ኩነታት ጸጥታ ሽወደን ኣብ ቀውዒ እናገደደ ምምጽኡ ተገሊጹ። ኣገልግሎት ስለያ ሳፖ፡ ኣብ ጋዛ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ንሕብረተሰብ ክተፋነን ይገብሮ ከምዘሎ ይገልጽ። ይኹን እምበር ደረጃ ስግኣት ግብረሽበራ ሽወደን ካብ ሓሙሽተ ነጥቢ ኣብ ደረጃ ራብዓይ ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ።
Read More »ሃገራዊ ዜና
ዝኣረገ መንገዲ ባቡር ንብዙሕ ምድንጓያት ምኽንያት ይኸውን
ቅድሚ ዓሰርተ ዓመታት ክቕየሩ ዝግብኦም ዝነበረ ገለ ኣቕሑ ባቡር ኣብ ግዜኡ ዘድሊ ኣቓልቦን ምቕያርን ስለ ዘይተገርሎም ንብዙሕ ምድንጓያት ባቡር ምኽንያት ይኾኑ ኣለዉ ተባሂሉ። ኣብ ሽወደን ልዕሊ 80 ክቕየራ ዝግብአን ስዊቻት ባቡር ከምዘለዋ ፡ እንተኾነ ግን ክሳብ ሕጂ ኣገልግሎት ኣብ ምሃብ ከም ዝርከባ ብ ኣገልግሎት ዜና ሬድዮ ሽወደን ዝተገብረ መርመራ የመልክት። እቶም ዝበዝሐ ምድንጓያት ዘስዕቡ ስዊች ኣብ ዮተቦሪ ዝርከቡ እዮም፡፡ ይኹን …
Read More »ኣብ ዮትላንድ ክብረወሰን ዝሓዘ ቁጽሪ ጫቚት ወርቃዊ ንስሪ ተራእዩ
ኣብዚ ዓመት ኣብ ደሴት ዮትላንድ ኣብ ባሕሪ ባልቲክ ክብረወሰን ዝሓዘ ጫቚት ወርቃዊ ንስሪ ተራእዩ። በዚ ድማ እታ ደሴት ድሮ ሓንቲ ካብተን ኣብ ዓለም ኣዕዋፍ ብጻዕቂ ዝነብሩለን ቦታታት ኮይና ኣላ። እዚ ምፍራይ ናብ ሓደጋ ዓቐን ዘይብሉ ብዝሒ ከይክሰት ስግኣት ፈጢሩ’ሎ። ተመራማሪ ስነ ህይወት ዮሃን ማንሶን ድሮ ኣብዚ ዓመት 51 ጫጩት ምርኣዩ እዚ ድማ ካብቲ ወትሩ ኣዝዩ ዝዛይድ ኣሃዝ ምዃኑ ይገልጽ።
Read More »“ኣብ መንጎ ሽወደንን ኣሜሪካን እተበጽሐ ስምምዕ ምክልኻል ከም ፕላን B ክረአ ኣይግባእ” ሓደ ክኢላ
ኣብ መንጎ ሽወደንን ኣመሪካን ዝተኸተመ ሓድሽ ስምምዕ ምትሕግጋዝ ምክልኻል ወይ ዲሲኤ፡ ሽወደን ኣብ ባሕሪ ባልቲክ ንኔቶ ብስትራተጂካዊ ኣገዳስነት ኣገዳሲት ‘መሻርኽቲ’ ምዃና ዘረጋግጽ እዩ ተባሂሉ። ነዚ ዝገለጸ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ምክልኻል ሽወደን ላዕለዋይ መምህር ጃኮብ ዌስትበርግ እዩ። እንተኾነ ግና እዚ ስምምዕ ከም ፕላን ቢ (B)፡ ወይ ድማ ኣብ ክንዲ ኣባልነት ኔቶ ካልኣይ ዝበለጸ ምርጫ ተጌሩ ክረአ የብሉን ይብል። እንታይ ደኣ፡ ኣካል ናይቲ …
Read More »ሕብረት ኤውሮጳ ንመሰል ዜጋታት ንምሕላው ኣብ ዓለም ፈላማይ ሕጊ ብዛዕባ AI ክወጽእ ይደሊ
ሕብረት ኤውሮጳ ብፍላይ ከም ቻትጂፒቲ ዝኣመሰለ ጀነሬቲቭ ኤኣይ ብኸመይ ከም ዝከታተል ንኣዋርሕ ዝቐጸለ ኣጸጋሚ ድርድር ስዒቡ፡ ንኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ዝቆጻጸር ስፍሕ ዝበለ ሕግታት ዝምልከት ስምምዕ ክሃርም ይጽዕር ኣሎ። ብራስለስ ግን እንታይ እያ ትደሊ? ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ዓለም ንፈለማ እዋን ኩለመዳያዊ ሕጊ AI ንምጽዳቕ ይቀዳደም ኣሎ፡ እቲ ጉዳይ ዝሓለፈ ዓመት ቻትጂፒቲ ቦት ናብ መድረኽ ምስ ፈንጀረ፡ ምዕባለታት ኤኣይ ኣጉሊሑ፡ ዝያዳ ህጹጽነት ድሕሪ …
Read More »ሽወደናውያን ተማሃሮ ኣብ መጽናዕቲ ትምህርቲ ዓለም ብታሪኽ ሕማቕ ውጽኢት ይረኽቡ
ሽወደናውያን ተማሃሮ ኣብ ሒሳብን ምርዳእ ንባብን ዘለዎም ክእለት ብርቱዕ ቁልቁል ከም ዝወሰደ ዳሕረዋይ መጽናዕቲ ፒሳ ይሕብር። ካልኦት ሓያሎ ሃገራት’ውን ኣብ ውጽኢት ፒሳአን ምንቁልቋል ከምዘርኣየን፡ እዚ ድማ ሳዕቤን ለበዳ ኮቪድ-19 ከምዝኾነ ይግመት። “እዚ ክሳብ ሕጂ ኣብ ውጽኢት እቲ ዝኸፍአ ምንቁልቋል’ዩ፡ እዚ ማለት እዚ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሃገር ዘጋጥም ዘሎ ገለ ዓይነት ግዳማዊ ስንባደ’ዩ” ይብል ላዕለዋይ ተንታኒ ናይቲ ብስኮልቨርከት ዝፍለጥ ሃገራዊ ትካል …
Read More »ብPFAS ዝተበከለ ማይ ቧንቧ ዝሰተዩ ሰባት መሰል ዕንወት ይዕወቱ
ኣብ ካሊንገ፡ ብሌኪንገ ካውንቲ ኣብ ዝተበከለ ማይ ቧንቧ ንኬሚካላት PFAS ዝተቓልዑ ሰባት፡ ካሕሳ ክኽፈሉ መሰል ኣለዎም። ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሽወደን ነዚ ውሳነ ትማሊ ሰሉስ ኣፍሊጡ። ሕጂ መጠን ዕንወት ንምውሳን ተወሳኺ መስርሕ ይጽበ ኣሎ።
Read More »ብሚልዮናት ዝቑጸር ክሮነር ኣብ ፖሊስ ቁርኣን ንምንዳድ ተቓውሞታት ወጺኡ
ሳልዋን ሞሚካ ቅዳሓት ቁርኣን ዘቃጸለሉ ተቓውሞታት ንሓይሊ ፖሊስ ስቶክሆልም ብውሑዱ 3.7 ሚልዮን ክሮነር ከምዘኽፈሎ ሬድዮ ኒውስ ሽወደን ሓቢሩ። እቶም ወጻኢታት ምስቲ ፖሊስ ኣብ ተቓውሞታት ጸጥታ ንምርግጋጽ ዘሕለፍዎ ናይ ስራሕ ሰዓታት ዝተኣሳሰሩ እዮም። ፖሊስ፡ እዚ ተቓውሞታት ካልእ ወጻኢታት'ውን ከምዘስዓበ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ብተዛማዲ ዓቃባዊ ግምት ዩ ይብል።
Read More »ሽወደንን ኣሜሪካን ታሪኻዊ ስምምዕ ምክልኻል ተፈራሪመን
ሽወደንን ኣሜሪካን ታሪኻዊ ስምምዕ ምትሕብባር ምክልኻል ተፈራሪመን። ብመሰረት እቲ ስምምዕ፡ ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ መላእ ሃገር ናብ ዝርከባ 17 ወተሃደራዊ መዓስከራት ክኣቱ ይኽእል። ሚኒስተር ምክልኻል ፓል ጆንሰን፡ እዚ ስምምዕ ምክልኻል፡ ሽወደን ኲናት ኣብ ዝፍጸመሉ እዋን ካብ ኣመሪካ ወተሃደራዊ ሓገዝ ክትረክብ ዝዓበየ ዕድል ዝህብ እዩ ይብል።
Read More »ንሰልፊ ደሞክራሲ ሽወደን ዝወሃብ ደገፍ ይውስኽ
ኣስታት ሓደ ካብ መረጽቲ ናይተን ሰለስተ መንግስታዊ ሰልፍታት (ሞደራላውያን፡ ሊበራላውያንን ክርስትያን ዲሞክራስያውያንን) ሰልፊ ዲሞክራሲ ሽወደን ኣካል ናይቲ መንግስቲ ክኾኑ ከም ዝደልዩ ተፈሊጡ። ነዚ ዝገለጸ ብ ሬድዮ ሽወደን ዝተገብረ ዳህሳስ እዩ። መረጽቲ ሰልፊ ክርስትያናዊ ዲሞክራሲ ብፍላይ ሰፊ ደሞክራትስ ኣብ ካቢነ ሚኒስተራት ምህላዎም ብኣዎንታ ከም ዝርእይዎ ገሊጾም ኣለዉ።
Read More »