Monday , May 20 2024

ሃገራዊ ዜና

ማእከላይ ባንክ ሽወደን ናይ ኤለትሮኒክ ክሮና ባጤራ ኣገልግሎት ፈተነኡ ጌሩ።

ሽወደን ፋልመይቲ ናይ ዲጂታል ባንክ ኣገልግሎት ንምሃብ ቀዳማይ ፈተነኣ ጌራ’ላ። እዚ ፈተነ ዕዉት እንተኾይኑ ኣብ ክፍሊት ምዕቋርን ምውጻእን ባጤራ ብምውዓል ገንዘብ ካብ ማሕፉዳ ናብ ሞባይል ኣፕሊኬሽን ንምስግጋር ከም ዝቕጽል ኣመልኪቱ። ኣብ ዝሓለፈ ጥሪ ማእከላይ ባንክ ብሪጣንያ ዩሮዞን ጃፓንን ስዊዘርላንድን ዲጂታል ባጤራ ተግባራዊ ንምግባር ይንቀሳቐሳ ምህላወንን ድማ ተመልኪቱ’ሎ። ምንቊልቋል ካሽን ካብ ሊብራ ፌስቡክ ዝመጸ ሓያል ውድድርን ባንካታት ናብ ዲጂታላዊ ባጤራ ንኽዘዝዋ …

Read More »

ዋሕዚ ሓተትቲ ዕቚባ ኣብ ምውሳኽ ውዱብ ገበን ግደ የብሉን ተባሂሉ።

ፍርቂ ካብቶም ውዱባት ገበን ዝመርሑ ዘለዉን ኣብ ቀረባ እዋን ብክትትል ፖኪስ ካብ እተታሕዙን ውልቀሰባት ሽወደናውያን ምዃኖም ጋዜጣዊ መርመራ ኣረጋጊጹ። እዚ ብጋዜጠኛ ኤልስፕረሰን ፍሬድሪች ጆሾልት እተኻየደ ክትትል 15 ካብቶም 32 መራሕቲ ውዱባት ገበን ኣብ ሽወደን እተወልዱ ምዃኖም ኣረጋጊጹ’ሎ። ንሳ ኣብ መግለጺኣ እቶም ዝተረፉ ቅድሚ 20 ዓመታት ናብታ ሃገር ዝኣተዉ፥ ገሊኦም ከኣ ካብ ዓመተ 2000–2009 ምስ ስድራኦም ናብ ሽወደን ዝኣተዉ እዮም ክትብል …

Read More »

ኣሌክሳንደር ኢሳቅ ምስቶም ኣርባዕተ ኣብ መጻኢ ን ሽወደን ስማ ዘጸውዑ ስፖርተኛታት ተባሂሉ ኣብ ቅድሚት ይስራዕ።

ንመጻኢ ኣብ ዝተፈላልየ ዓውዲ ስፖርት ንሽወደን ስማ ከጸውዕዋን ተስፋ ዘለዎም መንአሰያት  ካብ ዝተሰምዮ ኣርባዕተ ስፖርተኛታት ሓደ ወዲ 20 ዓመት ኣሌክሳንደር ኢሳቅ ብሙዃን ተሪቒሑ ። እዚ ምስ ስጳኛዊት ክለብ ርያል ሶሰይዳ ጹቡቕ ናይ ጸወታ ግዚኡ ዘሕልፍ ዘሎ መንእሰይ ሓደ ካብቶም ተጠመቲ ኣባላት ጋንታ ሽወደን ኮይኑ ኣብ ክራማት ንዝካየድ ውድድር ቻምፒዮን ሃገራት ኤውሮጳ 2020 ሽወደን ካብ ኣሌክስ ብዙሕ ከምትጽበ ኣብ ሽወደን ዝመደበራ …

Read More »

ካብ ዓሰርተ ኲባንያታት እተን ሾብዓተ ብሕጽረት ቦታ ስራሕ ይስቐያ ኣለዋ ተባሂሉ።፡

ኣብ ዝሓለፋ ክልተ ሳምንታት ሸሞንተ ሰብመዚ መንግስቲ 150 ዝተፈላለያ ከምኒ ኲባንያታት ህንጻ፥ ስነጽባቐን፡ መግቢን ጽገና ኣቕሑን ዝተሃንጻሉ ቦታን ድሕሪ ምምርማሮም እዮም ኣብ ከምዚ ዝበለ መደመደምታ በጺሖም ዘለዉ። ብመሰረት እቲ እዚ በዓልመዚ ኣከባቢ ዘውጽኦ መደምደምታ ሓደ ካብቲ ጠንቂ እዚ ኲነታት ግቡእ ውሕስነት ዘይህባ ማሺናት፥ ካብ ከይትወድቕ ውሕስነት ዘይህብ ብርኽ ዝበለ ስራሕን ካልእን ይርከብዎም። “ብሰንኪ ስራሕ ኣብ ሕደጋ ዝወድቕ ሰብ ክህሉ ፍጹም …

Read More »

በዓልመዚ ኢሚግሬሽን ናብ ዓዶም ክጥረዙ ዝተበየነሎም ሓተቲ ዕቑባ ክልቀቑ ወሲኑ።

ኣብ ዝሓለፋ ሒደት መዓልታት በዓልመዚ ኢሚግሬሽን 15 ናብብ ዓዶም ክስጐጒ ተበዪንሎም ዝነበሩ ሓተትቲ ዕቚባ ካብ ማእከላት ኣገልግሎት ኢሚግሬሽን ክልቀቕይ ምግባሩ ተፈሊጡ። እቲ ናይ ምስጓጒ ኣገባብ ብመሰረት ውሳነ ቤትፍርዲ ስደተኛታት ክልተ ሓተትቲ ዕቚባ ካብ ማእከላት መሐየሪ ክልቀቑ ዘሕለፎ ውሳነ ምዃኑ ተሌቪዥን ሽወደን ሓቢራ። እቲ ውሳነ ብመሰረት መትከልት ኣውሮጳዊ ሕብረት ዝተዋህበ ኰይኑ ሓተትቲ ዕቚባ ክሕየሩ ዘይፈቅድ ምዃኑ ይፍለጥ። ኣብዘን ክልተ ፍርዳዊ ጒዳያት …

Read More »

ብርክት ዝበላ ሆስፒታላት ሽወደን ብቕዓት ዘይብሎም ሓካይም ክሰርሑ ከም ዝገድፋኦም ተገሊጹ።

ኣብ 55 ሆስፒታላት እተኻየደ ዳህሳስን ሰነዳዊ ፊልም ካሊበርን ከም ዘመልክትዎ ብቕዓት ዘይብሎም ሓካይም ገና ሕሙማት ኣብ ምእላይ ይነጥፉ ኣለዉ። ኣባላት ኣብ ምቚጻር ዘሎ ሽግራት ክትትል ዘይግበረሎም ሓካይም ንኽህልዉ ጥጡሕ ባይታ ምፍጣሩ ድማ ተመልኪቱ። እቲ ካሊብር ዘዳለዎ ሰነዳዊ ፊልም ብዛዕባ ሓደ ኣብ ተመሳሳሊ ዛዕባ ዘጋጠመ ጒዳይ ሕማማ ብጌጋ ተጊርዋ ሰለስተ ሳዕ ምምልላሳን ኣብ መበል ራብዓይ ሉኬምያ ምዃኑ ምርግጋጻን ትሕብር። እቲ ሆስፒታል …

Read More »

መጠነ ዕብየት ህዝቢ ሽወደን ካብ ዓመት ናብ ዓመት እንዳኣንቆልቆለ ይመጽእ ከምዘሎ ተሓቢሩ።

ካብ 2013 ጀሚሩ መጠነ ዕብየት ብዝሒ ህዝቢ ሽወደን እንዳኣንቖልቆለ ምምጽኡ ተገሊጹ። ብመስረት ዝወጸ ሓዱሽ ስታትስትክስ ብዝሒ ህዝቢ ሽወደን ብመጠኑ እዃ እንተወስከ፣ ዓመታዊ መጠነ ዕብየት ግን ካብ 2013 ኣዝዮ ይጎድል ሙህላዊ ሰብ መዚ ይገልጹ። ብመስረት ማእከል ስታትስትክስ ሽወደን ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ 2019 ብዝሒ ህዝቢ ሽወደን 10,327,589 ክኸውን ከሎ ምስ ዝሓልፈ ዓመት ክነጻጸር ከሎ 97,404 ጥራይ ብምውሳኽ፣ ካብዚኦም ብዝሒ ደቂ ተባዕትዮ 53,376፣ …

Read More »

ኣብ መላእ ሽወደን በረድን ዝናብ ዝዓብለሎ ኩነታት ኣየር ኣብዚ ዝቕጽል መዓልታት ክህሉ ትጽቢት ይግበር።

ብመሰረት ኣገልግሎት ሜትሮሎጂ ሽወደን ኣብዘን ዝቕጽላ መዓልታት ኣብ ደቡባዊ ክፈል ዝናብ ኣብ ሰሜናዊ ክፍላ ድማ በረድ ክህሉ ሙዃኑ ይትንበ። በዚ መሰረት ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ሽወደን ብፍላይ ዞባታት ጎትላንድን ስቨያላንድ ብብዝሒ ዝናብ ክህሉ ሙኻኑን ዝበረትዔ ብደርጃ መጠንቐቕታ ኣብ ካልኣይ ደርጃ ዝተሰርዔ ውሕጅ ዝዓብለሎ ዝናብ ድማ ኣብ ከባቢታ ምዕራብ ጎትላንድ (Västra Götaland),  ሃላንድs (Hallands), ዮንሾፒንግ (Jönköping), ክሮኖበርይ (Kronoberg) ከምእውን  och በኪንኘ (Blekinge)። …

Read More »

ኣብ ሽወደን ንመጀመርታ ግዜ ካብ ዝሞተ ሰብ ዕዉት ምስግጋር ኣካሊት ስርዓተ ማህጸን ተሳሊጡ።

ብልገሳ ካብ ሓደ ሬሳ ዕዉት ምስግጋር ስርዓተ ማህጸን ምክያዱን እታ ሰበይቲ ኣብ ኣዝዩ ጽቡቕ ኲነታት ጥዕና እኳ እንተሃልወት ድቂ ክትሕዝ ክሳብ ዝመጽእ ዓመት ምጽባይ ከም ዘድልያ እቶም ሓካይም ገሊጾም። እዚ ምስግጋር ኣካሊት ዓሚ ዝተፈጸመ ዀይኑ እታ ሰበይቲ ኣብ ሰላሳታት ከም እትርከብን ክልተ ኣዋርሕ ድሕሪ መብጣሕቲ እውን ኣብ ጽቡቕን ዘተኣማምንን ጥዕና ምህላዋ ተገሊጹ እቲ መጥባሕቲ 10 ሰዓታት ዝወሰደ ኰይኑ ሓደጋ ከስዕብ …

Read More »

ኣብ ራስያ እተዋፈሩ ብርክት ዝበሉ ሰባት ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣርላንድ ተታሒዞም ተባሂሉ።

ፖሊስ ኣብ መርበብ ሓበሬታኦም ኣብ ዝዘርግሕዎ ዜና ኣብ ወርሓ ታሕሳስ ናይ ዝተሰናበትናያ ዓመት ኣብ ኣህጒራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኣርላንድ ገበን ዝፈጸሙ ብርክት ዝበሉ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዉ ገሊጹ’ሎ። እቲ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ናይ ምእታው መስርሕ ከም ዝጀመረን ብውዱብ ምትሕብባር ኣካላት እቲ ስራሕ ክሳለጥ ምኽኣሉን ፖሊስ ኣመልኪቶም። “ዝሰፍሐ መርመራ ጀሚርና ብምህላውና ቀጻሊ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣትዉ ሰባት ክህልዉ እዮም” ክትብል ሓላፊት …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com