Sunday , May 5 2024

ሓድሽ ርጉዲ ቀጸላ ኩምራ በረድ ኣብ ከባቢ ኬሮና ካተርይፕክ (Katterjåkk) ተምዝጊቡ።

ካብ ኬሮና 130 ኪሎ ሜትር ንሰሜን ኣብ ዝርከብ Katterjåkk ዝተባህለ ከባቢ ዝተኣከበ ቀጸላ በረድ እቲ ዝረጎደ ኣብ ዝሓለፉ 20 ዓመታት ምዃኑ ማእከል ሜትሮሎጂ ሽወደን ሓቢሩ። ርጉዲ ቀጸላ ናይ ዝተመዝተበ በረድ ክሳብ 169 ሰንቲ ሜትር ነይሩ። እቲ ዝረጎደ ቀጸላ በረድ ኣብ ጥሪ 1997 ዝተመዝገበ ኮይኑ ሩግዱ ድማ 180 ሰንቲ ሜትር ምንባሩ ይዝከር።

ወቕቲ ሓጋይ ናይዚ ጎቦታት ዝመልኦ ኣከባቢ፡ ንፋስን ዝናብን ዝዓብለሎ ምንባሩን ዘይንቡርን ብብዝሒ ኣይሂ በረድ ከምዝነብሮ ተኸታታሊት ኩነታት ኣየር ዝኾነት Anna Zetterlund ሓቢራ። ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት፡ ኣይሂ በረድ ከም ጠንቂ ምዕጻው ምስ ኖርወይ ዘራኽቡ ጎደናታት (መንገድታት) E10ን ኣብ ሞንጎ Björkliden ን Riksgränsen ዝርከቡ ጎደናታትን ኮይኑ ጸኒሑ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com