Monday , May 20 2024

ሃገራዊ ዜና

ቀዳማይ ሚኒስተር ሎቨን ንጉጅለ ገበነኛታት ቀታሊ መርዚ ሕብረተሰብ እዩ ክብል ይገልጾ።

ኣብ ዝሓለፋ ውሑዳት መዓልታት ኣብ ከተማ ማልሞ ዘጋጠሙ ገበናት ምፍንጃር፡ ቅትለትን ቶኽስን መርኣያ ናይቲ ኣብ ሽወደን ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ዝውስኽ ዘሎ ጎነጻዊ ገበናት ምዃኑን እዚ ጉዳይ’ዚ ድማ ኣሰካፊ እናኾነ ይመጽእ ከምዘሎ ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን ስቴፋን ሎቨን ገሊጹ። ብምቕጻል፡ ኣንጻር ጎነጻዊ ገበናት ንዝቃለሱ ዘለዉ ኣባላት ፖሊስ ምሉእ ደገፉ ገሊጹ። ትማሊ ሰኑይ፡ ፖሊስ ሽወደን ኣንጻር ናይ ገበን ጭፍራታት ደው ንምባል ብደረጃ …

Read More »

ሰልፊ ሞደራትና፡ ሓተቲ ዑቕባ ኣብቲ ብኣገልግሎት ኢሚግሬሽን ዝመደበሎም ኣባይቲ ንኽቕመጡ ክግደዱ ኣለዎም ይብል።

ንሓተቲ ዑቕባ ከገልግል ተባሂሉ ዝቖመ ግላዊ መንበሪ ዘፍቅድ ሕጊ (EBO) ንኽስረዝ ብሰልፊ ሞደራትና ጠለብ ቀሪቡ ይርከብ። እዚ ሕጊ’ዚ፡ ንሓተቲ ዑቕባ ናይ ውልቆም መንበሪ ንኽመርጹ ዘፍቅድ እዩ። ይኹን እምበር እዞም ሰባት’ዚኣቶም ኣብቲ ብመንገዲ ኣገልግሎት ኢሚግሬሽን ዝተመደበሎም መንበሪ ክቕመጡ ኣገዳሲ ምዃኑ ዓቃባዊ ሰልፊ የዘኻኽር። እዚ ኣብ ግብሪ ዝሰርሕ ዘሎ ሕጊ፡ ንብዙሓት ሓተቲ ዑቕባ ኣብ ካልእ ኣባይቲ ንኽነብሩ፡ ከም ናይ ቤተሰቦም፡ ኣዝማዶምን የዕርኽቶምን …

Read More »

ሰልፊ ዓቃባዊ ቁጽሪ ስደተኛታት ክጎድልን ናይ ፍልሰት ፖሊሲ ክተርርን ይጽውዕ።

ሽወደን ንእትቅበሎም ዑቕባ ዝሓቱ ስደተኛታት ካብቲ ሕጂ ዘሎ ቁጽሪ ብዝያዳ ከተጉድል ከምዘለዋ ሽወደናዊ ተቛዋሚ ሰልፊ፡ ዓቃባዊ ሰልፊ፡ ይጽውዕ። እዚ መጸዋዕታ ኣብቲ ኣብ ጋዜጣ “ስቨኒስካ ዳግ ብላደት” ዝርከብ ዓምዲ ብናይ ፓርላማ ናይ ሰልፊ ጉጅለታት ሓላፊ ዝኾነ፡ ቶብያስ ቤልስትሮምን ኣፈኛ ፖሊሲ ፍልሰት ዝኾነት፡ ማሪያ ማልመር ካብ ዝገበርዎ ሓባራዊ ዘተ ዝተጻሕፈ እዩ። እቲ ዓምዲ፡ ሽወደን ልክዕ ከምተን ጎረባብቲ ሃገራት ዝኾና ኖርወይ፡ ደኒማርክን ፊንላንድን …

Read More »

ኣብ ማልሞ ኣንጻር ጎነጻዊ ገበን እትነጥፍ ሓንቲ ጉጅለ ጸጥታዊ ሓለዋ ቆይማ።

ብሓላፊ ፖሊስ ማልሞ፡ ስቴፋን ሲንትዮስ፡ እትምራሕ ሓንቲ ጉጅለ ጸጥታዊ ሓለዋ ኣንጻር ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ማልሞ እናዛየደ ዝመጽእ ዘሎ ጎነጻዊ ገበናት እትነጥፍ እያ። ማልሞ ድማ ነዚ ተርእዮ ንምቅላስ ዘድሊ ዓይነታዊ ሓገዛት ክትረክብ እያ። ሶኑይ ንግሆ ኣብ ደቡብ’ታ ሃገር እትርከብ ከተማ ማልሞ፡ ፖሊስ’ታ ከተማ ጋዜጣዊ ዋዕላ ኣካይዱ ነይሩ። እዚ ዋዕላ በቲ ኣብ ቀዳም ምሸት ዘጋጠመ ቶኽሲ ከም ሳዕቤኑ ድማ ወዲ 15 …

Read More »

ቤት ጽሕፈት ኢመግረሽን ንገለ ካብቶም ኣብ ዘዳለዎ መንበሪ ዝቕመጡ ስደተኛታት ኣመልኪቱ ሓድሽ ውሳኔ ኣውጺኡ።

እቶም ብምኽንያት ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ንኽመሃሩ ብመንገዲ ቤት ጽሕፈት ኢመግረሽን ኣብ ዝተዳለወ ኣባይቲ ክቕመጡ ፍቓድ ዝረኸቡ ስደተኛታት ነቲ ኣባይቲ ክለቁን ባዕላቶም ኣብ ዝረኸብዎ ኣባይቲ ክነብሩ ከም ዘለዎም እቲ ቤት ጽሕፈት ሎሚ ኣብ ዘውጸኦ ውሳኔ ኣመልኪቱ። ድሕሪ ሎሚ እዞም ሰባት’ዚኣቶም ዝኾነ ዓይነት ናይ መውዕሎ ኣገልግሎት ከምዘይረኽቡ እቲ ቤት ጽሕፈት ብተወሳኺ ሓቢሩ። እቲ ውሳኔ ካብ መወዳእታ ወርሒ ጥሪ 2020 ኣብ ግብሪ …

Read More »

ነበርተን ቋንቋ እንግሊዝ ብምዝራብ ካብ ዝፍለጣ ሃገራት ሽወድን ኣብ 2ይ ደረጃ ትስራዕ።

ነበርተን ቋንቋ እንግሊዝ ብምዝራብ ካብ ዝፍለጣ ሃገራት፡ ኣብ ዓመተ 2019 ሆላንድ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ክትስራዕ እንከላ ሽወደን ግን ናብ ካልኣይ ደረጃ ወሪዳ። ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ልዕሊ 100 ቋንቋ እንግሊዝ ናይ ኣደ ቋንቆአን ዘይከነ ሃገራት ዓለም ዝተገብረ ዳህሳስ ፡ ሽወደን ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ተሰሪዓ ከምዝነበረት ይዝከር። ሽወደን ንቀዳማይ ደረጃ ዝኸሰረቶ ምኽንያት ብሰንኪ ጉድለት ነፍሰ ተኣማንነት ሽወደናውያን ተዛረብቲ ቋንቋ እንግሊዝ ምዃኑ፡ ንጉዳይ …

Read More »

መራሒት ሰልፊ ክርስትያን ደሞክራት ፖሊሲ ፍልሰት ስድራ ቤታት ንኽበታተና ከም ዘተባብዕ ትገልጽ።

ናይ ሕጂ ፖሊሲ ፍልሰት፡ ስድራ ቤታት ንትሕቲ ዕድመ ደቀን ኣቐዲመን ናብ ሽወደን ብምልኣኽ ብዝቀለለ መንገዲ ክጥርነፋ ከም ዝኽእላ ዝእንፍት ብምዃኑ ስድራ ቤታት ንኽበታተና ዘተባብዕ እዩ ክትብል ኣደ-ወንበር ዲሞክራስያዊ ክርስትያናዊ ሰልፊ፡ ኢባ ቦሽ ሶር ነቲ ፖሊሲ ወንጂላቶ። ቀንዲ ዘረባኣ ነቶም ብዕላማ ፍልሰት (ስደት) ንትሕቲ ዕድመ ደቆም ነባርነት ንምርካብ ናብ ሽወደን ድሕሪ ምልኣኾም ጸኒሖም ክስዕብዎም ኢሎም ንዝሓስቡ ስድራ ቤታት ኣመልኪታ ቅድሚ ኣብ …

Read More »

ኣብ ገለ ክፋል ሽወደን ቀዳማይ ደረጃ ዝስራዕ በረድ ከምዝህሉ ኣገልግሎት ሜትሮሎጂ ይሕብር።

ክፍሊ ኣገልግሎት ሜትሮሎጂ ሽወደን ብቀዳማይ ደርጃ ዝስራዕ በረድ ኣብ መላኣ ሃገር ሎሚ ክህሉ ሙዃኑ ይሕበር። በዚ መሰረት ብምዕራባዊ ክፍሊ ሽወደን ጀሚሩ ናብ ሰሜናዊ ክፋል ዝዝርጋሕ ጻዕቒ ዘለዎ በረድ ከምዝህሉ ይግመት። ኣብ ከባብታት ዳላርና፣ቫርምላንድ፣ገለ ክፋል ያቭለቡሪ፣ ያምትላንድን ቬስተርቦተን ናይ ምንሽርታት ሓደጋ ከስዕብ ስለዝኽእል ነባሪ እዘን ከባቢ ዝያዳ ጥንቓቐ ክብሩ የተሓሳስብ። ብዝተርፈ ግን ኣብ ከባቢ ስቫላንድ ካብ 10 ስጋብ 20 ሚ.ሜተር ዝዓቀኑ …

Read More »

ፖሊስ ኣብ ስዊሽ( swish)ኮምፑዩተር ፕሮግራም ክፍተት ብምህላዉ ይነቕፎ።

ናይ ኮምፑዩተር ፕሮግራም Swish ክፍተት ብምህላዉ ፖሊስ ይነቕፎ ኣብ ናይ ገንዘብ ናይ ኮምፕዩተር ፕሮግራም Swish ክፍተት (ነቕዕ) ከምዘለዎን፡ መንግስቲ ሽወደን ነዚ ብሽወደናውያን ኮነ ብነበርቲ ሽወደን ዝኾኑ ወጻእተኛታት ዓቢ ተጠቃምነት ዘለዎ ፕሮግራም ክቆጻጸሮ ከምዘለዎ ፖሊስ ሽወደን ጠለቡ ኣቕሪቡ። በዓል መዚ ፋይናንሳዊ ምቁጽጻር (Finansinspektionen) ብቐጥታ ነዚ ፕሮግራም (SWISH) ብዘይምቁጽጻሩ መሳርሒ ናይ ገለ ገበነኛታት ክኸውን ከምዝኻኣለ ኣብ ክፍሊ ሃገራዊ ስርሒታት ሓላፊ ክፍሊ ፋይናንሳዊ …

Read More »

ጽባሕ 10 ሕዳር መዓልቲ ኣቦ ኣብ ሽወደን እዩ ብከመይ እዩ ከ ጀሚሩ?

ምክባር ባህሊ መዓልቲ ኣቦ ኣብ ሽወደን ካብ ኣመሪካ እዩ ተወሪሱ:: ተቀማጢት ግዝአት ዋሺንግቶን ስፖንዋ ዝኮነት ስማርት ዶዶድ ካብ ናይ መዓልቲ ኣደታት ዝመጸላ ሓሳብ እዩ:: ኣደ ሶነራ ኣብ ግዜ ሕርሲ ሻድሻይ ቆልዓ ኪትወልድ ዓሪፋ:: ሶነራ ድማ ሓንቲ ጛል ነቡኣ ዊልያም ጃክሶን ብምንባራ ን ኣቡኣ ኣብ ምዕባይ የሕዋታ ሓጊዛቶ:: ሶነራ ነቡኣ በይኑ ንኩሎም ስለዘዕበዮም ንዑ ንምዉዳስ ድማ ናይ ትውልዲ መዓልቲ ኣቡኣ 5 …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com