Friday , April 26 2024

Jobskills.se – ብትግርኛ ዚውሃብ ናይ ዲጂታል ኣገልግሎት ስራሕ

ብቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሓት ዝተመወለ ዓንቀጻት Arbetsförmedlingen

Jobskills ኣብ ሃገር ሽወደን ንኽትሰርሕ ንእትገብሮ ምድላዋት ሓገዝ ይህበካ። ክሳዕ እቲ ናይ ስራሕ ፍቓድ ዚውሃበካ ዘሎ ግዜ ድማ ብዛዕባ እንታይ ክትገብር ከም ዘሎካ ምዕዶን ምኽርን ትረክብ።

ናትካ ድሕረ-ባይታ (CV) ናብ ቋንቋ ሽወደን ይትርጎም

ነቲ እተመሃርካዮን እተመከርካዮን ካልእ ክእለትን ብቋንቋኻ ትመልኦ። እንታይ ዓይነት ስራሕ ከም ዘገድሰካ እውን ትመርጽ። ድሕረ-ባይታኻ ምስ ገለጽካ፡ ናብ ቋንቋ ሽወደን ይትርጎመልካ፡ ብድሕርዚ እቲ ከም ናትካ ተመክሮ ንዘለዎ ሰብ ዚደሊ ዘሎ ወሃብ ስራሕ ነቲ ድሕረ-ባይታኻ ምእንቲ ኪረኽቦ፡ ከም ዚሕተም ክትገብር ትኽእል ኢኻ።

ብድሕርዚ ንስራሕ ወይ ንስልጠና ብዚምልከት እትወስዶ ስጕሚ

ነቲ ክእለታትካን ዓቕምታትካን ኣብቲ jobskills.se ምስ መላእካዮ፡ ነቲ እትደልዮ ስራሕ ንምርካብ እንታይ ቀጻሊ ስጕምቲ ክትወስድ ከም ዘሎካ ዘገልግል ሓበሬታ እውን ኪወሃበካ እዩ። እቲ ንውሱን ስራሕ ወይ ስልጠና እንታይ የድልዮ ንዚብል ሕቶ ዚምልከት ምኽሪ፡ ንኣኻ ደላይ ስራሕ ይኹን ወይ ነቲ ሰራሕተኛ ዚደሊ ወሃብ ስራሕ፡ ንኽልተኻትኩም ግዜ ይቝጥበልኩም እዩ።

ሳጹን ሓቅታት

  • Jobskills ንምጥቃም ናይ ኢመይል ኣድራሻ ከድልየካ እዩ።
  • ድሕረ-ባይታኻ ናብ ሽወደንን እንግሊዝን ከም ዚትርጎመልካ ክትገብር ትኽእል ኢኻ። (ብ ጉግል ኣይትተርጉም).
  • እቲ ወሃብ ስራሕ፡ ነቲ ድሕረ-ባይታኻ ኪርእይ ዚኽእል፡ ምስ እተሕትሞ ጥራይ እዩ።
  • Jobskills ብቛንቋታት ሽወደንን እንግሊዝን ዓረብን ፋርስን ትግርኛን ሶማልኛን ይርከብ።

 

ብተወሳኺ ኣንብብን ንJobskills ተጠቐመሉን

jobskills.se


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com