Friday , May 10 2024

ስቶክሆልም ሓድሽ ዓመት ንምቕባል ትሸባሸብ።

ሽወደን ሓድሽ ዓመት ንምጽንባል ሙዚቃዊ ርችት ንምፍናውን ትዳሎ ኣላ ተባሂሉ። ናይ ሎም ዓመት ጽንብል ካብ ናይ ዓሚ ዝተፈልየ ክኸውን እዩ ዝብል ትጽቢት ምህላዉ እውን ተገሊጹ። ስቶክሆልም ካብ ልዕል ዝበለ ቦታታት ርችት ምትኳስ ዝኸልከለት ኮይና ናብ ትሕት ዝበለ ጽፍሒ ንምጒዳልን ብሙዚቃ ዝተሰነየን ንምግባር ተዳልያ ኣላ።፡

ብራኸ እዞም ርችት ካብ 60 ክሳብ 75 ሜትሮ ኮይኑ ካብቲ ዓሚ ዝነበረ ናይ 300 ሜትሮ እንክነጻጸር ዝተሓተ እዩ ተባሂሉ’ሎ። እቲ ርችት ንጥዕና ከባቢን እንስሳታትን ብዝሰማማዕ ኣገባብ ተመምዩ ክሕረ እዩ። እዚ ይዂንእምበር እቲ ብራኸ መወንጨፊ ትሕት ዝበለ እንተኾይኑ ገለ ነበርቲ እታ ከተማ ከይርእይዎ ይኽእሉ እዮም።፡ ምምሕዳር ከተማ ነቲ ንነዊሕ ዓመታት ዝጸንሐ ኣታ ብሌዘር ሾው ንምቕያር ሓሳብ እኳ እንተነበሮ ብሰንኪ ክብሪ እዚ ኣገባብ ነቲ ሓሳብ ምዝራዙ ይዝከር።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com