Saturday , May 11 2024

ኣብ ሽወደን ብክሮና ቫይረስ ከም ዝተጠቕዐ ዝጥርጠር ካልኣይ ሰብ ተረኺቡ።

ኣብ ከባቢ ብሊኪንግ ሓደ ብክሮና ቫይረስ ከምዝተለኽፈ ዝጥርጠር ሰብ ከምተረኽበን ኩነታቱ ብቐረባ ይከታተልዎ ከም ዘለዉን ሰብ መዚ ጥዕና ሽወደን ብ ሰሉስ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ሓቢሩ። እዚ ብክሮና ቫይረስ ከም ዝተለኽፈ ዝተጠርጠረ ሰብ ኣብ ቻይና ቅድሚ 14 መዓልታት ከምዝነበረን ምልክታት ናይ ምስትንፋስ ጸገማት ብ ሰሉስ ከም ዝተርኣየን እቲ በዓል መዚ ገሊጹ። ውጽኢት ናይ መርመራ ካብ ረቡዕ ክረአ ምዃኑ ሓላፊ ምቁጽጻር ለበዳ ከባቢ ብሊኪንግ፡ ዶር በንጀት ዊትሱ ገሊጹ። ብክሮና ቫይረስ ከም ዝተለኽፈ እንተድኣ ተረጋጊጹ፡ ኣብ ምሉእ ሽወደን ከም ካልኣይ ኣጋጣሚ ኮይኑ ክምዝገብ እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com