Sunday , May 19 2024

ሃገራዊ ዜና

ሰብመዚ ቻይና ንሽወደናዊ ትካል ኤሪክሰን ይምርምርዎ ኣለዉ ተባሂሉ።

ሰራሕ ተሌኮም ሽወደን ኤሪክሶን ኣብ ትሕቲ መርመራ” ሰብመዚ ውድድር ቻይና” ምህላዉን ብዙሕ መቕጻዕቲ ክብየነሉ ከም ዝኽእልን ስቨንስካ ዳግብላዴት ጸብጺቡ’ሎ። እዚ መርመራ ነቲ ኤሪክሰን ካብ ኣፍረይቲ ሞባይል ቻይና ዝቕበሎ ፍቓድ ክፍሊት ዝምልከት ምዃኑ ድማ ተገሊጹ። ኣብዚ ዜና ርእይቶ ዝሃበ ክፍሊ ፕረስ ኲባንያ ኤሪክሰን ምስ ሰብመዚ ቻይና ብምትሕብባር ይዓዪ ምህላዉን እዚ መርመራ ንገለ ግዜ ክቕጽል ምጽንሑን ድማ ኣመልኪቱ። ብዘይካዚ ኤሪክሰን ብምኽንያት ጉቦ …

Read More »

ሉቨን ምጒድል ቊጽሪ ስደተኛታት ክግበር ይጽውዕ፥ ሰልፊ ኣከባቢ ነዚ እማመ ይቃወሞ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ነቲ ብሰልፊታት የማን ዝቐርበሉ ዝነበረ ናይ ተቓውሞ ሓሳብት ብምልዓል ሽወደን ስቲፈን ሉቨን ቊጽሪ ናይ ዕቚባ ሕቶ ዘለዎም ስደተኛታት ንምጒዳል ክትሰርሕ ኣለዋ ክብል እማመ ኣቕሪቡ’ሎ። ንሱ ምስ ዳገንስ ንሂተር ኣብ ዝገበሮ ቃለመጠይቕ ኣብ ዝመጽእ ዓመታት ሕቶ ስደት ዝዓበየ ሕቶ ፖለቲካ ክኸውን እዩ ክብል ሓሳቡ ኣስፊሩ’ሎ። “ቊጽሪ ስደተኛታት ዝወሓደ እንተዀይኑ ጥራይ ኢና ኣብ ምውህሃድ ዕዉት ስራሕ ክንዓምም እንኽእል” ክብል ድማ …

Read More »

ሎሚ ለይቲ ክልተ ምፍንጃራት ኣብ ሰሜን ስቶኮልም ኣጋጢሙ።

ኣብ ከባቢ ሁስቢን (Husby) ሽሽታ (Kista) ስቶኮልም ናብ ሎሚ ኣብ ዘውግሕ ለይቲ ኣብ ናይ ደቓይቕ ፍልልይ ዘጋጠመ ክልተ ምፍንጃራት ሓደ ሰብ ብምቑሳል ከባቢ 50 ሰባት ካብቲ ከባቢ ከምዘፋናቐለ ፖሊስ ገሊጹ። ብመስረት ጸብጻብ ፖሊስ እቲ ቀዳማይ ምፍንጃር ሰዓት 02:33 ከጋጥም ከሎ እቲ ካልኣይ ድማ ድሕሪ ሓደ ደቒቓ ከምዘጋጠመ ሓቢሩ። ብመስረት ወሃቢ ቃል ከፍሊ ምክልካል ሓደጋ ባርዕ ፍረደሪክ ደክላንድ ን ኣገልግሎት ዜና …

Read More »

ሽወደን ንውጥን ኣውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ክሊማ እምቢታኣ ትገልጽ።

መራሕቲ ኣውሮጳዊ ሕብረት ካብ ፋብሪካታት ዝወጽእ ትኪ ብምጒዳል ኣብ ጒዳይ ክሊማ ናይ 1 ትሪልዮን ክሮና ወፍሪ ክገብሩ ከም ዝደልዩ ተገሊጹ።፡ ኲለን ሃገራት ገንዘብ ክረኽባ ይግብአን እዩ። ሽወደን ናይ 600 ሚልዮን ክሮና ክትረክብ እያ ተባሂሉ’ሎ። መንግስቲ ሽወደን ግና ኣብዚ ኣብያኡ ገሊጹ’ሎ። ኣውሮጳዊ ሕብረት ክንድዚ ዝኣክል ገንዘብ ክስልዕ ኣየዋጽኦን እዩ፥ ስለዚ ድማ ንኻልእ ጒዳይ ክዓቚር ይግብኦ። ኣውሮጳዊ ሕብረት ዘየለ ገንዘብ ከመቓርሕ ኣይክእልን …

Read More »

ገለ ምምሕዳራት ክፍሊ ከተማ ስቶክሆልም ልመና ክኽልከል ንዘውጽኦኦ ሕጊ ይግባይ ተባሂሉሉ።

ገለ ምምሕዳራት ክፍሊ ከተማ ስቶክሆልም ልመና ክኽልከል ንዘውጽኦኦ ሕጊ ይግባይ ተባሂሉሉ። ብርክት ዝበላ ክፍሊ ምምሕዳራት ስቶክሆክም ልመና ንዝኽልክል ሕጊ ኣብ ቅድሚ ቤት-ፍርዲ ምምሕዳር ይግባይ ምሕታተን ተገሊጹ። ቅድሚ ሓደ ዓመት ልመና ዝእግድ ሕጊ ኣብ ምምሕዳራት ከተማ Lidingö, Täby, and Danderyd ከም እተስገደደ ዝዝከር እዩ። እንተኾነ ግና ልመና ከቋርጽ ከም ዘየተራእየ ድማ ተመልኪቱ። ካብ ዓቃባዊ ሰልፊ ዝተረኽበ ኣፈኛ ቆንስል ምምሕዳር Lidingö Daniel …

Read More »

ኣብ 2019 ኤጀንሲ ማይግሬሽን ልዕሊ 400 ጒዳያት ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ኣቃሊዑ።

ኣብ 2019 በዓልመዚ ኢሚግሬሽን 481 ሰባት ብዘይሕጊ ናይ ምስጋር ንጥፈታት ብጠርጠራ ተታሒዞም ምህላዎምን እዚ ድማ ምስ ናይ ዓሚ እንክነጻጸር ብ 100 ከም ዝዓቢ ተገሊጹ። ኮፒ ናይዚ ጸብጻብ ዝበጽሓ ሓላፊት ክፍሊ ፕረስ እቲ በዓልመዚ ሊሳ ሆልተን ክኑታስ ” እዚ ዘይሕጋዊ ተግባት ብጠርጠራ ኣብ ምሓዝ ኣሰራርሓና ኣመሓዩሽና ኣሎና” ኢላ። ጻዕርታት በዓልመዚ ኢሚግሬሽን ሰራሕተኛታቱ ዝያዳ ኣጠራጠርቲ ንጥፈታት ዘይሕጋዊ ምዝውዋር ሰብ ንኸለልዩ ከም ዝሓገዞም …

Read More »

ክፍሊ ኢመግረሽን ን ግዝያዊ መንበሪ ፍቃድ ናብ ቀዋሚ ዝቀየረሉ መንገዲ መብሪሂ ይህብ።

ብውሑዱ ንኽልተ ዓመት ዝጸንሕ ፍቓድ ስራሕ ንግዜያዉ መንበሪ ናብ ቀዋሚ መንበሪ ክቕይሮ ይኽእል እዩ ክብል ክፍሊ ኢሚግሬሽን መብርሂ ሂቡ። በዓልመኢ ኢሚግሬሽን ግዜያዊ መንበሪ ናብ ቀዋሚ መንበሪ ብዛዕባ ክቕየረሉ ዝኽእል ኣገባብ መብርሂ ሂቡ። ናይ ስራሕ ፍቓድካ እተሐድሰሉ ግዜ ነብስኻ እትኣልየሉን እዞም ዝስዕቡ ረቓሒታትን ዘማልእ ስራሕ ምስ እትረክብ ግዜያዊ ፍቓድካ ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ክወሃበካ ይኽእል እዩ ይብል እቲ መብርሂ። እቶም ዝተጠቕሱ ረቛሒታት …

Read More »

ሃገራዊ ኲባንያ ፖስታ ሽወደን ፖስትኖርድ ሓደጋ ክሳራ የንጸላልዎ’ሎ ተባሂሉ።

ስቶክሆልም፡—- መንግስቲ ሽወደን ናይ መድሕን ጥርኑፍ ውጥን እንተ ዘይመዲብሉ ኲባንያ ፖስታ” ፖስትኖርድ” ብምኽንያት ንድየት ወይ ጥፈሻ ኣብ ሓደጋ ክወድቕ ከም ዝኽእል ተገሊጹ። ኣደ መንበር እቲ ኲባንያ ኣኒማሪ ጋርድሾል እዚ ሓበሬታ ሓቂ ምዃኑ እኳ መረጋገጺ እንተሃበት ተወሳኺ ሓበሬታ ካብ ምሃብ ተቘጢባ’ላ። ገርድሹል እዚ ኲባንያ ምስ ብድሆታት ዲጂታላዊ ቴክኖሎጂ ብዝምክት ኣገባብ ንኣሰራርሓኡ ክቕይር ከም ዝግባኦ ድማ ኣመልኪት። ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሓምለ እዚ …

Read More »

ካብ ማልሞ ናብ ኮሎን (ጀርመን) ዝወስድ መንገዲ ብባቡር ንምርኻብ ናይ ፈለማ ስራሕ ክኸውን እዩ ተባሂሉ።

ምምሕዳር ትራንስፖርት ሽወደን ካብ ማልሞ ናብ ኮሎን ዝወስድ መንገዲ ባቡር ኣውሮጳ ብባቡር ንምርኻብ ናይ ፈለማ ስራሕ ክኸውን እዩ ክብሉ ሰብመዚ ገሊጾም። ብመሰረት ቃል ምምሕዳር ትርንስፖርት እዚ ናይ ስቶክሆልምን ሃንቡርግን መንገዲ ናይ ምሸታዊ ጒዕዞ ንምንዳይ ከም ዝሕግዝን ኣብ ቊጠባዊ ምውድዳር እዚ መስመራት ተወሳኺ መርመራ ክግበር ከም ዘድሊን ተሓቢሩ’ሎ። እዚ ስጒምቲ ዝመጸ መንግስቲ ሽወደን ብዛዕባ ናይ ነፈርቲን ኣዋጻእነተንን ንዝመጽእ ወርሒ ሚያዝያ መጽናዕቱን …

Read More »

ሓደ ግጉይ ቀለም እተቐብአ ህንጻ ንመሐደሲኡ 20 ሚልዮን ክሮና ወዲኡ።

ሽወደናዊ መርበብ ሓበሬታ ጒዳያት ኣባይቲ Hem & Hyra for ሓደ ህንጻ እተቐብኦ ቀለም ካብ ኦሞዲታ ዝከላኸል ብዘይምዃኑ 20 ሚልዮን ክሮና ክኸፍሉ ምግዳዶም ገሊጹ። እዚ መርበብ ሓበሬታ እዚ ህንጻ ኣብ ኔንስቬግ ( Nynäsvägen) 40 – 44 ዝርከብ ኮይኑ ብሓደ ኲባንያ ህንጻ ከም ከም ዝተአብአን እንተኾነ ግና ብኦሞዲታ ድሕሪ ምዕናዉን እዩ እዚ ክፍሊት ኣብ ልዕሊኦም ዝተስገደደ።፡ እዚ ሃንኒየ ቦስታድ (Haninge Bostäder) ዘተባህለ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com