Wednesday , May 8 2024

ሃገራዊ ዜና

ሽወደን ክሳብ ቀጻሊ ሓበሬታ ዝወሃብ ሓይልታታ ኣብ ዒራቕ ክጸንሑ ምዃኖም ትገልጽ።

ሰብዓ ዝኣባላቱ ተልእኾ ሓይልታት ሽወደን ዒራቕ ክሳብ ክወጹ ምዃኖም ዝንገሮም ኣብኡ ክጸንሑ ምዃኖም ሚኒስተር ምክልኻል ሽወደን ሎሚ ሰኑይ ሓቢሩ። ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን ብወገኑ ኣብ ፌይስቡክ ኣብ ዘስፈሮ መልእኽቲ ኣብ ዒራቕ ንዘሎ ምዕባለታት ይከታተሎ ምህላዉ ሓቢሩ’ሎ። “ምስ ዒራቕ ወግዓዊ ርክባት ክሳብ እንጅምር ክንጽበ ኢና፡ ባይቶ ዒራቕ እንታይ ከም ዝውስን ክንሰምዕ ድሌት ኣሎና” ኢሉ’ሎ። ባይቶ ዒራቕ ብሰንበት ኣብ ዘሕለፎ ውሳነ ኣብ ባቕዳድ …

Read More »

በዓልመዚ ጥዕና ሕማም ዓባይ ሰዓል ኣብ ሽወደን ኣብ ዝተሓተ ደረጃ ከም ዝርከብ ይሕብሩ።

ኣብ ሽወደን ሕማም ዓባይ ሰዓል ኣብ ዝተሓተ ደረጃኡ ከም ዝርከብብ ሰሙናዊ ጸብጻብ ሃገራዊ በዓልመዚ ጥዕና ኣመልኪቱ። ብመሰረት ኣፈናዊ ኣሃዛት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን 2019 ኣስታት 226 ጥርዓናት ከም እተጸብጸቡ’ውን ሓቢሩ። ካብዚ ቊጽሪ ዝለዓለ መጠን ዝሓሰት ጎትላንድ ኮይና ብማእከላይ ገምጋም ዝበዝሑ ሰባት እተረኽቡዋ ግና ኖርልንድ እያ ተባሂሉ። ካብ ዝሓለፉ ወቕቲታት ዝተፈኽቡ ተመኲሮታት ከም ዘመልክትዎ ናይ ኢንፍሉዌንዛ ንጥፈታት ኣብ እዋን መገሻታት በዓል ልደት …

Read More »

ታሕሳስ 2019 ኣብ ሽወደን ዝበዝሓ መካይን እተመዝገባላ ዕለት ተባሂላ ክብረ ወሰን ሒዛ።

ብመሰረት ኣሃዛት BIL ሽወደን ታሕሳስ 2019 ብዙሓት ሓደስቲ መካይን ዝተመዝገባላ ተባሂላ ክብረ ወሰን ምሓዛ ተገሊጹ። BIL ሽወደን ኣብ መካይን ንግድ ኣተኲሩ ዝሰርሕ ትካል እዩ። ብመሰረት እዞም ኣሃዛት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 335 ሽሕ መካይን ምምዝጋበንን እዚ ድማ ምስ ናይ 2018 እንክወዳደር ብ 5 ሚእታዊት ከም ዝዓቢ ተመልኪቱ። “ብዙሓት ሰባት ቀረጽ መካይን ንምውጋድን ነዚ ዕድል ብምጥቃምን መካይኖም የመዝግቡ ኣለዉ” ክትብል ዳይረክተር BIL …

Read More »

መንገዲ ኣየር ስካንዲናቭይ ብውሑስ ኣገልግሎቱ ኣብ ዓለም መበል 13 ዝበለጸ መንገዲ ኣየር ተባሂሉ።

AirlineRating.com ዝተባህለ 405 መንገዲ ኣየራትን ውሕስነተንን ዝከታተል ኣካል ብዓለም ደረጃ ዳህሳስ ድሕሪ ምግባር ዓመታዊ ጸብጻቡ ኣቕሪቡ’ሎ። እዚ ኣገባብ ብዙሓት ረቛሒታት ኣብ ግምት ዘእተወ እዩ። ካብ ሰብመዚ በረራን መንግስታትን ዝርከብ ርእይቶታት፡ ናይ ምሕምሻሽ ታሪኽን ካልእ ሓደጋታትን ፋይናንሳዊ ኲነታት ከምኡ’ውን ስልጠና ፓይሎታት ዝብሉ ኣብ ግምት ዘእተወ እዩ። መንገዲ ኣየር ኣውስትራልያ ካንታስ ቀዳማይ ደረጃ ክሕዝ እንከሎ መንገዲ ኣየር ኒውዚላንድ ካልኣይ መንገዲ ኣየር ኢቲሓድ …

Read More »

ሽወደን ኣብ ዒራቕ ዘሎ ወተሃደራዊ ሓይላ ንግዚኡ ከተደስክሎ ምውሳና ተገሊጹ።

ኣመሪካ ንኢራናዊ ኣዛዚ ሰራዊት ቃስም ሱሌይማኒ ዕላማ ዝገብረ ናይ ድሮን መጥቃዕቲ ጥቓ ከተማ ባቕዳድ ድሕሪ ምክያዳ እዩ እዚ ውሳነ ሽወደን ዝመጽእ ዘሎ። “ብምኽንያት ህሉው ኲነታት ኣብቲ ቦታ ክንሰርሕ ኣይንደልን ኢና” ክትብል በዓልቶ መዚ ሓበሬታ ሓይልታት ሽወደን ክሪስቲና ስዋን ሓቢራ’ላ። ኣብ መዓስከር ኣመሪካ ዒራቕ 70 ዝኾኑ ወተሃደራት ሽወደን ነቊጦም ከም ዝርከቡ ዝፍለጥ እዩ።

Read More »

ኣገልግሎት መድሃኒት(ፋርማሲ) ሽወደን ብሕጽረት ኣፋውስ ይሽገር ምህላዉ ይገልጽ።

ኣብ ብርክት ዝበላ ዞባታት ሽወደን ዝርከባ ኲባንያ ኣገልግሎት መድሃኒት ብሕጽረት መድሃኒት ንዝጎነፎ ሽግር ንምውጻእ ገለ ድጎማ ከም ዝጠልብ ጋዜጣ ዳገንስ ንሄይተር ሓቢራ። እታ ኲባንያ ኣብ ፈለማ ስርዓት ሓበሬታ ቴክኖሎጂ ምፍሻሉ ግጉይ ሓበሬታ ከም ዝሰራጮ ምግባሩ እዩ ከም ምኽንያት ኣቕሪብዎ ኔሩ። ጸኒሑ ግና እቲ ኲባንያ ብሰንኪ ኣብ ማእከላት ጥዕና ዘሎ ጠለብ ኢንቨንትሪን ሕጽረት ኣፋውስን ኣሎ ዝብል ዘይቅትዑይ ሓበሬታ እዩ ዝብል መብርሂ …

Read More »

ፖሊስ ብስሙ ንእተገብረ ናይ ምትላል ስራሕ ኣቃሊዑ።

ገለ ሰባት ፖሊስ እናተመሰሉ ብፍላይ ንሽማግለታት የታልሉ ምህላዎም ፖሊስ ሓቢሩ። ገለ ሰባት ናብ ኣባይቲ ግዳያት ብምኻድን ኣብ ናይ ባንክ ሰነዳቱ ምርምር ብምግባርን ናይ ፒን ኮድ ክህቦም ብምሕታትን ሰባት የታልሉ ምህላዎም ድማ ኣብሪሆም። ፖሊስ ብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣገባብ ፒን ኮድ ይዂን ሰነዳት ባንክ ወይ’ውን ክረዲት ሰባት ከም ዘይምርምሩ ሰባት ከስተውዕሉ ድማ ሓቢሮም ኣለዉ። ናብ 1414114 ብምድዋል ናይ ዝመጾም ሰብ መንነት ከረጋግጹን …

Read More »

ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ልዕሊ 600 ሽሕ ኲባንያታት ከም ዝተኸፍታ ተሓቢሩ።

ካብ ዓመታት 2010 ክሳብ 2019 ናብ 649 ሽሕ ዝኾና ኲባንያታት ኣብ ሽወደን ከም እተኸፈታ ንኲባንያ ምዝገባ ሽወደን ብምጥቃስ ቪስማ ኣካውንቲን ዝተባህለ ሶፍትዌይር ሓቢሩ። እዚ ምስታ ቅድሚኣ ዝነበረት ዓሰርተ ዓመት እንክወዳደር ናብ 18.5% ወሰኽ ምርኣዩ’ውን ተሓቢሩ። ኣብ ተመሳሳሊ ግዜ ቊጽሪ ውሱናት ትካላት ካብ 212 ሽሕ ናብ 435 ሽህ ምዕባዩ’ውን ተመልኪቱ። ብመሰረት ጸሓፍቲ ጸብጻባት እዚ ገዚፍ ቊጽሪ ብምክንያት ክለሳ ሕጊን ስርዓትን ወፍሪ …

Read More »

ምምሕዳር ቤተመዘክር ቫሳ ዓመት ምሉእ ክፉት ክኸውን ምውሳኑ ተገሊጹ።

ምምሕዳር ህቡብ ቤተመዘክር ስቶክሆልም ቫሳ ሙዜት ዓመት ምሉእ ክፉት ክኸውን እዩ። እዚ ምስቲ ዝጸንሐ ኣብ ዓመት ኣርባዕተ ግዜ ዕጹው ምንባሩ ብምምላካት እዩ ከም ሓድሽ ውሳነ ዝውሰድ ዘሎ። ዳይረክተር እዚ ቤተመዘክር ሊሳ ማንሰን እዚ ኣብ ዡርጋርደን ዝርከብ መዓጹ ኣብ መዓልቲ ልደትን ሓድሽ ዓመትን ከይተረፈ ንበጻሕቲ ክፉት ክኸውን እዩ። ካልኦት ፍሉጣት ኣብያተ መዘክር ሽወደን እንተላይ ኒርዲስካ፥ ኣባሙሴትን ስካንሳን ዓመት ምሉእ ማዕጾኦም ርሑው …

Read More »

ሂልተ(Hylte) ዝበዝሑ ስደተኛታት ዘለዉዋ ምምሕዳር ከተማ ሽወደን ተባሂሉ።

ኢንዱስትራዊት ምምሕዳር ሂልተ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ሽወደን ትርከብ ኮይና እታ ዝበዝሕ ስደተኛታት ዝሰፈሩላ ሙዃና ተሓቢሩ። ህላዌ ብዝሒ ስደተኛታት ኣብ ምዕባለ ኣዎንታዊ ረቛሒ ተጌሩ ከም ዝረአ እውን ኣብ ምምሕዳር ሃላንድ ሂልተ ዝተገብረ ዳህሳስ ኣመልኪቱ። ኣብዚ እዋን ኣብ ምምሕዳር ሂልት 11 ሽሕ ዝበጽሕ ስደተኛ ዝኣኽሉ ተቐማጦ ከምዝለዋ ተፈሊጡ ኣሎ ። እዛ ከተማ ሓደ ከም ፋብሪካ ወረቐትን ናይ ቮሊቦል ጋንታን ዘለዋ ኮይነን፣ ብዙሓት …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com