Sunday , May 5 2024

ኣብ ኦረብሮ ናይ ሎሚ ወርሒ ጥሪ ካብ 1858 ንደሓር እታ ዝወዓየት ምዃና ተገሊጹ።

ክፍሊ ክሊማ ሽወደን እዛ ወርሒ ጥሪ 2020 ኣብ ኦረብሮ (Örebro) ድሕሪ 1858 እታ ዝወዓየት እያ ክብል ኣፍሊጡ። ትማሊ ኣብታ ከተማ ሙቐት 10.3 ዲግሪ ሼልሰስ ምውዓሉ ድማ ተመልኪቱ’ሎ። እዚ ልዑል ምቖት እዩ፥ እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ከኣ ናብዚ ዞባ ብዝነፍሱ ዘለዉ ንፋሳት እዩ ክብል በዓልሞያ ሜትሮሎጂ ሽወደን ኒትዛን ኮሄን ሓቢሩ’ሎ። እዚ ኲነታት ኣየር ክሳብ ቀዳም ምሸት ከም ዘለዎ ክቕጽልን ካብኡ ንደሓር እናዘሓለ ክከይድን ውርጪ ክስዕብን ምዃኑ ክኢላታት ሜትሮሎጂ ተነብዮም ኣለዉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com