Sunday , April 28 2024

ፋውንዴሽን ቢል ጌትስ ንሽወደናውያን ኪኢላ መሕረስቲ ንኣፍሪቃውያን ከማኽራ ሓጽዩወን።

እቲ ኣብ ዓለምና ዝዓበየ ናይ ረድኤት ትካል ምዃኑ ዝንገረሉ ቢልን መሊንዳ ጌትስን ፋውንዴሽን መሕረስቲ ሽወደን ኣብ ደቡባዊ ኣፍሪቃ ኣገልግሎት ክህባ ሓጽዩወን ይበሃል ኣሎ። ኣብ ክፍሊ ጥዕና መፍረ ትካል ካሮሊንክስካ ተሓጋጋዚት ፕሮፌሰር ዝኾነት ሄለና ሊንድግረን በዚ ውሳነ ሕጒስቲ ምዃናን ኣሕረስቲ ሽወደናውያን ዘለወን ፍሉይ ብቕዓት ዝተመስከረሉን ኣጋጣሚ እዩ ክትብል ነቲ ውሳነ ገሊጻቶ’ላ። ንሳ ምስ ሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መሕትት ” ካብ ሽወደን ተጠቃሚት ኮይነ ንኻልእ ሃገራት ክጠቅም ምኽኣለይ ዓቢ ሓጎስ ይስማዓኒ” ኢላ። እዚ ትካል ብዛዕባ ሽወደን ስታቲስቲካዊ ሓበሬታ ክወስድ ከም ዝጸንሐን በዚ ድማ ኣብ ውሳነ ምብጽሑን ብወዝቢ ከም ዘይወሰንነ ድም ኣብሪሃ። ዝመጽእ ዓመት ትካል ካሮሊንስካ ናብ ሾብዓተ ሃገራት መሕረስቲ ክልእኽ ምዃኑን ብዛዕባ ምሕራስን ኣተኣላልይያ ዕሸላት ፍልጠት ዝህነጸሉ ኣገባብ ከስፍሑን ምዃኖም ድማ ተፈሊጡ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com