Thursday , May 16 2024

ስራሕን ቁጠባን

ብሰንኪ ቴክኒካዊ ምብልሻው መሸጣ ብርኪ ስቶክሆልም ክቋረጽ ከም ዝተገብረ ተገሊጹ።

ብምኽንያት ቴክኒካዊ ብልሽት ኣብ ሄልሲንኪን ኮፐንሃገንን ዝካየድ ዝነበረ መሸጣ ብርኪ ተወዚፉ’ሎ። “ብዘይካ ኖርዌይን ገለ ሃገራት ባልቲክን ኣብ ሃገራት ኖርዲክ ዘሎና ናይ ምርኻብ ጸገማት ኣሎና” ክብል ዴቪድ ኦግስትሰን ይገልጽ። እዚ ሽግር ካብ ዓርቢ ሰዓት 11 ንደሓር ፈኸም እናበለ ምቕጻሉ እውን ኣመልኪቱ። ቅድሚ ምቊራጽ መሸጣ ብርኪ OMXS እንተላይ ካልኦት መሸጣ ብርኪ ብ 0.3 ሚእታዊት ምውሳዂ ኸኣ ተገሊጹ። ካብቶም መኽሰብ ዝረኸቡ ሄክሳጐን ብ …

Read More »

ኣብ ኦሬብሮ ትርከብ ምምሕዳር ንዘጋጠማ ቁጠባዊ ቅልውላው ንምፍታሕ ካብ መንግስቲ ሓገዝ ትሓትት።

ኣብ ኦሬብሮ እትርከብ ምምሕዳር ካርልስኲጋ (Karlskogas) ሎሚ ኣብ ዝተጋብአ ኣኼባ፡ እዛ ምምሕዳር’ዚኣ ብቁጠባዊ ቅልውላው ትሰቐ ከምዘላን ካብ ማእከላይ መንግስቲ ሓገዝ ከምዝጠለበትን ምምሕዳር ስነ-ማሕበር (Socialförvaltningen) ሓቢሩ። መጻኢ ኣንፈት ናይቲ ምምሕዳር ንምምልላይ ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣጀንዳ ኣማሓዳሪን ላዕለዎት ሓለፍቲ ፋይናንስ ኣብ ዝተረኽብሉ ኣጋጣሚ እዚ ዛዕባ ተላዒሉ። እዛ ምምሕዳር ብሕጽረት 30 ሚልዮን ክሮነር ትሳቐ ከም ዘላ ካብ ተለቪዥን ሽወደን ዝመጸ ጸብጻብ ይሕብር። እቲ …

Read More »

ኣህጉራዊ ጸብጻብ፡ ስርዓተ ክፍሊት ጥሮታ ሽወደን ሓደ ካብቶም 5 ዝበለጹ ስርዓታት ዓለምና ምዃኑ ተሓቢሩ።

ስርዓተ ክፍሊት ጥሮታ ሽወደን ሓደ ካብቶም ዝበለጹ 5 ስርዓታት ዓለምና ከምዝኾነን ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ደረጃ B (ጥዑይ ትሕተ ቕርጽን ብልጫታት ዘለዎ ደረጃ) ተሰሪዑ ዘሎ ኮይኑ ንደረጃ A ከምሓይሾ ዝኽእል ብልጫታት ዘለዎ ስርዓት ምዃኑ ተሓቢሩ። ስርዓተ ክፍሊት ጥሮታ ሽወደን፡ ድሕሪ ስርዓታት ሆላንድ፡ ደኒማርክ፡ ኣውስትራልያን ፊንላንድን ተኸቲሉ ኣብ መበል 5ይ ደረጃ ተሰሪዑ ከም ዝርከብ ዓለማዊ ስታቲካዊ ሓበሬታ ሜልቦርን ሜርሰር ገሊጹ። ሆላንድን …

Read More »

Swedish News on Tigrigna – ዜናታት ሽወደን ብትግርኛ 01 11 2019

ገለ ካብ ካብ ናይ ሎሚ ዜና፣- 1. መጻኢ ዕማማት ቤት ጽሕፈት ዕዮ arbetsförmedlingen ብዞባዊ ምምሕዳራት ክትካእ ርእይቶ ከምዝቐረበ ተሓቢሩ። 2. መንግስቲ ሽወደን፣ ንሃገራዊን ጸጥታ ኣስጋእቲ ተባሂሎም ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ጸጥታ ሽወደን ዝጸንሑ፣ ሽዱሽተ ሰባት ካብ ሃገር ክጥረዙ ዉሳነ ሂቡ። መደባትና ብሰፊሕ ንምክትታልን ከምኡ እዉን፣ ብዛዕባ ኩነታት ሽወደን ብትግርኛ ንምርካብ ኣብ መርበብ ሓበሬታና www.alkompis.se/ti ተወከሱ

Read More »

ማሕበራዊ ኮዳት ኣብ ዕዳጋ-ዕዮ ኣብ ሽወደን

ናይ ሽወደን ሕላገት ኮይኑ ዝረአ ሓድሓደ ማሕበራዊ ኮድ ናይ ዕዳጋ-ዕዮ ኣሎ። ኣብ ቦታ ስራሕ፡ ልሙድ ዝኾነ ኣወዳድባ፡ ልሙጽ እምበር ጽፍሓዊ ኣይኮነን። እዚ ማለት ካኣ፡ መብዛሕትኦም ንስራሕ ዝምልከቱ ነገራት፡ ብሓለቓታትን ሰራሕተኛታትን ብሓባር እዩ ዝወሰን። እዚ ኣገባብ እዚ፡ ውሳነ ኣብ ምውሳድ ነዊሕ ግዜ ዝሓትት እኳ እንተኾነ፡ ንሰራሕተኛታት ግን ተሳታፍነትን ሓላፍነት ናይ ምውሳድ መንፈስን የስፍነሎም’ዩ። ናይቲ ስራሕ ሃዋሁው፡ መብዛሕትኡ ግዜ፡ ምቕሉልነት ዝሰፈኖ እዩ። …

Read More »

ትካል መኪና ቮልቮ ኣብ ዓለም ዝለዓለ ዕብየት መሸጣ መካይን ኣርእዩ።

ዕብየት መሸጥ መካይን ትካል ቮልቮ ካብ ወርሒ ጥሪ ክሳብ ወርሒ ጥቅምቲ ናይዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት ብ7.4% ወሲኹ 507,704 ከም ዝሸጠን ዝሓለፈ ዓመት ኣብዚ ግዜ’ዚ 472553 ተሽከርከርቲ ሸይጡ ከምዝነበረ ይዝከር። እዚ ዕብየት ድማ ብሰንኪ ምውሳኽ ጠለብ ናይ ፖሊስ (V60) ዝዓይነተን መካይን ኮይኑ ጠለቦም ብ481% ብምዝያድ ካብ 6619 ናብ 38508 መካይን ክብ ኢሉ። ሞዴል (S60) ዝዓይነተን ፍርያት ቮልቮ ዝኾና መካይን ሽያጠን ብ100% …

Read More »

ሽወደን ኣብ መጻኢ ነዳዲ ምጥቃም ከተቋርጾ ትውጥን።

ሃገራት ዓለም ነቶም ምንጪ ናይቶም ፡ ንሙቐት ዓለምና ኣብ ምዝያድ ዝሕግዙ ጋዛት፡ ምጥቃም ከቋርጻ ኣለወን። ካብተን በንዚንን ናፍታን ዝጥቀማ መካይንን ፋብሪካታትን እዚ ዓይነት ጋዝ ይምንጩ። ኣብ ዓመተ 2045 ሽወደን ምጥቃም ናይዞም ምንጪ ጋዛት ዝኾኑ ባእታታት ከተቋርጾ ወሲና ኣላ። እዚ መስርሕ ግን ብቀስታ ዝጓዓዝ እዩ። ነዚ ጉዳይ ኣመልኪተን ዝተፈላለያ ኩባንያታትን ምምሕዳራትን እማመ ኣውጺአን ኣለዋ። ኣብ ኢድ መንግስቲ 27 እማመታት ኣለዉ። ገለ …

Read More »

ብዝሒ ደቂ ኣንስትዮ ሓለፍቲ ምምሕዳራት ሽወደን ይውስኽ ምህላዉ ተገሊጹ።

ኣብ መፋርቕ ተስዓታት ብዝሒ ደቂ ኣንስትዮ ሓለፍቲ ምምሕዳራት ሓንቲ ኣብ ሞንጎ ዓሰርተ ምምሕዳራት ከምዝነበረ ይዝከር። ኣብዚ ሕጂ እዋን ግን ብዝሒ ደቂ ኣንስትዮ ሓለፍቲ ምምሕዳራት ናብ ኣርባዕተ ደቂ ኣንስትዮ ካብ ዓሰርተ ሓለፍቲ ምምሕዳራት ሽወደን ክብ ኢሉ ይርከብ። ብመሰረት ዝተገብረ ዳህሳስ፡ ኣስታት 43% ካብ ሓለፍቲ ምምሕዳራት ሽወደን ደቂ ኣንስትዮ ምዃነን ይሕብር። ዋሕዲ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ሓለፍቲ ምምሕዳራት ሽወደን ኣብ ዝነበረሉ እዋን ዘቖጥዕ …

Read More »

ን መርበብ ሓበሬታ ሓለዋ ጥዕና 1177 ንምምዕባል መንግስቲ ሽወደን ሚልዮናት ክሮነር ተሰሊዑ።

ነቲ ብቁጽሪ 1177 ዝፍለጥ መርበብ ሓበሬታ ሓለዋ ጥዕና ንምምዕባል መንግስቲ ሽወደን ንኹለን ምምሕዳራትን ዞባታትን ዝኸውን ናይ 33.5 ሚልዮን ክሮነር ሓገዝ ክህብ ምዃኑ ወሲኑ። እዚ ዝወሃብ ዘሎ ሓገዝ ንኹሎም ኣብ ሃገር ዝርከቡ ሕሙማን ክጠቅም ተስፋ ንገብር ትብል ሓላፊት ማሕበራዊ ጉዳያት ዝኾነት ሊና ሃሊንግሪን። ኣብ ሽወደን ዝርከብ ናይ ጥዕና ኣገልግሎት ብቐሊሉ ዝርከብ ክኸውን፡ ንኹሉ ሰብ ከገልግልን ምስ ሓድሽ ተክኖሎጂ ክስዕን ብተወሳኺ ሓቢራ። …

Read More »

ማእከላይ ባንክ ሽወደን ንዋጋ ወለድ ባንክ ብዝምልከት ክሳብ ዝቕጽል ወርሒ ታሕሳስ ከም ዘለዎ 0.25% ከይወሰኸ ክጸንሕ ምዃኑ ሓቢሩ።

እዚ ውሳኔ’ዚ ንዓቕሚ ባጤራ ክሮነር ምስ ዶላርን ዩሮን ኣወዳዲርካ ኣብ ናይ ንግሆ ምንቅስቓስ ሸርፊ ባጤራታት ሓይሊ ከምዝወሰኸሉ ካብ ማእከላይ ባንክ ዝወጸ ጋዜጣዊ መግለጺ ይሕብር። ድሕሪ ቁሩብ ዓመታት፡ ሓያል ቁጠባዊ ምንቅስቓስ ናይ ቀረባ ዝቕባበን ናብቲ ዝሕሰብ ዕላም ናይ 2% ምስ ኣብጸሓና፡ ቁጠባ ሽወደን ክረገጋእን ኣብ ንቡር ክምለስን ምዃኑ እቲ መግለጺ ብተወሳኺ ገሊጹ። ብመሰረት ሓበሬታ ባንክ፡ ኣብዚ ዓመት ከጋጥም ዝኽእል ዝቕባበ ባጤራ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com