Monday , May 13 2024

ኣብ ሽወደን ብርቱዕ ጉንፋዕ ኣብዚ ክራማት ምጅማሩ ተገሊጹ።

ብመሰረት በዓልመዚ ህዝባዊ ጥዕና ኣብዚ ክራማት ዝኽሰት ብርቱዕ ጉንፋዕ ምጅማሩን ኣብ ከባቢ ኖርላንድ ብፍላይ ኣበርቲዑ ክኽሰት ከም ዝኽእለን ገሊጹ። ዛጊት እንታይ ዓይነት ዓባይ ሰዓል ክኽሰት ከም ዝኽእል እኳ እንተዘይተነጸረ ዛጊት ካብቶም 78 ሕሙማት ኢንፍሉዊንዛ ኤ ከም ዝሓመሙ ኣመልኪቱ’ሎ።

ስለዚ ድማ ነፍሰጾራትን ልዕሊ 65 ዝዕድሜኦምን ገለ ሕዱር ሕማማት ዘለዎምን ብኣግኡ ክታበት ክወስዱ እቲ በዓልመዚ ጸዊዑ’ሎ። ” እዚ ክታበት ክሰርሕ ክልተ ሳምንቲ ይወስደሉ እዩ፥ ስለዚ ብህጹጽ ንከተብ” ክትብል ሳራ ካርናሃን ኣብ ዝሃበቶ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢራ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com