Saturday , April 27 2024

ሕሙማት ቈልዑ ኣመኽኒኻ ዝግበር ምትላል ካሕሳ ሕክምና ብዕጽፊ ምውሳኹ ተገሊጹ።

ብምትላል ምብላዕ ካሕሳ ሕክምና ህጻናት ዝጥርጠሩ ወለዲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብዕጽፊ ወሲኹ ተባሂሉ ክብሉ ኣሃዛት ፎርሸክሪንካሳ ( Försäkringskassan) ኣመልኪቶም።፡ በዚ ተጠርጢሮም ናብ ፖሊስ ዝመጹ ጥርዓናት ኣስታት 1614 ኣብ 2019 ምብጽሖም ኣብ 2018 ግና 1091 ጥራይ ምንባሩ ድማ ተመልኪቱ። ወለዲ ብምክንያት ሕማም ህጻን ውላዶም ሓዲኦም ካብ ስራሕ ምስ ዝበዂሩ ካሕሳ ናይ ምሕታትን ምቕባልን ኣገባብ ምህላዉ ዝፍለጥ እዩ።

ሓላፊት ክፍሊ ወልዲን ቈልዑን ኣለክሳንድራ እዚ ጒዳይ ኣጸቢቑ ምውሳኹን ኣብ ኣታሓሳሳቢ ደርጃ ምብጽሑን ኣመልኪታ’ላ። ኤጀንሲ ማሕበራዊ ኢንሹራንስ ካብ ከምዚ ዝበለ ምትላል ከድሕኖ ዝወጠኖ መጠን ክሮና 81 ሚልዮን ምብጽሑ ኣብ 2018 ግና 69 ምንባሩ ተፈሊጡ።፡ “እዚ ጒዳይ ብዕቱብ ኢና ንሕዞ። ስለዚ ድማ ክንምርምሮ ወፍሪ ክንገብር ኢና,” ክትብል ድማ ማሕበራዊ ኢንሹራንስ ሓደስቲ ሕግታት ክትግብር ጸዊዓላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com