Friday , April 26 2024
Foto: TT

ኣብ ኣሰራርሓ ባንክ ዘሎ መረረ ዓማዊል ምውሳዂ ተገሊጹ።

ኣብ 2018 ናብ ኮሚተ ህዝባዊ ጥርዓን ዝውሕዝ መረረ ዓማዊል ብ 85 ሚእታዊት ምውሳኹ ተገሊጹ።

ኣብ ተመሳሳሊ ግዜ ሓፈሻዊ ቊጽሪ ናይቶም ናብቲ ኮሚሽን ዝኣተዉ መልእኽቲታት ዓማዊል ምስ ዓመተ 2017 ብምንጽጻር ወሰኽ ኣርእዩ’ሎ።

ቊጽሪ መረረ ዘስምዑ ሰባት ኣብ ዓመተ 2017 3122 ዝነበረ ኮይኑ ዓሚ ብ 1755 ወሰኽ ኣርእዩ ኔሩ።

ብመሰረት ስታቲስቲክስ ኮሚተ ኣብ 2018 ናይ 865 ጒዳያት ባንክ ተሰሚዑሎ። እዚ ማለት ኣብ 2017 ካብ ዝነበረ 479 ቊጽሪ መረረ ብ 85 ሚእታዊት ወሰኽ ኣርእዩ ማለት እዩ።

መብዛሕትኦም ኣብ 2018 ናብዚ ኮሚተ ዝቐረቡ ጥርዓናት ኣብ ጒዳያት ጒዕዞ 4105፥ 3083 ሰብ ሞተር፡ 2752 ህዝባዊ ጥርዓናት፥ 2122 ናይ ኣባይቲ ጥርዓናት፥ 2065 ከኣ ናይ ኤለትሪክ ጥርዓናት እዮም።

ዓሚ ናብዚ ኮሚሽን ካብ ዝበጽሑ ጥርዓናት እቶም 45 ሚእታዊት ምሉእ ብምሉእ ወይ ብኸፊል እዮም ተረኺቦም።

እቲ ክርክር መሰል ባንክ ግና ብመሰረት ሬድዮ ሽወደን ትሕቲ ማእከላይ ገምጋም እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com