Sunday , May 12 2024

ብርክት ዝበላ ሆስፒታላት ሽወደን ብቕዓት ዘይብሎም ሓካይም ክሰርሑ ከም ዝገድፋኦም ተገሊጹ።

ኣብ 55 ሆስፒታላት እተኻየደ ዳህሳስን ሰነዳዊ ፊልም ካሊበርን ከም ዘመልክትዎ ብቕዓት ዘይብሎም ሓካይም ገና ሕሙማት ኣብ ምእላይ ይነጥፉ ኣለዉ። ኣባላት ኣብ ምቚጻር ዘሎ ሽግራት ክትትል ዘይግበረሎም ሓካይም ንኽህልዉ ጥጡሕ ባይታ ምፍጣሩ ድማ ተመልኪቱ። እቲ ካሊብር ዘዳለዎ ሰነዳዊ ፊልም ብዛዕባ ሓደ ኣብ ተመሳሳሊ ዛዕባ ዘጋጠመ ጒዳይ ሕማማ ብጌጋ ተጊርዋ ሰለስተ ሳዕ ምምልላሳን ኣብ መበል ራብዓይ ሉኬምያ ምዃኑ ምርግጋጻን ትሕብር። እቲ ሆስፒታል ብዛዕባዚ ቃለመሕትት ክገብር ፍቓደኛ ዘይምዃኑ ኣንተኾነ ስድራቤት ኦዚ ብዙሕ ክመላለሱ ምግባሩ ከም ዘሕዘኖ ኣብ ዝለኣኾ ናይ ኢሜል ድብዳቤ ገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com