Monday , May 20 2024

ሃገራዊ ዜና

54 ሰራሕተኛታት ሆስፒታል ኖርቦተን ስርሖም ከይስእኑ ኣብ ስግኣት ከም ዝርከቡ ተገሊጹ።

ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ሽወደን ካባቢ ኖርቦተን ( Norrbotten) ዝርከባ ሆስፒታላት ሱንደርቢ (Sunderby) ን ካለክስን (Kalix) ሰራሕተኛታተን ከሰናብታ ይኽእላ እየን ተባሂሉ’ሎ። ካብ ዝመጽእ ሰሙን ጀሚሩ ብዛዕባዚ ዘተ ምስ ማሕበራት ሰራሕተኛታት ከም ዝጅመር እውን ተፈሊጡ። እዞም ኣብ ስግኣት ዝርከቡ ሰራሕተኛታትኣብ ምዕዳል መግቢን ምንጻፍ ዓራትን መራሕቲ መካይንን ተዋፊሮም ዝሰርሑ እዮም ተባሂሉ’ሎ።

Read More »

ናእሽቱ ኣብያተ መጻሕፍቲ ገለ ናይ ኢቡክ መጻሕፍቲ ንምዕዳል ሽግር ይገጥሞም ኣሎ ተባሂሉ።

ኢቡክ ብኣንበብቲ ኣዝዩ ተፈታዊ እናኾነ ይመጽእ ምህላዉን ካብ ዝጭበጡ መጻሕፍቲ ንላዕሊ ዋጋ የውጽኣሎም ምህላዉ ግና ተገሊጹ። እዚ ዝዀነሉ ምኽንያት መጻሕፍቲ ሓንሳብ ጥራይ ዝግዝኡ ፥ እዞም ናይ ኢቡክ መጻሕፍቲ ግና ኣብ ነፍሲ ወከፍ ጠለብ ክኽፈለሎም ዝግባእ ብምዃኖም እዩ። ስለዚ ድማ ገለ መጻሕፍቲ ብዘለወን ፋይናንሳዊ ዓቕሚ መጠን ዝህባኦ ኣገልግሎት ይውሰን ምህላዉ እዩ ዝግልውጽ ዘሎ። ንኣብነት ቫርምላንድ ብሰንኪ እዚ ጒዳይ ገለ ኣንበብቲ ሕጒሳት …

Read More »

ሕሙማት ቈልዑ ኣመኽኒኻ ዝግበር ምትላል ካሕሳ ሕክምና ብዕጽፊ ምውሳኹ ተገሊጹ።

ብምትላል ምብላዕ ካሕሳ ሕክምና ህጻናት ዝጥርጠሩ ወለዲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብዕጽፊ ወሲኹ ተባሂሉ ክብሉ ኣሃዛት ፎርሸክሪንካሳ ( Försäkringskassan) ኣመልኪቶም።፡ በዚ ተጠርጢሮም ናብ ፖሊስ ዝመጹ ጥርዓናት ኣስታት 1614 ኣብ 2019 ምብጽሖም ኣብ 2018 ግና 1091 ጥራይ ምንባሩ ድማ ተመልኪቱ። ወለዲ ብምክንያት ሕማም ህጻን ውላዶም ሓዲኦም ካብ ስራሕ ምስ ዝበዂሩ ካሕሳ ናይ ምሕታትን ምቕባልን ኣገባብ ምህላዉ ዝፍለጥ እዩ። ሓላፊት ክፍሊ ወልዲን ቈልዑን …

Read More »

ሚኒስተር ፋይናንስ ስደተኛታት ደቀንስትዮ ናብ ዕዳጋ ሽቕለት ምእታወን ንህንጸት ሽወደን ኣደንፊዕዎ ትብል።

ሚኒስተር ፋይናንስ ሽወደን ማግዳሊና ኣንደርሰን ስደተኛታት ደቀንስትዮ ናብ ዕዳጋ ሽቕለት ምእታወን ንህንጸት ሽወደን ኣደንፊዕዎ እዩ ክትብል ገሊጻ። “ሽወደን ኣብ ኣውሮጳዊ ሕብረት እፊ ዝለዓለ መጠን ዕድመ ዝበጽሑ ሰራሕተኛታት ዘለዉዋ ሃገር እያ። እቲ ጸገም ኣብ ወጻኢ ዝተወልዳ ደቀንስትዮ ካብዚ ቊጽሪ ክእለያ ምጽንሐን እዩ” ክትብል ኣብ ናይ ፌስቡክ ገጻ ኣብ ዘስፈረቶ ዓንቀጽ ኣብሪህ። ቊጽሪ ኣብ ወጻኢ እተወልዳ ሰራሕተኛታት ደቀንስትዮ ምስ ደቀባት ኣውሮጳዊ ሕብረት …

Read More »

ኣብ ዓመተ 2019 ሰደድ ጸዓት ኤለክትሪክ ሽወደን ክብ ከምዝበለ ተገሊጹ።

ብመሰረት ውድብ ኢንዱስትሪ ስዊድኤነርጂ ዘዳለዎ ስታቲስቲክስ ኣብ 2019 ሽወደን ክብረ ወሰን ሰደድ ኤለክትሪክ ናብ ጐረባብቲ ሃገር ፈጺማ። ዓሚ 50% ዝነበረ ኮይኑ ምስ ቅድሚ ዓሚ ዝነበረ እንክነጻጸር 15 ሚእታዊት ካብ ሓፈሻዊ ምህርቲ ጸዓት ኤለክትሪክ ምዃኑ ተመልኪቱ። ሽወደን ናብ ጐረባብቲ ሃገራት ኤለክትሪክ ካብ እትልእከሉ ምኽንያታት እቲ ቀንዲ ኣብ ፊንላንድ ተሓሲቡ ዝነበረ ጸዓት ኑክሌር ናይ ምትካል መደብ ብምድንጓዩን ኣብ ኖርዌይ ዘሎ ዕቋር ጸዓት …

Read More »

ኣብ ኦረብሮ ናይ ሎሚ ወርሒ ጥሪ ካብ 1858 ንደሓር እታ ዝወዓየት ምዃና ተገሊጹ።

ክፍሊ ክሊማ ሽወደን እዛ ወርሒ ጥሪ 2020 ኣብ ኦረብሮ (Örebro) ድሕሪ 1858 እታ ዝወዓየት እያ ክብል ኣፍሊጡ። ትማሊ ኣብታ ከተማ ሙቐት 10.3 ዲግሪ ሼልሰስ ምውዓሉ ድማ ተመልኪቱ’ሎ። እዚ ልዑል ምቖት እዩ፥ እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ከኣ ናብዚ ዞባ ብዝነፍሱ ዘለዉ ንፋሳት እዩ ክብል በዓልሞያ ሜትሮሎጂ ሽወደን ኒትዛን ኮሄን ሓቢሩ’ሎ። እዚ ኲነታት ኣየር ክሳብ ቀዳም ምሸት ከም ዘለዎ ክቕጽልን ካብኡ ንደሓር እናዘሓለ …

Read More »

ጸጋማይ ሰልፊ–መንግስቲ ብዛዕባ ሰደድ ኣጽዋር ንህዝቢ ግጉይ ሓበሬታ ሂቡ ተባሂሉ ተወቒሱ።

ጸጋማይ ሰልፊ ብዛዕባ ሰደድ ኣጽዋር ናብ ቱርኪ ኮነ ተባሂሉ ብመንግስቲ ግጉይ ሓበሬታ ክወሃቦም ጸኒሑ’ሎ ኢሉ ከም ዝኣምን ኣፍሊጡ። በዚ ድማ ንሽማግለ ሕጊ ባይቶ ንስለስተ ሚኒስተራት መንግስቲ ሉፈን (ሚኒስተር ጒዳያት ወጻኢ ኣን ሊንድ፥ ሚኒስተር ፍትሒ ሞርጋን ጆንሰንን ሚኒስተር ውሽጣዊ ጒዳያት ሚካኤል ዱምበርግን ) ከዘራርብ ሓቲቱ’ሎ። ዝሓለፈ ጥቅምቲ ቱርክ ኣብ ሰሜናዊ ሶርይ ንዝርከብ ንኩርዳዊ ዓዲታት ድሕሪ ምጥቃዓ ናብ ቱርኪ ዝለኣኽ ዝነበረ ሰድደ …

Read More »

ሓደስቲ ተመሃሮ ንግዜያዊ ሕጊ ገንዘባዊ ሓገዝ CSN ንስደተኛት “ፍትሓዊ ኣይኰነን” ብምብል ተቓውሞኦም ገሊጾም።

ብመሰረት ጸብጻብ ሬድዮ ኤኮት ዝበዝሑ ስደተኛታት ተመሃሮ ንግዜያዊ ሕጊ ገንዘባዊ ሓገዝ CSN “ፍትሓዊ ኣይኰነን” ብምብል ተቓውሞኦም ገሊጾም ኣለዉ። እቲ ጸብጻብ ተመሃሮ ካብ CSN ዝረኽብዎ ገንዘብ ኣብ ግምት ዘእቱ ኣይኰነን ወሲኹ ገሊጹ። እዚ ገንዘብ ቀዋሚ መንበሪ ንኽፍጽሙ ዘየኽእል ውሑድ መጠን ምዃኑ ድማ ኣመልኪቶም ኣለዉ። እዚ ሕጊ ተመሃሮ ብውሑዱ ክልተ ዓመታት ናይ ስራሕ ውዕል ክኣትዉ ዝገብር እዩ። በዚ ድማ ዝብዝሑ ካብ ትምህርቶም …

Read More »

ምስ ዝሓለፋ ዓሰርተ ዓመታት ብምንጽጻር ቊጽሪ ግዳያት ሓደጋ ትራፊክ 2019 ዝተሓተ ኔሩ ተባሂሉ።

ምስ ዝሓለፋ ዓሰርተ ዓመታት ብምንጽጻር ቊጽሪ ግዳያት ሓደጋ ትራፊክ 2019 ዝተሓተ ኔሩ ተባሂሉ። ብመሰረት ኣገልግሎት መጓዓዝያ ሽወደን ቊጽሪ ግዳያት ሓደጋ ትራፊክ ኣብ 2019 ኣስታት 223 ጥራይ ምንባሩን እዚ ድማ ካብ 1950 ታት ጀሚሩ ካብ ዝነበረ ኣሃዛት እቲ ዝወሓደ ምኳኑ እቲ ትካል ሓቢሩ። “በዚ እንኸዶ ዘሎና ኣብ 2020 ናብ 220 ጥራይ ከነውርዶ ኢና፥ እዚ ሸቶ ክንወቅዕ ግና ናይ ዝምልከቶም ኣካላት ምትሕብባር …

Read More »

ኮሚሽን ምጽራይ ኣብ ሽወደን ዘሎ ኣገባብ ኣማሃህራ ሃይማኖት ኣመልኪቱ ጸብጻቡ ኣቕሪቡ።

መንግስታዊ ኮሚሽን ምጽራይ ብዛዕባ ብግሊ ዝውነኑ ኣብያተ ትምህርቲ ዝወሃብ ሃይማኖታዊ ትምህርቲን ንመጻኢ ከምዚ ዝበሉ ትካላት ንምቊራጽ ብዛዕባ ዝከኣለሉን ኣገባብ ዘጠቓልል ጸብጻቡ ሎሚ ምቕራቡ ተገሊጹ። ብመሰረት ስምምዕ ጥሪ ኣርባዕቲአን ሰልፊታት ሽወደን ምኽፋት ናይ ግሊ ኣብያተ ትምህርቲ ሃይማኖት ክእገድ ምውሳነን ዝዝከር እዩ። እዘን ኣርባዕተ ሰልፊታት ውሳነአን ናብ በዓልሞያ ሕጊ እዛ ኮሚሽን ላርስ ኣርሄንየስ ምልኣኸን ድማ ተሓቢሩ። ሓደ ካብ ተልእኾታት እዛ ኮሚሽን ሕጋዊ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com