Saturday , May 11 2024

ኣብ ሽወደን ንመጀመርታ ግዜ ካብ ዝሞተ ሰብ ዕዉት ምስግጋር ኣካሊት ስርዓተ ማህጸን ተሳሊጡ።

ብልገሳ ካብ ሓደ ሬሳ ዕዉት ምስግጋር ስርዓተ ማህጸን ምክያዱን እታ ሰበይቲ ኣብ ኣዝዩ ጽቡቕ ኲነታት ጥዕና እኳ እንተሃልወት ድቂ ክትሕዝ ክሳብ ዝመጽእ ዓመት ምጽባይ ከም ዘድልያ እቶም ሓካይም ገሊጾም። እዚ ምስግጋር ኣካሊት ዓሚ ዝተፈጸመ ዀይኑ እታ ሰበይቲ ኣብ ሰላሳታት ከም እትርከብን ክልተ ኣዋርሕ ድሕሪ መብጣሕቲ እውን ኣብ ጽቡቕን ዘተኣማምንን ጥዕና ምህላዋ ተገሊጹ እቲ መጥባሕቲ 10 ሰዓታት ዝወሰደ ኰይኑ ሓደጋ ከስዕብ ይኽእልዩ ዝብል ስግኣት ከም ዝነበሮም እቶም ሓካይም ወሲኾም ገሊጾም ኣለዉ።

ኣብ ዓለም ፋልማይ ምስግጋር ኣካሊት ማህጸን ኣብ 2014 ሟብ ሽወደን እዩ ተፈጺሙ፥ ብኸምዚ ኣገባብ ትሽዓተ ቆልዑ ተወሊዶም ምህላዎም ከኣ ይፍለጥ። ለገስቲ ማህጸን ዘመድ ወይ ኣደ እታ ደልዪት ማህጸን ስለ ዝነበረ ድም ካብ መዋቲት ዝተለገሰ እዚ ናይ ፈልማይ ምስ ምዃኑ ፍሉይ ጌርዎ ኣሎ።

View Post


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com