Sunday , May 5 2024

ሽወደን ንውጥን ኣውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ክሊማ እምቢታኣ ትገልጽ።

መራሕቲ ኣውሮጳዊ ሕብረት ካብ ፋብሪካታት ዝወጽእ ትኪ ብምጒዳል ኣብ ጒዳይ ክሊማ ናይ 1 ትሪልዮን ክሮና ወፍሪ ክገብሩ ከም ዝደልዩ ተገሊጹ።፡ ኲለን ሃገራት ገንዘብ ክረኽባ ይግብአን እዩ። ሽወደን ናይ 600 ሚልዮን ክሮና ክትረክብ እያ ተባሂሉ’ሎ። መንግስቲ ሽወደን ግና ኣብዚ ኣብያኡ ገሊጹ’ሎ። ኣውሮጳዊ ሕብረት ክንድዚ ዝኣክል ገንዘብ ክስልዕ ኣየዋጽኦን እዩ፥ ስለዚ ድማ ንኻልእ ጒዳይ ክዓቚር ይግብኦ።

ኣውሮጳዊ ሕብረት ዘየለ ገንዘብ ከመቓርሕ ኣይክእልን እዩ ክትብል ማግዳሊን ኣንደርሰን ገሊጻ። ሚኒስተር ፋይናንስ መንግስቲ ሽወደን ንኣውሮጳዊ ሕብረት ዝያዳ ገንዘብ ክንከፍል ኣይንደልን ኢና። ስለዚ ድማ ብዙሕ ክሳራ ንዘለዎ ጒዳይ መልስና ኣይፋል እዩ ክትብል ንሬድዮ ሽወደን ሓቢራ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com