Monday , May 20 2024

ሃገራዊ ዜና

ሓበረታ ንተቐማጦ ምምሕዳር ሳላ !!

ነበርቲ ምምሕዳር ሳላ ንዝሰትይዎ ኮነ ንመግቢ ዝጥቀሙሉ ማይ ቅድሚ ምጥቃሞም ኣፍሊሖም ክሰትይዎ ከምዘለዎም ምምሕዳር እቲ ከባቢ ይሕብር። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ብመሰረት ኣብ ቤት ፈተነ ማለት ላባራቶሪ ዝተገብረ መርመራ ማይ ናይቲ ከባቢ ብ ባኽተርያ ከምዝተበኸለ ብምርግጋጾም እዮም። ስለዚ ተቐማጦ ከባቢ ምምሕዳር ሳላ ግዳይ ዘየተደልየ ሕማም ካብ ሙዃን ኩሉ እቲ ጥቀምሉ ማይ ከተፍልሕዎ ከምዘለኩም እዚ ምምሕዳር ብምምካር ብፍላይ ኣብ ከባቢታት Västerfärnebo ፣ …

Read More »

ብህልው ኩነታት ዋጋታት ነዳዲ ኣብ ሽወደን ከምዘይጽሎ በዓል መዚ ነዳዲ ሓቢሩ።

ኣብ ዕዳጋ ዓለም ዋጋ ነዳዲ ምውሳኹ እኳ ኣንተተነግረ ኲባንያታት ነዳዲ ሽወደን ዋጋ ጋዞሊን ጥራይ ክውስኻ ምውሳነን ተገሊጹ። ኢራን ኣብ መደበራት ኣመሪክ ኣብ ዒራቕ ናይ ሕነ ምፍዳይ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍናዋ ኣብ ፈለማ ዋጋ ነዳዲ ኣብ ዕዳጋ ዓለም ብናህሪ ምውሳኹ እንተኾነ መሊሱ ዋግኡ ምሽምራሩ ተገሊጹ። ዋጋ በርሚል ሰሜናዊ ባሕሪ ንሓጺር እዋን ናብ 71 ዶላር (ማለት ካብ ዝነበሮ ብ 3 ሚእታዊት) ወሲኹ ከም …

Read More »

ኣጻብዕታ ዝሰኣነት ሰራሕተኛ ንምኽሓስ ፍርቂ ሚልዮን ክሮና ተበይኑ።

ቤትፍርዲ ሽወደን ንኲባንያ ሊንኮፒን ገዚፍ ካሕሳ ክኸፍል ከም ዝበየነሉ ይግለጽ ኣሎ። እዚ ዝተበየነ ሓንቲ ሰራሕተኛ ኣብ ማሽን እናሰርሐት ኣጻብዓ ብምስኣና እዩ። እቲ ቤትፍርዲ እዚ ኲባንያ ብምኽንያት ምግሃስ ኲነታት ስራሕ 450 ሽሕ ክሮና ክኸፍል በይንሉ ኣሎ። እቲ ኣኽባር ሕጊ እዚ ናይ ስራሕ ኲነታት ክመሓየሽን ሓደጋ ክውገድ ምተኻእለ ኔሩ ብምባል እዩ ነዚ ካሕሳ ዝብይን ዘሎ።

Read More »

ሽወደን ክሳብ ቀጻሊ ሓበሬታ ዝወሃብ ሓይልታታ ኣብ ዒራቕ ክጸንሑ ምዃኖም ትገልጽ።

ሰብዓ ዝኣባላቱ ተልእኾ ሓይልታት ሽወደን ዒራቕ ክሳብ ክወጹ ምዃኖም ዝንገሮም ኣብኡ ክጸንሑ ምዃኖም ሚኒስተር ምክልኻል ሽወደን ሎሚ ሰኑይ ሓቢሩ። ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን ብወገኑ ኣብ ፌይስቡክ ኣብ ዘስፈሮ መልእኽቲ ኣብ ዒራቕ ንዘሎ ምዕባለታት ይከታተሎ ምህላዉ ሓቢሩ’ሎ። “ምስ ዒራቕ ወግዓዊ ርክባት ክሳብ እንጅምር ክንጽበ ኢና፡ ባይቶ ዒራቕ እንታይ ከም ዝውስን ክንሰምዕ ድሌት ኣሎና” ኢሉ’ሎ። ባይቶ ዒራቕ ብሰንበት ኣብ ዘሕለፎ ውሳነ ኣብ ባቕዳድ …

Read More »

በዓልመዚ ጥዕና ሕማም ዓባይ ሰዓል ኣብ ሽወደን ኣብ ዝተሓተ ደረጃ ከም ዝርከብ ይሕብሩ።

ኣብ ሽወደን ሕማም ዓባይ ሰዓል ኣብ ዝተሓተ ደረጃኡ ከም ዝርከብብ ሰሙናዊ ጸብጻብ ሃገራዊ በዓልመዚ ጥዕና ኣመልኪቱ። ብመሰረት ኣፈናዊ ኣሃዛት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን 2019 ኣስታት 226 ጥርዓናት ከም እተጸብጸቡ’ውን ሓቢሩ። ካብዚ ቊጽሪ ዝለዓለ መጠን ዝሓሰት ጎትላንድ ኮይና ብማእከላይ ገምጋም ዝበዝሑ ሰባት እተረኽቡዋ ግና ኖርልንድ እያ ተባሂሉ። ካብ ዝሓለፉ ወቕቲታት ዝተፈኽቡ ተመኲሮታት ከም ዘመልክትዎ ናይ ኢንፍሉዌንዛ ንጥፈታት ኣብ እዋን መገሻታት በዓል ልደት …

Read More »

ታሕሳስ 2019 ኣብ ሽወደን ዝበዝሓ መካይን እተመዝገባላ ዕለት ተባሂላ ክብረ ወሰን ሒዛ።

ብመሰረት ኣሃዛት BIL ሽወደን ታሕሳስ 2019 ብዙሓት ሓደስቲ መካይን ዝተመዝገባላ ተባሂላ ክብረ ወሰን ምሓዛ ተገሊጹ። BIL ሽወደን ኣብ መካይን ንግድ ኣተኲሩ ዝሰርሕ ትካል እዩ። ብመሰረት እዞም ኣሃዛት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 335 ሽሕ መካይን ምምዝጋበንን እዚ ድማ ምስ ናይ 2018 እንክወዳደር ብ 5 ሚእታዊት ከም ዝዓቢ ተመልኪቱ። “ብዙሓት ሰባት ቀረጽ መካይን ንምውጋድን ነዚ ዕድል ብምጥቃምን መካይኖም የመዝግቡ ኣለዉ” ክትብል ዳይረክተር BIL …

Read More »

መንገዲ ኣየር ስካንዲናቭይ ብውሑስ ኣገልግሎቱ ኣብ ዓለም መበል 13 ዝበለጸ መንገዲ ኣየር ተባሂሉ።

AirlineRating.com ዝተባህለ 405 መንገዲ ኣየራትን ውሕስነተንን ዝከታተል ኣካል ብዓለም ደረጃ ዳህሳስ ድሕሪ ምግባር ዓመታዊ ጸብጻቡ ኣቕሪቡ’ሎ። እዚ ኣገባብ ብዙሓት ረቛሒታት ኣብ ግምት ዘእተወ እዩ። ካብ ሰብመዚ በረራን መንግስታትን ዝርከብ ርእይቶታት፡ ናይ ምሕምሻሽ ታሪኽን ካልእ ሓደጋታትን ፋይናንሳዊ ኲነታት ከምኡ’ውን ስልጠና ፓይሎታት ዝብሉ ኣብ ግምት ዘእተወ እዩ። መንገዲ ኣየር ኣውስትራልያ ካንታስ ቀዳማይ ደረጃ ክሕዝ እንከሎ መንገዲ ኣየር ኒውዚላንድ ካልኣይ መንገዲ ኣየር ኢቲሓድ …

Read More »

ሽወደን ኣብ ዒራቕ ዘሎ ወተሃደራዊ ሓይላ ንግዚኡ ከተደስክሎ ምውሳና ተገሊጹ።

ኣመሪካ ንኢራናዊ ኣዛዚ ሰራዊት ቃስም ሱሌይማኒ ዕላማ ዝገብረ ናይ ድሮን መጥቃዕቲ ጥቓ ከተማ ባቕዳድ ድሕሪ ምክያዳ እዩ እዚ ውሳነ ሽወደን ዝመጽእ ዘሎ። “ብምኽንያት ህሉው ኲነታት ኣብቲ ቦታ ክንሰርሕ ኣይንደልን ኢና” ክትብል በዓልቶ መዚ ሓበሬታ ሓይልታት ሽወደን ክሪስቲና ስዋን ሓቢራ’ላ። ኣብ መዓስከር ኣመሪካ ዒራቕ 70 ዝኾኑ ወተሃደራት ሽወደን ነቊጦም ከም ዝርከቡ ዝፍለጥ እዩ።

Read More »

ኣገልግሎት መድሃኒት(ፋርማሲ) ሽወደን ብሕጽረት ኣፋውስ ይሽገር ምህላዉ ይገልጽ።

ኣብ ብርክት ዝበላ ዞባታት ሽወደን ዝርከባ ኲባንያ ኣገልግሎት መድሃኒት ብሕጽረት መድሃኒት ንዝጎነፎ ሽግር ንምውጻእ ገለ ድጎማ ከም ዝጠልብ ጋዜጣ ዳገንስ ንሄይተር ሓቢራ። እታ ኲባንያ ኣብ ፈለማ ስርዓት ሓበሬታ ቴክኖሎጂ ምፍሻሉ ግጉይ ሓበሬታ ከም ዝሰራጮ ምግባሩ እዩ ከም ምኽንያት ኣቕሪብዎ ኔሩ። ጸኒሑ ግና እቲ ኲባንያ ብሰንኪ ኣብ ማእከላት ጥዕና ዘሎ ጠለብ ኢንቨንትሪን ሕጽረት ኣፋውስን ኣሎ ዝብል ዘይቅትዑይ ሓበሬታ እዩ ዝብል መብርሂ …

Read More »

ፖሊስ ብስሙ ንእተገብረ ናይ ምትላል ስራሕ ኣቃሊዑ።

ገለ ሰባት ፖሊስ እናተመሰሉ ብፍላይ ንሽማግለታት የታልሉ ምህላዎም ፖሊስ ሓቢሩ። ገለ ሰባት ናብ ኣባይቲ ግዳያት ብምኻድን ኣብ ናይ ባንክ ሰነዳቱ ምርምር ብምግባርን ናይ ፒን ኮድ ክህቦም ብምሕታትን ሰባት የታልሉ ምህላዎም ድማ ኣብሪሆም። ፖሊስ ብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣገባብ ፒን ኮድ ይዂን ሰነዳት ባንክ ወይ’ውን ክረዲት ሰባት ከም ዘይምርምሩ ሰባት ከስተውዕሉ ድማ ሓቢሮም ኣለዉ። ናብ 1414114 ብምድዋል ናይ ዝመጾም ሰብ መንነት ከረጋግጹን …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com