6.25 ክሮና ብጽሒት …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com