Monday , May 20 2024

ሃገራዊ ዜና

ኣብ ዓመተ 2019 ናይ ስራሕ ግዜ ንምንዋሕ ዝነበረ ኣብያ ምንካዩ ተገሊጹ።

ምስ ዓመተ 2017 ብምውድዳር ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ስራሕ ናይ ምንዋሕ ሕቶ ብዙሕ ኣብያ ከን ዘየአንገደ ኣሃዛት ኤጀንሲ ማይግሬሽን ሽወደን ኣመልኪቶም። ኣብ 2019 ኣስታት 586 ዝኾኑ ሰባት ናይ ሽወደን መንበሪ ፍቓድ ምንዋሕ ሕቶኦም ከም እተነጽጉ ድማ ኣመልኪቱ። ብመሰረት ኣገልግሎት ኢሚግሬሽን ሽወደን እዚ ኣብ ዝሓለፋ ሾብዓተ ዓመታት እቲ ዝነኣሰ ቊጽሪ እዩ። ካብ 2017 ጀሚሩ ግና እዚ ቊጽሪ እናነከየ ክመጽእ ምጽንሑ እዞም ኣሃዛት …

Read More »

ኣብ ኣብያተ መግቢ ሽወደን ብጸሊም ሽቕለት ምውሳኹ ተገሊጹ።

በዓልመዚ ቀረጽ ሽወደን ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ ንውሁብ ሕጊ ሰዓታት ስራሕ ብዝጥሕስ ኣገባብ ገለ ኣብያተ መግቢ ጸሊም ሽቕለት የዘውትራ ምህላወን ኣቃሊዑ’ሎ። እታ ሬድዮ ካብ ግቡእ ሰዓታት ወጻኢ ክሽቅሉ ዝግደዱ ሰራሕተኛታት ምዝርራባ’ውን ተመልኪቱ። በዓልመዚ ቀረጽ ኣብያተ መግቢ ስምን ሰዓታት ሰራሕተኛታቶምን ክምዝግቡ ዘገድድ እኳ እንተኾነ ኣብ ኣፈጻጽማኡ ገለ ሃጓፋት ምህላዉን ነዚ ሕጊ ዝጥሕስ ጸሊም ዕዳጋ ምብርካቱን ድማ ተመልኪቱ። ሃገራዊት ኣወሃሃዲት በዓልመዚ ቀረጽ ሽወደን …

Read More »

ሽወደናውያን ንሕማም ልቢ ዝምልከት ጽቡቕ ሕክምና ይረኽቡ የለዉን ተባሂሉ።

ዓመታዊ ርብዒ ሚልዮን ዝኾኑ ሽወደናውያን ብሕምም ልቢ ከም ዝሳቐዩን ዋላኳ ኣገባብ ሕክምና እናተመሓየሸ እንተመጸ ኣዝዮም ሒደት ጥራይ ሕክምና ንምርካብ ዓቕሚ ከም ዘለዎምን ተገሊጹ። ፕሮፌሰር ሆስፒታል ካሮሊንስካ ሓኪም ላርስ ሉንድ ምስ ሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝነበሮ ጻንሒት ኣዝዩ ሕማቕ ውዳበን ግስጋሰን ንሕክምና ልቢ ሓሊኹ ሒዝዎ ምህላዉን ሕሙማት ዝድለ ሕክምና ይረኽቡ ዘይምህላዎምን ኣብሪሁ። ንሱ ዋጋ ሕክምና ልቢ ምውሳኹ ተበጻሕነቱ ግና ምንቊልቋሉ ኣመልኪቱ’ሎ።

Read More »

ኣብ ሽወደን ንተኸታታሊ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ልዑል ናይ ሽቕለት ኣልቦነት ጸገም ምህላዉ ተገሊጹ።

ካብ ኣገልግሎት ሽቕለት ሽወደን እተረኽብህ ሓድሽ ጸብጻብ ስታቱስቲክስ ከም ዘመልክትዎ ክሳብ ወርሒ ታሕሳስ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ብተኸታታሊ ሽግር ሽቕለት ኣልቦነት እናወሰኸ ክመጽእ ምጽንሑ ኣመልኪቶም። ኣብ መወዳእታ እታ ወርሒ 340 ሽሕ ሰባት ስራሕ ኣልቦ ተባሂሎም ከም እተመዝገቡን እዚ ድማ ምስ ናይ ዓሚ እንክወዳደር ኣብ ተመሳሳኢ ግዜ ናይ 29 ሽሕ ሰባት ወሰኽ ከም ዘርኣየን ተፈሊጡ። ብተመሳሳሊ ሽቕለት ኣልቦነት ካብ 7% ናብ 7.4% ምውሳዂ …

Read More »

መራሒ ጸጋማይ ሰልፊ ዮናስ ሾስተድት ካብ መዝነቱ ክወርድ እዩ ተባሂሉ።

መራሒ ጸጋማይ ሰልፊ ዮናስ ሾስተድት ኣብ ዝመጽእ ናይ ወርሒ ግንቦት ኣኼባ ባይቶ ሰልፉ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ምዃኑ ተዛሪቡ። ንሱ መራሒ ጸጋማይ ሰልፊ ኣብ ዝኾነሉ ዓመተ 2012 ካብ ኣርባዕተ ሚእታዊት ዘይበዝሕ ድምጺ ምርካቡን እዚ ድማ ካብቲ ኣብ ሪክስጋደን ክውከል ዘኽእሎ ኣዝዩ ዝተሓተ ነጥቢ ምኳኑ ኣመልኪቱ። ናይ ቀረባ እዋናት ናይ ፈተነ ድምጺታት ከም ዘመልክትዎ ሰልፉ ካብ ዓሰርተ ሚእታዊት ዝበዝሕ ድምጺ ኣይክረክብን እዩ። …

Read More »

ሚኒስትሪ ፋይናንስ፥ ቊጠባ ሽወደን ምንቊልቁሉ ይቕጽል ከምዘሎ ይሕብር።

ሚኒስትሪ ፋይናንስ ሽወደን ኣብ ዘውጽኦ ናይ ቀረባ ግዜ ናይ ቊጠባ ትንበያ ቊጠባ እታ ሃገር የንቈልቊል ምህላዉ ኣመልኪቱ። ሚኒስተር ፋይናንስ ማግዳሊን ኣንደርሰን ኣህጒራዊ ምዝሕታል ቊጠባ ንሽወደን ይጸልዋ ምህላዉን ን ዕንቅፋታት ንኣህጒራዊ ንግድን ኣብ መንጐ ኣመሪካ ቻይናን ኢራንን ዘሎ ቅልውላው ከኣ ነዚ የጋድዶ ምህላዉ ገሊጻ። ኣብቲ ዝዓበየ ቊጠባ ኣፍሪቃ ማለት ጀርመን ብፍላይ ኣብ ኢንዱስትሪ መኻይን ተመሳሳሊ ምዝሕታል ቊጠባ ምህላዉ’ውን ጠቒሳ፡ ሓፈሻዊ እቶት …

Read More »

ኣብ ስቶክሆልም ብናእሽቱ ኮንትራክተራት ዝተኸፍለ ዝያዳ ገንዘብ ክልተ ሚልዮን ክሮና ምብጽሑ ተገሊጹ።

እዚ ገንዘብ ኣካል ናይቲ ናእሽቱ ኮንትራክተራት እቲ ቀዳማይ ተኻራዪ ኣብ ዝቕጽል ክራይ ንዝጸዓኖ ተወሳኺ ዋጋ ክራይ ንምሕዋይ ዘቕረብዎ ሕቶ እዩ። ብጠቕላላ ናብ ቦርድ ኲባንያ ሃውሲንግ 86 ስምዕታታት ምቕራቦምን እዚ ምስቲ ናይ ዓመተ 2018 እንክወዳደር ብ 20% ወሰኽ ምርኣዩን ዘመልክት እዩ ተባሂሉ’ሎ። ኣብ ዓመተ 2018 ዝነበረ ቊጽሪ ኣመልከትቲ 70 ጥራይ ምንባሩ ተመልኪቱ’ሎ። እዞም ተኻረይቲ ካብቲ መበቆላዊ ክፍሊት ኣዝዩ ዝዛይድ ዋጋ ክኸፍሉ …

Read More »

ክፍሊ ኢመግሬሽን 146 ሰራሕተኛታት ከሰናብት ምዃኑ ተገሊጹ።

ክፍሊ ኢመግሬሽን ሽወደን ብምኽንያት ምንካይ ባጀት 2020 ን146 ሰራሕተኛታት ከሰናብቶም ምዃኑ ምግላጹ ተፈሊጡ። ብመሰረት ሬድዮ ኤኮት ኣብ ኣውራጃታት Skåne, Östergötland, Stockholm, Västernorrland och Västerbotten ዝርከቡ ሰራሕተኛታት ካብዞም ብመስጐግቲ ዝሰናበቱ እዮም ተባሂሉ’ሎ። ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ወርሒ ታሕሳስ እቲ በዓልመዚ ዳግማይ ናይ ምውቓር ውጥን ከም ዘለዎን ኣዚ ድማ ሰራሕተኛታት ከሰናብት ከም ዘገድዶን ምግላጹ ይዝከር። ቆንስል ምሕደራ ብኤምባሲታትን ቆንስላትን ኣቢልካ ዝግበር ናይ መንበሪ …

Read More »

በዓልመዚ ዕዮ ንደለይቲ ስራሕ ብዙሕ ኣሳልጦ ዘይብሎም ናይ ኤለትሮኒክ ኣፕሊኬሽን ኣብ ስራሕ ምውዓሉ ይንቀፍ።

ኤጀንሲ ዕዮ ሽወደን ሰባት ስራሕ ንኽረኽቡ ዝሕግዝ ጃብቴክ ናይ ቴክኖሎጂ ኣፕሊኬሽን ንምድላው ዓመታዊ 40 ሚልዮን ክሮና ወጻኢ ከም ዝገብር፡ እንተኾነ ግና እዞም ኣፕሊኬሽናት ስሉጣትን ውጽኢታውያንን ከም ዘይኰኑ ጸብጻብ ተሌቪዥን ሽወደን ኣመልኪቱ። ንኣብነት ኣብ 2016 እቲ በዓልመዚ ደለይቲ ስራሕ ብመንገዲ “ዲጂታል ጃብ ማቺንግ ሲስተም” ክረኽቡ ከም ዝኽእሉን እዞም ጥርዓናት ናብ ፕላትስባንከን ዝተባህለ ኣፕሊኬሽን ክጥርነፉን ምዃኖም ይንገር ኔሩ’ዩ። ድሕሪ ሓደ ዓመት እዚ …

Read More »

ፋውንዴሽን ቢል ጌትስ ንሽወደናውያን ኪኢላ መሕረስቲ ንኣፍሪቃውያን ከማኽራ ሓጽዩወን።

እቲ ኣብ ዓለምና ዝዓበየ ናይ ረድኤት ትካል ምዃኑ ዝንገረሉ ቢልን መሊንዳ ጌትስን ፋውንዴሽን መሕረስቲ ሽወደን ኣብ ደቡባዊ ኣፍሪቃ ኣገልግሎት ክህባ ሓጽዩወን ይበሃል ኣሎ። ኣብ ክፍሊ ጥዕና መፍረ ትካል ካሮሊንክስካ ተሓጋጋዚት ፕሮፌሰር ዝኾነት ሄለና ሊንድግረን በዚ ውሳነ ሕጒስቲ ምዃናን ኣሕረስቲ ሽወደናውያን ዘለወን ፍሉይ ብቕዓት ዝተመስከረሉን ኣጋጣሚ እዩ ክትብል ነቲ ውሳነ ገሊጻቶ’ላ። ንሳ ምስ ሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መሕትት ” ካብ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com