Saturday , May 4 2024

ስራሕን ቁጠባን

ዜናታት ስዊድን ብትግርኛ 25 ጥሪ 2019

Read More »

መጻኢ ዕድል ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስርሓት ኣብ ሕቶ ምልክት ይኣትው።

ኣብ መንጎ ኣርባዕተ ውድባት ብዝተበጽሐ ስምምዕ መሰረት ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስርሓት(Arbetsformedlingen) ብሓያሎ ስራሕ ኣብ ምንዳይ ዝዋፈራ ናእሽቱ ኩባንያታት ክትካእ ምኻኑ ተፈሊጡ። እዚ ትካል “ስራሕ ንዘይብሎም ሰባት ብዙሕ ኣይሓገዘን” ዝብል ተሪር ነቐፌታ ድሕሪ ምእንጋዱ ኣብ መንጐ ሰልፊታት ሶሻል ዲሞክራትስ (S) ሓምላይ (MP) ማእከላይ (C) ከምኡ’ውን ሊበራላዊ (L) ሰልፍታት ነዚ ትካል ዳግማይ ንምህናጽ ስምምዕ ተበጺሑ’ሎ። ኣባል ባይቶ ማእከላዊ ሰልፊ Martin Adahl “ኣገልግሎት …

Read More »

TELIA ሰራሕተኛታት ከሰናብት እዩ።

ሓደ ካብቶም ዝዓበዩ ከባንያታት ቴለኮምኒኬሽን ሽወደን ዝኾነ Telia ብሰንኪ ዋሕዲ ኣታዊ ሰራሕተኛታት ከሰናብት ምዃኑ ሓቢሩ’ሎ። ምስ ናይ ዓሚ 3.9 ቢልዮን ክሮነር ብምውድዳር ናይ ሎም ዘበን ኣታዊኡ 1.7 ቢልዮን ካብ ትጽቢቱ ኣዝዩ ዝወሓደ ምዃኑ ገሊጹ’ሎ። ዋና ኣመሓዳሪ Teila ዝኾነ Johan Denellind “ትካላዊ ቅርጺና ዳግማይ ክንሰርዖ ኢና፥ እዚ ማለት ድማ ብዘይካ ውሑዳት ሰራሕተኛታትን ኣማኸርትን ካልኦት ክሰናበቱ እዮም” ኢሉ ኣሎ።። ክንደይ ዝኣኽሉ ሰራሕተኛታት …

Read More »

ኣድማ ሰራሕተኛታት ወደባት ሽወደን

ኣብ ቀንዲ ወደባት ሽወደን ኣድማ ሰራሕተኛታትን ኣስራሕቲ ዝፍጽምዎ ዘለዉ ምልኳት ስራሕን ናብታ ሃገር ዝኣቱን ዝወጽእን ኣቕሑ ንግድ ብኣሉታ ይጸሉ ምህላዉ ተገሊጹ። ወነንቲ መርሳታትን ማሕበር ሰራሕተኛታት መራኽብን ትማሊ ኣብ ዝምምዕ ክበጽሑ ዘይከኣልሉ ነጥቢ እቲ ሰራሕተኛታት ብውድቦም ድዮም ክውከሉ ዘለዎም ወይስ ብፈደሬሽን ሃገራዊ መራኸቢታት ዝብል እዩ።

Read More »

ብመሰረት በዓል መዚ ማሕበራዊ ድሕነት ሕቶ ዕረፍቲ ስራሕ ደቂተባዕትዮ ወሲኹ::

ብመሰረት ኣሃዛት ንዋይ ማሕበራዊ ድሕነት ሕቶ ዕረፍቲ ስራሕ ደቀንስትዮ 70.7 ሚእታዊት ናይ ደቂተባዕትዮ ድማ 29.3 ሚእታዊት ምንባሩ እዚ ማለት ምስ ኣብ 2017 ዝነበረ ናይ ደቂተባዕትዮ ቊጽሪ ብምንጽጻር ናይ 1.4 ሚእታዊት ወሰኽ ምርኣዩ’ውን ተጸብጺቡ’ሎ:: ብማእከላይ ገምጋም ደቀንስትዮ 82.7 ሚእታዊት ናይ ሕርሲን ጥንሲን ፍቓድ ዕረፍቲ ክወስዳ እንከለዋ ናይ ደቂ ተባዕትዮ 40.5 ሚእታዊት መዓልታት ምንባሩ ተመዝጊቡ’ሎ። ወለዲ ኣመት ደቆም ንምግባር ኣብ ቤቶም ኣብ …

Read More »

ኣብ ኣሰራርሓ ባንክ ዘሎ መረረ ዓማዊል ምውሳዂ ተገሊጹ።

ኣብ 2018 ናብ ኮሚተ ህዝባዊ ጥርዓን ዝውሕዝ መረረ ዓማዊል ብ 85 ሚእታዊት ምውሳኹ ተገሊጹ። ኣብ ተመሳሳሊ ግዜ ሓፈሻዊ ቊጽሪ ናይቶም ናብቲ ኮሚሽን ዝኣተዉ መልእኽቲታት ዓማዊል ምስ ዓመተ 2017 ብምንጽጻር ወሰኽ ኣርእዩ’ሎ። ቊጽሪ መረረ ዘስምዑ ሰባት ኣብ ዓመተ 2017 3122 ዝነበረ ኮይኑ ዓሚ ብ 1755 ወሰኽ ኣርእዩ ኔሩ። ብመሰረት ስታቲስቲክስ ኮሚተ ኣብ 2018 ናይ 865 ጒዳያት ባንክ ተሰሚዑሎ። እዚ ማለት ኣብ …

Read More »

ዴንማርክ ትሽዓተ ኣርቲፊሻል ደሴታት ክትሃንጽ ትደሊ’ላ ተባሂሉ።

መንግስቲ ዴንማርክ ካብ ከተማ ኮፐንሃገን ብሸነኽ ደቡብ 12 ሽሕ ቢዝነሳት ክሕዛ ዝኽእላ ትሽዓተ ኣርቲፊሻል ደሴታት ክሃንጽ ድሌት ከም ዘለዎ ተገሊጹ። ብመሰረት ኣፈኛ ሚኒስትሪ ጒዳያት ዕዮ እዚ ውጥን ምስ ምምሕዳር ከተማታት ብምትሕብባር ብደገፍ መንግስቲ ዴንማርክ ኣብ 2040 ክዛዘም እዩ ተባሂሉ ተስፋ ተነቢርሉ’ሎ። እንተኾነ ግና ፈሰስ ፋይናንስ ናይዚ ከምዚ ዝበለ ገዚፍ ፕሮጀክት ካበይ ምዃኑ ክሳብ ሕጂ ንጹር ኣይኮነን። ዴንማርክ ከምቲ ሽወደን ዝገበረቶ …

Read More »

ስቶክሆልም : ማስኬራ ዝወደዩ ሰባት ናብ ልቓሕ ባንካ ብምእታው ራስያ ፈጺሞም።

ብረት ዝዓጠቐ ዝርከቦም ብዙሓት ገጾም ማስኬራ ዝወደዩ ሰባት ሎሚ ንግሆ ኣብ ከባቢ ቡትሺርካ ስቶክሆልም ዕዳጋ ሃሉንዳ ዝርከብ ናይ ልቓሕ ባንካ ብሓይሊ ብምእታው ዘረፋ ፈጺሞም። ሓደ ናይ ዓይኒ ምስክር ከም ዝገለጾ እቶም ማስኬራ ዝወደዩ ሰባት ሰኑይ ሰዓት 10 ንግሆ መኪና ተሳፊሮም ናብቲ ባንክ ድሕሪ ምእታዉ ብቕልጡፍ ካብቲ ቦታ ተኸዊሎም። ብመሰረት ፖሊስ እቶም ዛጊት መን ምዃኖም ዘይተገልጹ ማስኬራ ዝወደዩ ሰባት ብሓንቲ ጻዕዳ …

Read More »

ቋንቋ ስዊድን ባዕልኻ ትመሃረሉ ኣገባብ ትድሊዶ?

ኣብ ሽወደን ይኹን ካልእ ሃገር ሓድሽ ህይወት ምጅማር ናይ ባዕሉ ጸገማት ኣለዎ። እቲ ዝያዳ ንጹር ጸገም ከኣ ሽግር ቋንቋ እዩ። ነዚ ክትዋጽኣሉ እትኽእለሉ እንኮ መንገዲ ትምህረቲ እዩ። ግና ብኸመይ ኣገባብ? ካብ ክፍሊት ናጻን እናተዘናጋዕካን ባዕልኻ ቋንቋ ሽወደን ኦንላይን እትመሃረሉ ኣገባብ ካብ ማንም ካልእ ሜላ እቲ ዝቐለለ እዩ። Informationsverige.se ዝተባህለ ዌብሳይት ንመጻእተኛታት ብዛዕባ ሽወደንን ህዝባን ካብ እኹል ንላዕሊ ሓበሬታ ኣለዎ። ብዘይካዚ …

Read More »

ሓደ ሽወደናዊ ቱሪስት ሞባይሉ ንኽዕቅብ ክብል እግሩ ይስእን።

ወዲ 36 ዓመት ሽወደናዊ ቱሪስት ሞንሰራት ኣብ ዝተባህለ ሰፈር ከተማ ቡኖስ ኣይረስ ሓደ ጒሒላ ሞባይሉ ክሰርቆ ክብል ብዙሕ ስለ እተዋጠጦ ብጥይት እግሩ ከም ዘቚሰሎ ክላሪን ዝተባህለ ጋዜጣ እታ ሃገር ሓቢሩ። እቲ ቱሪስት ኣርባዕተ ግዜ መጥባሕቲ እኳ እንተገበረ ዶክተራት እግሩ ከድሕኑሉ ኣይክኣሉን። ካብ ብርኩ ንታሕቲ ክቚረጽ ከኣ ተጌሩ’ሎ።

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com