Wednesday , May 8 2024

ሃገራዊ ዜና

ምስ ካልኦት ሃገራት ብምውድዳር ጎማ መካይን ዳግማይ ኣብ ጥቕሚ ምውዓል (ሪሳይክል) ኣብ ምግባር ሽወደን ንድሕሪት ምትራፋ ተገሊጹ።

ሽወደን ካብ ዝተጓሕፋ መካይን ዝርከብ ፕላስቲክ ሪሳይክል ኣብ ምግባር ምስ ካልኦት ሃገራት ብምውድዳር ብድሕሪት ተሪፋ ኣላ ክትብል ሬድዮ ሽወደን ገሊጻ’ላ። ብመሰረር ውድብ ሪሳይክሊንግ መካይን ፌቡላቶ ፋብሪካ ከምዚ ዝበለ ኣሰራርሓ ኣኽሳቢ ኣይኰነን። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ገዛእቲ እቲ ሪሳይክል ዝግበር ባእታ ስለዘይርከብ እዩ ክብል ኣካያዲ ስራሕ ኢንዱስትሪ መኪና ብወርሒ ታሕሳስ ገሊጹ ምንባሩ ሬድዮ ሽወደን ዘኪራ። ንሱ” ዝገዝእ እንተዝርክበ ከምኡ ምግባር ቀሊልን ግቡእን …

Read More »

ሓላፊ በዓል መዚ ጥዕና ሽወደን ብዛዕባ ኮሮና ቫይረስ፡ ብናይ ሓሶት ውሕስነት ሰባት ከነህድእ ኣይንደልን ይብል።

ዝርጋሐ ኮሮና ቫይረስ ኣብ ዓመተ 2020 ክቕጽል ከምዝኽእል ሓላፊ በዓል መዚ ሽወደን፡ ዮሃን ካርልሶን፡ ገምጋሙ ገሊጹ። ሽወደን ንኣተሓሕዛ ናይቶም ካብ ዎሃን ቻይና ዝተመልሱ ሽወደናውያን ብዝምልከት ኣብ ዝነብርሉ ኣባይቲ ወለንታዊ ውሸባ ንኽገብሩ ኣፍቂዳትሎም ትርከብ። እዚ ኣገባብ ብብዙሓት ወገናት ከቢድ ነቐፌታ’ኳ እንተወረዶ ብወገን በዓልመዚ ጥዕና ሽወደን እቲ ጉዳይ ዝግባእ ምክትታል ይግበረሉ ከምዘሎ ብምግላጽ ንዝወርዶ ዘሎ ነቐፌታታት ከም ዝነጸጎ ምስ ስቨኒስካ ዳግብላዴት ኣብ …

Read More »

ናይ ፖሊስ ተኣፈፍቲ ኤሌክትሮኒካዊ ደብዳቤታት ብጌጋ ናብ ኢድ ውልቀሰባት ኣትዩ።

ኣብ መንጎ ሓለፍቲ ፖሊስ ዝግበር ውሽጣዊ ምጽሕሓፍ ኤሌክትሮኒካዊ ደብዳቤታት ይኹን ምስ ካልኦት ሰራሕተኛታት መንግስታውያን ትካላት ዝግበር ዝነበረ ተኣፋፍን ሚስጢራውን ጽሑፋት ኣብ ናይ ውልቀ ሰባት ኤሌክትሮኒካዊ ሕሳብ ከምዝበጽሐ ተሌቭዥን ሽወደን ኣቃሊዑ። ከምዚ ዓይነት ፍጻመ ምግጣሙ ዘሕዝንን ሳዕቤኑ ከቢድ ክኸውን ከምዝኽእልን ብፍላይ ድማ ኣብ ኢድ ዘይተደልዩ ሰባት ምስ ዝወድቕ ድማ ሓደገኝነቱ ዝኸበደ ይኸውን ክብል ሓላፊ ሓለዋ ሓበሬታታት ፖሊስ፡ ማትያስ ራቢ፡ ሓቢሩ። እቲ …

Read More »

ሪያል ሶሰይዳ ብ ክልተ ሾቶታት ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ተሓጊዛ ን ሪያል ማድሪዳ ገሊፋታ!!

ሎሚ ምሸት ኣብ ዝተኻየደ ግጥም ርብዒ ፍጻሜ ኮፓ ዲ ረይ ስጳኛ ሪያል ሶሰይዳ ናብ ሜዳ ሪያል ማድሪድ ከይዳ ኣብ ዝገበረቶ ጸወታ ን ርያል ማድሪዳ ብ ክልተ ሸቶታትን ሓንቲ ንቐረብ ዝገበረ ኣሌክሳንደር ኢሳቅ 4 ብ 3 ብምስዓራ ናብ ዝቕጽል ግጥም ሓሊፋ። ኣብዚ ሎሚ ምሸት ድንቂ ጸወታ ዘርኣየሉ ምሸት ካብ ብዙሓት ማእከናት ዜና ከም ጎል ዶት ኮም (Goal.com) ቪያ ፕለይ ሽወደን ብዙሕ …

Read More »

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 5600 ሰባት ናብ ሽወደን ንኽኣትዉ ተኽልኪሎም።

ኣብ ዓመተ 2019፡ ፖሊስ ሓለዋ ዶባት ሽወደን 5600 ሰባት ናብ ሽወደን ንኽኣትዉ ከልኪሉ። ኣብ ዓመተ 2018፡ ቁጽሪ ናብ ሽወደን ንኽኣትዉ ዝተኸልከሉ ሰባት 6957 ነይሩ። ቁጽሪ ናይቶም ኣብዘን ክልተ ዓመታት ዝተኸልከሉ ሰባት ብምንጽጻር ክረአ እንከሎ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝወሓደ ነይሩ። ገምጋም ናይቶም ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ናብ ሽወደን ንኽኣትዉ ዝተኸልከሉ ሰባት መዓልታዊ 15 ሰባት ከምዝነበረ ጋዜጣ Sydsvenskan ሓቢሩ። ኣብ ውሌርናኪን (ማልሞ) ን …

Read More »

ኣብ እዋን ጥንሲ ሽጋራ ምትካኽ ድቂ ኣዕጽምቱ ክሰብር ተኽእሎ ከም ዘለዎ ተገሊጹ።

ኣብ ዩኒቨርሲቱ ኡሬቦ ዝተገብረን ኣብ ብሪቲሽ መዲካል ጆርናል ዝሰፈረን ሓድሽ ሕክምናዊ ዳህሳስ ከም ዘመልክቶ ኣብ እዋን ጥንሲ ምትካኽ ንጥዕና ድቂ ብኣሉታ ከም ዝጸሉን ኣብ ናይ ፈለማ ዕድሜኡ ዓጽሙ ናይ ምስባር ዕድሉ ከም ዘዛይድን ተገሊጹ። ነዚ መጽናዕቲ ኣብ ምድላው ዝተሓባበረትን ዋና ተሳታፊትን ሆላንዳዊት ዮዲት ብራንት ” ብዛዕባ ኣሉታዊ ሳዕቤናት ምትካኽ ኣቐዲሙ’ውን ሓበሬታ ጸኒሑና እዩ” ኢላ። ንሳ ኣብ መዓልቲ 10 ሽጋራ ዘትክኻ …

Read More »

ንገበን ጾታዊ ምግሳስ ብዝምልከት ዝተረረ መቕጻዕቲ ክውሰን ከምዝኽእል ተሓቢሩ።

መንግስቲ ሽወደን፡ ንገበናት ጾታዊ በደላትን ምግሳስን ብዝምልከት ዝተረረ መቕጻዕቲ ንኽውሰን ይጽውዕ። ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍጸም ተባዕታዊ በደላትን ዓመጽን ዓቢ ጸገም ሕብረተሰብ እናኾነ ይመጽእ ምህላዉ ሚኒስተር ሞርጋን ዮውሃንሰን ገሊጹ። ነቲ ዝስራሓሉ ዘሎ ሕጊ ንምቕያሩ ዘኽእሉ መንገድታትን ንኸጽንዑ፡ መንግስቲ ሽወደን ንኽኢላታት መምርሒ ከምዘመሓላለፈ ውን ተፈሊጡ ኣሎ። እቲ መጽናዕቲ፡ ንገበናት ምግሳስ ዝምልከት መቕጻዕቲ ካብ ሰለስተ ዓመታት ማእሰርቲ ዝዛየደ ክኸውን ከምዘለዎን ንጾታዊ በደላትን …

Read More »

ሓድሽ ርጉዲ ቀጸላ ኩምራ በረድ ኣብ ከባቢ ኬሮና ካተርይፕክ (Katterjåkk) ተምዝጊቡ።

ካብ ኬሮና 130 ኪሎ ሜትር ንሰሜን ኣብ ዝርከብ Katterjåkk ዝተባህለ ከባቢ ዝተኣከበ ቀጸላ በረድ እቲ ዝረጎደ ኣብ ዝሓለፉ 20 ዓመታት ምዃኑ ማእከል ሜትሮሎጂ ሽወደን ሓቢሩ። ርጉዲ ቀጸላ ናይ ዝተመዝተበ በረድ ክሳብ 169 ሰንቲ ሜትር ነይሩ። እቲ ዝረጎደ ቀጸላ በረድ ኣብ ጥሪ 1997 ዝተመዝገበ ኮይኑ ሩግዱ ድማ 180 ሰንቲ ሜትር ምንባሩ ይዝከር። ወቕቲ ሓጋይ ናይዚ ጎቦታት ዝመልኦ ኣከባቢ፡ ንፋስን ዝናብን ዝዓብለሎ …

Read More »

ሰልፊ ሞደራትና ጥብቕ ዝበሉ ሕጊታት ፍቓድ ኢመግረሽን ስራሕ ኣብ ግብሪ ክውዕሉ እማመ ኣቕሪቡ።

ዓቃባዊ ለዘብተኛ መርገጺ ዘለዎ ሰልፊ ሞደራትና ንሳቶም ዘይግቡእ ንዝበልዎ ኣታሕዛ ስርዓት ንምውጋድ ሕጊታት ፍቓድ ስራሕ ኢሚግሬሽን ጥብቕ ዝበሉ ንኽኾኑ እማመ ምቕራቦም ተገሊጹ። ብሰንበት ኣብ ዝተኻየደ ጋዜጣዊ ዋዕላ መራሒ ሰልፊ ሞደራትና ኡልፍ ክሪስተርሰን ኣብ መደረኡ ልዑል ሞያ ዘለዎም ሰባት ብቐሊሉ ስራሕ ንኽረኽቡ በንጻሩ ትሑት ክእለት ዘለዎምን ነብሶም ክኣልዩ ዘይክእሉ ሰባት ንምጒዳል መታን ክከኣል ለውጢታት ብምትእትታው ነቲ ስርዓት ንምድሓን ይሰርሕ ምህላዉ ገሊጹ’ሎ። …

Read More »

ኣብ ሽወደን ብክሮና ቫይረስ ከም ዝተጠቕዐ ዝጥርጠር ካልኣይ ሰብ ተረኺቡ።

ኣብ ከባቢ ብሊኪንግ ሓደ ብክሮና ቫይረስ ከምዝተለኽፈ ዝጥርጠር ሰብ ከምተረኽበን ኩነታቱ ብቐረባ ይከታተልዎ ከም ዘለዉን ሰብ መዚ ጥዕና ሽወደን ብ ሰሉስ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ሓቢሩ። እዚ ብክሮና ቫይረስ ከም ዝተለኽፈ ዝተጠርጠረ ሰብ ኣብ ቻይና ቅድሚ 14 መዓልታት ከምዝነበረን ምልክታት ናይ ምስትንፋስ ጸገማት ብ ሰሉስ ከም ዝተርኣየን እቲ በዓል መዚ ገሊጹ። ውጽኢት ናይ መርመራ ካብ ረቡዕ ክረአ ምዃኑ ሓላፊ ምቁጽጻር ለበዳ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com