Monday , May 13 2024

ስቶክሆልም ኣምፊታሚን ዝበሃል መድሃኒት ብምህላኽ ካብ ከተማታት ኣውሮጳዊ ሕብረት ቀዳመይቲ እያ ተሰሪዓ።

ስቶክሆልም ኣምፊታሚን ዝበሃል መድሃኒት ብምህላኽ ካብ ከተማታት ኣውሮጳዊ ሕብረት ቀዳመይቲ እያ ተባሂሉ። ኣብ ክልተ ሳምንታት ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ከተማ ስቶክሆልም ናይ ርስሓት ማያት ክምርመር ከም እተገብረን በዚ ድማ ኣብ ሽወደን እዚ መድሃኒት ብብዝሒ ከም ዝሃልኽ ክረጋገጽ ከም እተኻእለን ውድብ ምቊጽጻር መድሃኒት ኣውሮጳ ገሊጹ።

እቲ መርመራ ከም ዘመልክቶ ብማእከላይ ገምጋም ካብ ሽሕ ሰባት 675 ሚሊግራም ኣምፊታሚን መዓልታዊ ከም ዝወስዱን ኣብ ዝተረፋ ከተማታት ኣውሮጳዊ ሕብረት እቲ መጠን ካብ 450 ሚሊግራም ከም ዘይሓልፍ እዩ ተገሊጹ። በዚ ድማ ናይ ስቶክሆልም ሕልፍ ዝበለ ምህላኽ እዚ መድሃኒት ከም ዘገረሞ ገሊጹ’ሎ–እቲ ትካል።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com