Monday , May 20 2024

ሃገራዊ ዜና

ኣብ ሆስፒታል ዳንደሪድ ኣብ ዝተኻየደ መርመራ 20 ሚእታዊት ካብ ኣባላት ብሕማም ኮሮና ከም እተለኽፉ ኣመልኪቱ።

“እዚ ብዝሕ ዝበለ ሚእታዊት ይመስለኒ። ሓድሽ ጸንጻብ ምስ ምዃኑ እንታይ ዓይነት ውጽኢት ክንጽበ ከም ዘሎና ምውሳን ግና የሸግር” ክብል ነዚ መጽናዕቲ ዘካይድ ዘሎ ዶክተር ሻርሎት ሶለን ንተሌቪዥን ሽወደን ሓቢሩ። ልዕሊ ሰሙን ይገብር እቲ መጽናዕቲ ን 522 ኣባላት እቲ ሆስፒታል መርመራ ኮቪድ-19 ከም ዘካየደሎም ይፍለጥ። ጸረ ነብሳት ንምክልኻል እዚ ሕማም ኣብ ምክልኻል ክሕግዙ ይኽእሉ እዮም እኳ እንተተባህለ ውድብ ጥዕና ዓለም ግና …

Read More »

Swedish news in Tigrigna ዜና ሽወደን ብትግርኛ 27 ሚያዚያ 2020

ገለ ካብ ናይ ሎሚ ትሕዝቶ ዜና፡ 1. ኣብ ሽወደን ባዓል ቫልቦርይ ከምዘይካየድ መንግስቲ ወሲኑ። 2. ምስፍሕፋሕ ኮቪድ 19 ኣብ መዓስከር ሓተቲ ዑቕባ ዓቢ ሻቕሎት ፈጢሩ። መደባትና ብሰፊሕ ንምክትታልን ከምኡ እዉን፣ ብዛዕባ ኩነታት ሽወደን ብትግርኛ ንምርካብ ኣብ መርበብ ሓበሬታና www.alkompis.se/ti ተወከሱ።

Read More »

መራሕቲ ታክሲ ግዳያት ኮሮና ቫይረስ ይኾኑ።

ምንሽርታት በረድ ንምጽዋት ካብ ኦስትርያን ጣልያንን ዝመጹ ቱሪስት ኣብ ኣርላንዳ ዘዛውሩ ዝንበሩ ሰብ ታክሲ ብሕማም ኮሮና ምልካፎም SVD ጸብጺቡ። ዘዋሪ ታክሲ ረዛቕ ኻላፍ ኣብ መፋርቕ ወርሒ መጋቢት ኣብ ዳሕረዋይ ሰድያ ታክሲኡ ዝነብሩ ተሳፈርቲ ጽምዲ ይስዕሉ ምንባሮም ይዝክር። ደሓን ዲኹም ኢሉ ከም ዝሓተቶምን ንሳቶም ሰዓል ከም ዝሓዞምን ምንም ዘሻቕል ነገር ከም ዘየለን ከም ዝነገርዎ ይገልጽ። ድሕሪ ሒደት መዓልታት ምልክታት ኮሮና ምምዕባሉን …

Read More »

ሽወደን ኣብ ኣብያተ መግብን መስተን ተወሳኺ ስጉምቲ ትወስድ።

ሽወደን ኣብ ኣብያተ መግቢ ዝካየድ ምክትታል ክትውስኽ ኣብ ትሸባሸበሉ ዘላ እዋን ዓማዊል ተፈናቲቶም ክእንገዱ ምግባር ዓብዪ ግድል ይኾኖም ምህላዉ ወነንቲ እዘን ትካላት ይዛረቡ። መንግስቲ ሽወደን ኣብ ባራት፥ ኣብያተ መግቢን ሻሂን  ስጋብ ምዕጻው ስጉምትታት ኣብ ትገብረሉ ዘሎ እዋን ዓማዊል ዘድሊ ሕግታት ኣብ ምትግባር ክተሓባበሩ ብዛዕባ ምዃኖም ግድል ኮይንዎም ምህላዉ ወነንቲ እዘን ትካላት ይገልጹ ኣለዉ። ኣብ ማእከላይ ስቶክሆም ወነንቲ ካፌን ቤትመግቢም ዝኾነ …

Read More »

ብተዛማዲ ዝበዝሑ ግዳያት ኮሮና ዘለውወን ኮምዩናት ስቶክሆልም።

ኣብ ሽወደን ብኮሮናቫይረስ ልዕሊ 2200 ሰባት ግዳይ ሞት ኣብዝኾንሉ፣ ስሚትኺድ ስቶክሆልም ዚብሃል ትካል ነቲ ለበዳ ኣመልኪቱ ኣብ ኮምዩናት ስቶክህሎም ምስ ብዝሒ ተቐማጦ ብምዝማድ ክንደይ ሰባት ከም ዝሞቱ ሓቢሩ ኣሎ። ከተማ ስቶክሆልም እታ ኣዚያ እተጎድአት ክተማ ከም ሙዃና መጥርን፣ ካብ 16,755 እተለኽፉ፡ ኣስታት  6,681 ካብዛ ከተማ እዮም። ካብቶም ኣብዛ ሃገር ዝሞቱ 2,021 ድማ  እቶም 1,128 ካብ ስቶክሆልም እዮም። እቲ ትካል ቀጺሉ …

Read More »

ሰልፊ ሊበራላዊ ፡ ስደተኛታት ተማሃሮ እቶም ዝበዝሐ ብኩራት ዘርእዩ እዩም።

ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ቤት ትምህርታት ነቶም ብሰንኪ ቅልውላው ኮሮና ንደቆም ናብ ቤት ትምህርቲ ዘይሰዱ ወለዲ ዕላማ ዝገበረ ናይ ሜድያ ጎስጓሳት ክፈጥር ከምዘለዎ ሊብራላዊ ሰልፊ ጸዊዑ። ዝበዝሐ ብኩራት ኣብቶም ካብ ካልኦት ሃገራት ዝመጹ ስደተኛታት ይረአ ከምዘሎን ክፋል ናይቲ ጸገም ድማ ግቡእ ሓበሬታ ዘይምርካብ ክኸውን ከምዝኽእል ሓላፊት ሰልፊ ዝኾነት ኒያምኮ ሳቦኒ ትሕብር። ወለዲ ተማሃሮ ብዛዕባ ኮሮና ቫይረስ ዘለዎም ስግኣታት ንምጉዳል ዝዓለመ ጎስጓሳት …

Read More »

ኣብ መላእ ሽወደን ናይ ትራፊክ መቕጻዕቲ ብሞባይል ክኸውን እዩ።

ኣብ መላእ ሽወደን ንዝግበር ጥሕሰት ትራፊክ ዝዳረግ መቕጻዕቲ ብመንገዲ ኣብ ሞባይል ናይቶም ሰራሕተኛታት ዝተጻዕነ ፕሮግራም ክፍጸም ምዃኑ ፖሊስ ሽወደን ሓቢሩ። እቲ ፕሮግራም ዝኾነ ብኢድ ተጻሒፉ ዝኣቱ ሓበሬታ ከይተጸበየ፡ ናብቲ ሕጊ ዝጠሓሰ ሰብ ብቐጥታ ናይ መቕጻዕቲ ቅብሊት ከምዝሰድድ ተፈሊጡ ኣሎ። እዚ ሓድሽ ኣገልግሎት ነቲ ብፖሊስ ትራፊክ ዝዕመሙ ተወሰኽቲ ስራሓት ዝያዳ ግዜ ንምሃብ ከምዝሕግዝን ንናይ መቕጻዕቲ ኣገባባት ዘቃላጥፍን እዩ። እቲ ኲባንያ ብዓርቢ …

Read More »

ኤጀንሲ ህዝባዊ ጥዕና ብለበዳ ኮሮና መዓልታዊ ዘጋጥም ሞት ኣትሒቱ ክግምት ጸኒሑ ተባሂሉ።

ኤጀንሲ ህዝባዊ ጥዕና በብግዜኡ የዳልዎ ኣብ ዝነበረ ጸብጻብ ብ ለበዳ ኮሮና ዘጋጠም ሞት ኣትሒቱ ክግምት ምጽንሑ ሬድዮ ሽወደን ኣቃሊዓ። መዓልታዊ ጸብጻብ ሞት ሕሙማት ኮሮና ብኤጀንሲ ህዝባዊ ጥዕና ኣቢሉ ኩሉ መዓልቲ ሰዓት 2 ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ዝወሃብ ጋዜጣዊ ዋዕላ ከም ዝግለጽ ድማ ኣብቲ ጸብጻብ ተመልኪቱ። እንተኾነ ግና እቲ ንሳቶም መዓልታዊ ዝህብዎ ጸብጻባት ግጉይ ከም ዝኾኑን ብኡንብኡ ናብ ጸብጻብ ከም ዘይቀርብን ኣብ …

Read More »

ሽወደንን ኒውዚላንድን ኣንጻራዊ ፖሊሲ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ይኽተላ።

ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻል ኣብ ዝካየድ ዘሎ ወፍሪ ሽወደንን ኒውዚላንድን ኣንጻራዊ ፖሊሲ ይኽተላ ምህላወን ተገሊጹ። ሽወደን ኣብ ቤት ምስፋር ንዝብል ፖሊሲ ክትነጽጎ እንከላ ኒውዚላንድ ግና ነዚ ቫይረስ ንምዕጋት ጥራይ ዘይኮነ ጨሪስካ ንምጥፋእ ትሰርሕ ምህላዋ ተመልኪቱ። ነዚ ዕላማ ንምስላጥ ቀድማይ ሚኒስተር ኒውዚላንድ ጃሺንዳ ኣርደርን ነታ ብውቅያኖስ እተኸበት ሃገሩ ንወርሒ ምሉእ ክትውሸብ ውሳነ ምሕላፉ ይፍለጥ። ኒውዚላንድ ኣርባዕተ ዝደረጃኡ ናይ ህጹጽ እዋን ፖሊሲታት እያ …

Read More »

ኣብ ምዕራብ ሽወደን ቁጽሪ ብኮሮና ዘተለኽፉ ክብ ይብል።

ብመሰረት ሓበሬታ P4 ዮተቦሪ፡ ኣብ ቬስትራ ዮታላንድ (Västra Götaland) ቁጽሪ ናይቶም ብኮሮናቫይረስ እተለኽፉ ሰባት ይውስኽ ከምዘሎ ይገልጽ። ቁጽሪ ናብ ሆስፒታል ዚዕቆቡ ሰባት ድማ ናብ 20 ንመዓልቲ ከምዝበጽሔ ሓቢሩ። ብመሰረት ክፍሊ ጥዕና እቲ ዞባ፡ እቶም ሓደስቲ ጥቑዓት፡ ኣብቲ IVA Kronan ዚብሃል ናይ ሜዳ ሆስፒታል ይዕቆቡ ከምዘለዉ፡ እዚ ግን ኣብ ሆስፒታላት ጌና ሰብ ዘይብሎም ዓራት እናሃለወ ከሎ እዩ ክብል ንህልው ኩነታት እቲ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com