Saturday , May 4 2024

ስራሕን ቁጠባን

ዓቢ ናይ ስራሕ ዕድል ንነበርቲ ማልሞን ከባቢኡን

ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሓት () ማልሞ ንልዕሊ 100 ወሃብቲ ስራሕ ብምዕዳም ዓቢ ናይ ስራሕ ዕድላት ፈጢሩ ስለዘሎ እዚ ዕድል ክትጥቀምሉ ንሕብር:: ዕለት 07 የካቲት 2019 ቦታ slagthuset ,Jörgen kocksgatan 7A, Malmö ሰዓት 10:00-15:00 አባላት አልኮምፒስ ክፍሊ ትግርኛ ጽቡቅ ዕድል ንትምነየልኩም:: ዓቢ ናይ ስራሕ ዕድል

Read More »

ፈጣናት ኣውቶቡሳት ኤልትሪክ ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ሽወደን ክኣትዋ እየን ተባሂሉ።

ኣብ ወርሓ ታሕሳስ ዓመተ 2019 ሓደስቲ ፈጣናት ኣውቶቡሳት ካብ ነቚጣታት Barkabyን Akalla Metro Stationን ስራሕ ከም ዝጅምራ ተፈሊጡ’ሎ። እዘን ኣውቶቡሳት ዘበናዊ ቴክኖሎጂ ዘለወን ኮይነን ብናህሪ ብምጒዓዝ ኣብ ሓጺር ግዜ ብዙሕ ርሕቀት ዝሰይትያ እየን ተባሂሉ’ሎ። እዚ ዞባ ዓብዪ ከተማዊ ምንቅስቓስ ይረኣዮ ምህላዉ፡ ክሳብ ሕጂ 10ሽሕ ኣባይቲን ትሕተ-ምድራዊ ባቡር ተሃኒጾም ምህላዎም ድማ ተመልኪቱ’ሎ። እዘን ኣውቶቡሳት ስራሕ ኣብ ምጅማረን እቲ ጒዕዞ ካሳብ ቅድም …

Read More »

ፕሮጀክት “ምውህሃድ ብስራሕ” ንኤርትራዊ ዓሊ ዓብዱ ናይ ስራሕ ዕድል ይፈጥረሉ።

ፕሮጀክት “ምውህሃድ ብስራሕ” ብምትሕብባር ዞባ Gotland ከምኡ’ውን ኣገልግሎት ሽቕለትን ዝምራሕ ኮይኑ ንሰለስተ ዓመታት ቀጺሉ’ሎ። ዕላማ ናይዚ ፕሮጀክት ንዕድላት ስራሕ ሓደስቲ መጻእቲ ንምድንፋዕ ኮይኑ ጎድኒ ጎድኑ ድማ ኣስራሕቲ ትካላት ብዙሕነት ከአንግዳን ነዚ ከም ሃብቲ ክርእያኦን ዕድል ምኽፋት’ዩ። ካብ ብዙሓት ሃገራት ዝመጹ 69 ሰባት ኣብዚ ፕሮጀክት ተሳቲፎም ኣለዉ። Bild: Per Leino እዞም ተሳተፍቲ ካብ ሰለስተ ክሳብ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ኣብ ክንክን ኣዛውንቲ፡ መዓልታዊ …

Read More »

ዜናታት ኮምፒስ 01 የካቲት 2019

Read More »

ሽወደን ኣብ ሓድሽ ፖለቲካዊ መድረኽ ኣትያ ተባሂሉ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን Stefan Löfven ቦኽሪ ባይቶኣዊ ክትዕ ሎሚ ዓመት ኣብ ምጅማሩ ሽወደን ኣብ ሓድሽ ፖለቲካዊ ኲነታት ተሰጋጊራ’ላ ኢሉ። ንሱ ነቲ ኣብ ኣውሮጳ እናማዕበለ ዝመጸ ሃገራውነት ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መደረ መጀመሪ ነጥቢ ሓድሽ ማእከላይ መንግስቲ መሰረታት ሊበራላዊ መንግስቲ ምድጋፍ ምዃኑ ኣስሚርሉ’ሎ። ቊጠባ ሽወደን ኣብ ጽቡቕ ኲነታት ምህላውን ማሕበራዊ ሽግራት ንምፍታሕ ዝኽእሉ ዕድላት ርሒብ ምዃኖምን ገሊጹ’ሎ። ሽቅለት ምውሓስ ቀንዲ ቀዳምነት ሰልፊ …

Read More »

ሞያዊ ብቕዓት ዘለዎም ሰባት ኣብ ሽወደን ምንባር ክቕጽሉ ዘፍቅድ ሕጊ ኣብ 2021 ክጸድቕ እዩ ተባሂሉ።

ኣብ ጒዳይ ምቕያር ስራሕ” ክኢላታት ሰብ ሞያ” ከምኡ”ውን” “ክኢላዊ ሽቕለት” ዘተኰረ ሕጊ ኣብ 2021 ተግባራዊ ክኸውን እዩ ተባሂሉ። እዚ ሕጊ ንሕቶ ፍቓድ መንበሪ ካብዚ ዘለዎ ኣጸቢቚ ከቃልሎ ምዃኑ ተገሚቱ’ሎ። ክሳብ ሕጂ እዚ ሕጊ ኣብ መስርሕ እዩ ዘሎ። እዚ ንሓድሽ መንግስቲ ክዉን ዝገበረ ርቡዓዊ ስምምዕ ሽወደናዊ ፍቓድ መንበሪ ብዝቐለለ ኣገባብ ከም ዝርከብ ብምግባር ምስ ኩንትራት ብዝዛመድ ድማ ጒዳይ ዜግነት ክረአ ከም …

Read More »

Arbetsförmedlingen 4400 ሰራሕተኛታቱ ጽባሕ ረቡዕ ከፋንው እዩ ተባሂሉ።

ቤትጽሕፈት መራኸብቲ ስራሓት (Arbetsförmedlingen)  ንኣሽሓት ሰራሕተኛታቱ ካብ ኣገልግሎት ከሰናብቶም እዩ ይበሃል ኣሎ። ረቡዕ ንግሆ ን 4400 ሰራሕተኛታት ቤትጽሕፈት መራኸብቲ ስራሓት (Arbetsförmedlingen)  ናይ ስንብት ምልክታታት ክንገሮም እዩ ተባሂሉ’ሎ። ብመሰረት ጋዜጣ DN እዚ ካብቲ ኣቐዲሙ ተገሚቱ ዝነበረ ቊጽሪ (ማለት 2400 ) ኣጸቢቑ ዝለዓለ እዩ። እዚ ዝኸውን ዘሎ ሓድሽ እማመ ባጀት ብባይቶ ድሕሪ ምጽዳቑን ዓቃባዊ ክርስትያን ዲሞክራስያዊን ሰልፊታት ባጀት ቤትጽሕፈት ዕዮ ክጐድል ዝብል …

Read More »

ማሕበር ሰራሕተኛታት (facket) ብዛዕባ ሰራሕተኛታት (Arbetsförmedlingen) ይሻቐል።

ማሕበር ሸቀልቲ ህዝባዊ ጽላት ኣብ ልዕሊ ቤትጽሕፈት መራኸብቲ ስራሓት (Arbetsförmedlingen) ክተኣታቶ እዩ ንዝተባህለ ጽንኩር ለውጢታት ነቒፍዎ። ቤትጽሕፈት መራኸብቲ ስራሓት (Arbetsförmedlingen) ዕማማቱ ብምጒዳል ብሕታውያን ኲባንያታት ስራሕ ናይ ምንዳይ ዕማም ክርከባ እማመ ምውጹኡ ይፍለጥ። እዚ ማሕበር እዘን ናይ ብሕቲ ኲባንያታት ካብ ሰራሕተኛታት ቤትጽሕፈት ዕዮ ንላዕሊ ነዚ ስራሕ ክዓሞኦ ኣይክእላን እየን ዝብል ቅዋም ኣውጺኡ’ሎ። ብመሰረት ኣብ መንጐ ኣርባዕቲአን ሰልፊታት ( ማለት ሰልፊ ሶሽል …

Read More »

መሓመድ ሑሴን ኣልዓሙዲ ድሕሪ ናይ 14 ኣዋርሕ ማእሰርቲ ካብ ቤት ማእሰርቲ ተለቂቁ።

ወናኒ መዐደል ነዳዲ ፕሪም (Preem) ዝኾነ ብዓል ሃብቲ መሓመድ ሑሴን ኣልዓሙዲ ካብ ቤት ማእሰርቲ ተለቂቁ። ወሃቢ ቃል እዚ ትካል ከምዝገለጾ ካብ ማእሰርቲ ከምዝተለቀቀ እምበር ካልእ ዝርዝር ሓበሬታ ኣብ ዝቅጽል መዓልታት ካብ ቤተሰብ ክረኽቡ ተስፋ ከምዘለዎም ገሊጹ።

Read More »

ሓድሽ መንግስቲ ኣብ ዜግነት ንዘሎ ሕጊ ክትርሮ ምዃኑ ቃል ይኣቱ።

ሽወደናዊ ዜግነት ንዝሓቱ ሰባት ናይ ቋንቋ ፍልጠቶም ዝዕቅን መርመራ ክወሃቦም ምዃኑ እውን ገሊጹ’ሎ። እዚ ውሳነ ሊበራላዊ ሰልፊ ንዝሓለፋ 16 ዓመታት ክደፍኣሉ ዝጸንሐ ሓሳብ እዩ። ሕጂ እዚ ብልፍንቲ ሶሻል ዲሞክራትስን ሓምላይ ሰልፊታት ዝቘመ መንግስቲ ናይ በጀት ሕቶኡ ብሊበራላዊ ሰልፊ ድጋፍ መታን ክረክብ እዚ ዝተገልጸ ለውጢ ፖሊሲ ዝተኣታተወሉ መስርሕ መርመራ ከበግስ እዩ። ኣባል ሊበራላዊ ሰልፊ ባይቶ Gulan Avci ንሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝሃቦ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com