Sunday , May 19 2024

ሃገራዊ ዜና

ካብ ምጅማር ዓመተ ትምህርቲ ኣትሒዙ 146 ቆልዑ ሽወደን ኣብ መኣዲ ትምህርቲ ዘይምስታፎም ተገሊጹ።

ብውሑዱ 146 ተመሃሮ ዝተፈላለያ ምምሕዳራት ከተማ ካብ መኣዲ ትምህርቲ ቦኺሮም ከም እተረኽቡ ዳገንስ ንሂተር ኣብ ዘካየዶ ዳህሳስ ሓቢሩ። ደቀንስትዮ ሽውደን ካብ ምጅማር እዚ ዓመት እዚ ኣብ መኣዲ ትምህርቲ ዘይተረኽባሉ ምኽንያት ምናልባት ስድረአን ናብ ካልእ ከተማ ስለዝገዓዙ ክኸውን ከም ዝኽእል ተገሚቱ’ሎ። ካብተን ተመሃሮ ዝቦኸሩለን 30 ምምሕዳር ከተማታት እተን 23 ዛጊት ምኽንያት እዚ ኲነት ኣርጊጸን ከም ዘይፈልጣ ድማ ተመልኪቱ። ብመሰረት እቲ ዳህሳስ …

Read More »

ኣብ ደቡባዊ ሽወደን ብዓሰርተታት ዝቚጸሩ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎም ተገሊጹ።

ኣብ ደቡባዊ ሽወደን ብዝሕ ዝበለ ኣጽዋርን ዕጸፋርስን ኣብ ትሕቲ ቊጽጽር ምእታዉ ተፈሊጡ። እቲ ስርሒት ሞት ዘይተፈልዮ እኳ እንተነበረ ብሓፈሻ ዕጒባት ምዃኖም ፖሊስ ገሊጾም ኣለዉ። “ኣቐዲሙ ተወጢኑ ንዝጸንሐ ጎነጽ ኣብ ሓጺር ግዜ ምውጋድ ፍጹም ዘይከኣል እዩ” ዝበለ መራሕ እዚ ስርሒት ስቴፈን ሰንቲየስ ይዂንምበር ፖሊስ ጎንውጽ ንምጒዳል ዝከኣሎም ዘበለ ኲሉ ኣብ ምግባር ምህላዎም ሓቢሩ። ንሱ ኣብዚ ስርሒት 40 ሰባት ኣብ ትሕቲ ቊጽጽር …

Read More »

ኣብ ሽወደን ብርቱዕ ጉንፋዕ ኣብዚ ክራማት ምጅማሩ ተገሊጹ።

ብመሰረት በዓልመዚ ህዝባዊ ጥዕና ኣብዚ ክራማት ዝኽሰት ብርቱዕ ጉንፋዕ ምጅማሩን ኣብ ከባቢ ኖርላንድ ብፍላይ ኣበርቲዑ ክኽሰት ከም ዝኽእለን ገሊጹ። ዛጊት እንታይ ዓይነት ዓባይ ሰዓል ክኽሰት ከም ዝኽእል እኳ እንተዘይተነጸረ ዛጊት ካብቶም 78 ሕሙማት ኢንፍሉዊንዛ ኤ ከም ዝሓመሙ ኣመልኪቱ’ሎ። ስለዚ ድማ ነፍሰጾራትን ልዕሊ 65 ዝዕድሜኦምን ገለ ሕዱር ሕማማት ዘለዎምን ብኣግኡ ክታበት ክወስዱ እቲ በዓልመዚ ጸዊዑ’ሎ። ” እዚ ክታበት ክሰርሕ ክልተ ሳምንቲ …

Read More »

ስቶክሆልም ኣምፊታሚን ዝበሃል መድሃኒት ብምህላኽ ካብ ከተማታት ኣውሮጳዊ ሕብረት ቀዳመይቲ እያ ተሰሪዓ።

ስቶክሆልም ኣምፊታሚን ዝበሃል መድሃኒት ብምህላኽ ካብ ከተማታት ኣውሮጳዊ ሕብረት ቀዳመይቲ እያ ተባሂሉ። ኣብ ክልተ ሳምንታት ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ከተማ ስቶክሆልም ናይ ርስሓት ማያት ክምርመር ከም እተገብረን በዚ ድማ ኣብ ሽወደን እዚ መድሃኒት ብብዝሒ ከም ዝሃልኽ ክረጋገጽ ከም እተኻእለን ውድብ ምቊጽጻር መድሃኒት ኣውሮጳ ገሊጹ። እቲ መርመራ ከም ዘመልክቶ ብማእከላይ ገምጋም ካብ ሽሕ ሰባት 675 ሚሊግራም ኣምፊታሚን መዓልታዊ ከም ዝወስዱን ኣብ …

Read More »

ሽቕለት ኣልቦነት ኣብ 2021 ናብ 7.4 ሚእታዊት ክብ ክብል እዩ ተባሂሉ።

ካብ በዓልመዚ ዕዮ እተረኽበ ሓበሬታ ከም ዘመልክቶ ክሳብ 2021 ሽቕለት ኣልቦነት ካብ 6.8 ናብ 7.4 ሚእታዊት ክብ እናበለ ክኸይድ እዩ። እዚ እናኾነ ኣብ ዝተናውሐ እዋን ሽቕለት ኣልቦነት ኣብ ዝመጽእ ዕስራ ዓመት ኣጸቢቑ ክውስኽ እዩ ክትብል ሬድዮ ኤኮት ሓቢራ። ብመሰረት ክኢላታት እዚ ለጠቕታ ናይ ስራሕ ጠለብ ክውስኽ ምዃኑን ጋግ ተድላዪ ጥበብን ክእለት ሰራሕተኛታትን ክውስኽ እዩ። እቲ በዓልመዚ ብተወሳኺ ሽቕለት ኣልቦነት ኣብ …

Read More »

ካብ 2020 ጀሚሩ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሓን ናይ ንኡስ ውላድካ ስእሊ ምልጣፍ ዘይሕጋዊ ክኸውን እዩ ተባሂሉ።

ሽወደን ካብ ዝመጽእ ዓመት ጀሚራ ብመሰረት ስምምዕ መሰል ህጻናት ው/ሕ/ሃ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሓን ስእሊ ውሉዳት ምልጣፍ ዘይሕጋዊ ንምግባር ተዳልያ ኣላ። እዚ ንምትግባር እቲ ሕጊ ይጽናዕ ምህላዉ ድማ ተገሊጹ። ሓላፊት ጒዳያት ቆልዑ ኤልሳቤጥ ዳሕሊን ኣብቲ ውዕል ዘሎ መሰል ህጻናት፣ ወለዲ ስእሊ ደቆም ኣብ ዩትዩብ ኢንስታግራም ፌይቡክን ካልእን ካብ ምልጣፍ ኣይከልከሎም ዘሎ ኢላ።፡ እዚ እገባብ ብኸመይ ክትቈጻጸሮ ትኽእል ኣብ ዝብል ዛጊት …

Read More »

ብዙሓት ኣብያተ ትምህርቲ ሰራሕተኛታተን ጎነጽ ንምውጋድ ዘኽእሎም ኣገባብ ንኽመሃሩ ይገብራ ኣለዋ ተባሂሉ።

ቊጽረን እናበዝሓ ዝኸዳ ኣብያተ ትምህርቲ ሽወደን ናይ ብረት መጥቃዕቲን ካልእን ጎነጽ ንምክልኻል ዘኽእለን ኣገባብ ስልጠና ሰራሕተኛታት የተኣታትዋ ኣለዋ። ተሌቪዥን ሽወደን ኣብ ዝገበሮ ዳህሳስ ኣብ ሰለስቲአን ዓበይቲ ከተማታት ሽወደን (ማለት ስቶክሆልም፥ ዮተበሪን ማልምን ) ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ኣስገዳዲ ናይ ምክልኻል ስልጠና ይወሃብ ምህላዉ ኣረጋጊጻ’ላ። ኣብ ጽድያ 2015 ኣብ ቶልሃታን ቤት ትምህርቲ ክሮናን ድሕሪ ዘጋጠመ ጎነጻዊ መጥቃዕቲ ብርክት ዝበላ ኣብያተ ትምህርቲ እዚ …

Read More »

ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ብሰንኪ ብዝሒ ኡስራት ናብ ግርጭት የመርሕ ኣሎ ተባሂሉ።

ኣብ ሓደ ካብ ኣዝዮም ብጽኑዕ ዝበሃሉ ኣብያተ ማእሰርቲ ሽወደን ብሰንኪ ጻዕቂ ኣብ መንጐ እሱራት ግርጭት የጋጥም ምህላዉ ተገሊጹ። ኣብዚ ግዜ ዳርጋ ኲሉ ኣብያተ ማእሰርቲ ሽወደን መሊኦም እዮም ክበሃል ይከኣል። በዚ ድማ ብፍላይ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኩምላ ካባቢ ኤረብሮ ዘሎ ቤት ማእሰርት ዓቕሙ 420 ክንሱ ሕጂ ግን ኣስታት 460 እሱራት ሒዙ ኣሎ ከምእውን ካብ ሓደ ንላዕሊ ሰብ ክኣትዎ ይግበር ምህላዉ ተፈሊጡ። …

Read More »

ስቶክሆልም ሓድሽ ዓመት ንምቕባል ትሸባሸብ።

ሽወደን ሓድሽ ዓመት ንምጽንባል ሙዚቃዊ ርችት ንምፍናውን ትዳሎ ኣላ ተባሂሉ። ናይ ሎም ዓመት ጽንብል ካብ ናይ ዓሚ ዝተፈልየ ክኸውን እዩ ዝብል ትጽቢት ምህላዉ እውን ተገሊጹ። ስቶክሆልም ካብ ልዕል ዝበለ ቦታታት ርችት ምትኳስ ዝኸልከለት ኮይና ናብ ትሕት ዝበለ ጽፍሒ ንምጒዳልን ብሙዚቃ ዝተሰነየን ንምግባር ተዳልያ ኣላ።፡ ብራኸ እዞም ርችት ካብ 60 ክሳብ 75 ሜትሮ ኮይኑ ካብቲ ዓሚ ዝነበረ ናይ 300 ሜትሮ እንክነጻጸር …

Read More »

ኣገልግሎት ተለቪዝዮን ሽወደን TV4 ፈነውኣ ደው ኣቢላ።

ኣገልግሎት ተለቪዝዮን ሽወደን TV4 ብሰንኪ ምስ ወሃቢ ኣገልግሎት ኢንተርነት ዝኾነ Com Hem ዘይምስምማዓ ካብ ትማሊ ምሸት ሰዓት 23፡59 ጀሚራ ፈነወኣ ደወ ከምዝበለ ተሓቢሩ። እዘን ክልተ መሻርኽቲ ማለት TV4ን Com Hem በሓባር ኣብ ፈነወ ተለቪዝዮን ዝነበራ ኮይነን ን ኣስታት 1.6 ሚልዮን ስድራቤት ሽወደን ብዝተፈላልየ መደብ ኣብ ምሃብ ዝጸንሓን፡ ሕጂ ግን ብሰንኪ ኣብ መንጎኤን ዝተፈጠረ ዘይምስምማዕ ኣገልግሎት ፈነወ ተለቪዝዮን TV4 ፈነወኣ ደው …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com