Wednesday , May 1 2024

ስቶክሆልም : ማስኬራ ዝወደዩ ሰባት ናብ ልቓሕ ባንካ ብምእታው ራስያ ፈጺሞም።

ብረት ዝዓጠቐ ዝርከቦም ብዙሓት ገጾም ማስኬራ ዝወደዩ ሰባት ሎሚ ንግሆ ኣብ ከባቢ ቡትሺርካ ስቶክሆልም ዕዳጋ ሃሉንዳ ዝርከብ ናይ ልቓሕ ባንካ ብሓይሊ ብምእታው ዘረፋ ፈጺሞም።

ሓደ ናይ ዓይኒ ምስክር ከም ዝገለጾ እቶም ማስኬራ ዝወደዩ ሰባት ሰኑይ ሰዓት 10 ንግሆ መኪና ተሳፊሮም ናብቲ ባንክ ድሕሪ ምእታዉ ብቕልጡፍ ካብቲ ቦታ ተኸዊሎም።

ብመሰረት ፖሊስ እቶም ዛጊት መን ምዃኖም ዘይተገልጹ ማስኬራ ዝወደዩ ሰባት ብሓንቲ ጻዕዳ ኦዲ ዝዓይነታ መኪና እዮም ሃዲሞም።

ኣብዚ እዋን ፖሊስ ነቶም ገበነኛታት ንምድላይ ሄሊኮፕተር እናተጠቕሙ ይርከቡ ኣለዉ።

ናይ ዓይኒ መሰኻኽርን ኣባላት ፖሊስ ዝሃብዎ ሓበሬታን ምርኩስ ብምግባር ከኣ መርመራ ጀሚሮም ምህላዎም ተገሊጹ።

ዛጊት ዝተጐድአ ሰብ ብዛዕባ ምህላዉ እተሰምዐ ነገር የለን። እቲ ዝወረደ ክሳራ ናይ ንዋት ጥራይ ምዃኑ’ኳ እንተተገልጸ ክንደይ ዝኣክል ምዃኑ ዝተባህለ ነገር የለን።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com