Monday , May 20 2024

ሃገራዊ ዜና

ትሕቲ ዕስራ ዝዕድሚኦም ኰተቴ ዝፍጽምዎ ገበናት ምስ ምብዝሑ ሞደራትና ትርር ዝበለ ሕጊታት ክትግበር ጻውዒት የቐርቡ።

ትሕቲ ዕስራ ትሕቲ ዕስራ ዝዕድሚኦም ኰተቴ ዝፍጽምዎ ገበናት ስርቂ፥ ጎነጽን ምስ ምብዝሖም ሰልፊ ሞደራትና ትርር ዝበለ ሕጊ ኣብ ትግባረ ክውዕል ጻውዒቶም ኣቕርቦም ኣለዉ። “ቆልዑ ከመይ ዝበለ ገበናት ተጻዊሮም ይነብሩ ምህላዎም ዛጊት ዝግባእ ምርዳእ ዝረኸብና ኣይመስለንን። ግዳያት ስርቅን ራስያን ይኾኑ እዮም ዘለዉ” ክብል መራሒ እቲ ሰልፊ ኡልፍ ክሪስተርሰን ሎሚ ኣብ ዘዳለዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ። ገለ ካብቲ ሕጊ ንምጥባቕ ይሕግዝ እዩ ተባሂሉ …

Read More »

ሽወደን ሓምላይ ከባቢ ንምውሓስ ምንጪ ብከላ ንዝኾና መካይን ዒላም ዝገብረ ሕጊ ተውጽእ።

ሓድሽ ጸብጻብ ሃገራዊ ብዓልመዚ ኦዲት ከም ዘመልክቶ ጥዕና ከባቢ ኣየር ንምሕላው ብከላ ዘስዕባ መካይን ዘለወን ዝርግሐ ምጒዳልን ዋጋአን ዝለዓለ ምግባርን ከም ኣማራጺ ክሕዝ ምዃኑ ተገሊጹ።፡ ነዚ ዕላማ ካብ 2006 ኣትሒዙ ልዕሊ 13 ቢልዮን ክሮነር ዝኣክል ማል ምፍሳሱን እዚ ድማ ገለ ዘዕግ ውጽኢት ከም ዝተረኽቦን ተገሊጹ’ሎ። ሓላፊት እዚ ፕሮጀክት ሲሲልያ ኬልበርግ ምስ ሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝገበርቶ ጻንሒት ንከባቢ ኣየር ምቹኣት ዝዀና …

Read More »

ሓደ ህጻን ብሸለልትነት ኣስናኑ ብምስኣኑ ወላዲቱ ናብ ቤትፍርዲ ቀሪባ።

ኣብ ምምሕዳር ከተማ ቲምሮ ዞባ ዌስተርኖርላንድ እትቕመጥ ሰበይቲ ብምኽንያት ጒድለት ጽሬት ህጻን ወዳ 16 ካብ ኣስናኑ ብምስኣኑ ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪባ። እታ ኣደ ንወዳ ግቡእ ክንክን ንጽህና ትገብረሉ ምህላዋ ብምንጋር ንኣገልግሎት ጥዕና ኣርባዕተ ዓመታት ዝኣክል ክተታልል ምጽንሓ ንኣኽባር ሕጊ ኢዳ ኣንቺድ ብምጥቃስ ጋዜጣ ሱንዱስቫል ቲድኒንግ ሓቢራ’ላ። እቲ ህጻን ድማ መጥባሕቲ ኣስናን ክግበረሉ ዘገድድ ኲነታት ጥዕና ከም ዘጋጠሞ እታ ጋዜጣ ወሲኻ …

Read More »

ቀዳማይ ሚንስተር ሉፈን ምስ ዝሕታለ ሰልፉ ዝተላዕለ ተፈታውነቱ ለጠቕ ምባሉ ተገሊጹ።፡

ጋዜጣ ኣፍቶንብላዴት ኣብ ዘካየዶ ዳህሳስ ሉፈን ዝውክላ ሰልፊ ማሕበራዊ ዴሞክራሲ ኣብ ደቡባዉ ኣውራጃ ስኮነ ብዙሓት ደገፍቲ ምኽሳሩ ኣመልኪቱ። ብመሰረት እቲ ዳህሳስ ገለ ኣድመጽቲ ቅድሚ ምርጫ ሉፈን ብኻልእ ኣባል ክትካእ ዝብል ሓሳብ ኣቕሪቦም ኣለዉ። “ኣባላት ሰልፊ ንፈለማ ግዜ እዮም ብቓልዕ ንሉፈን ብኸምዚ ኣገባብ ክነቕፍዎ ዝረኣዩ ዘለዉ” ክትብል ኣባል ተቓዋሚ ሰልፊ ኤስታድ ሙኒሲፓል ካውንስል ሰሲልያ ማግኑሰን ስፍራድ ነታ ጋዜጣ ሓቢራ። ኣብ ሉፈን …

Read More »

ብምኽንያት ተላባዒ ሕማም ኮሮና ገለ ስራሓት ኣብ ሽወደን ይጠፍእ ምህላዉ ተገሊጹ።

ፕረሲደንት ንግዳዊ ቻምበር ስቶክሆልም ኣንድርያስ ሃትዚገርጊዩ ብዛዕባ ምስፍሕፋሕ ቫይረስ ኮሮናን ኣብ ዕቤት ዕዳጋ ሽቕለትን ቊጠባን ኣሉታዊ ጽልዋ ከስፍን ተኽእሎ ከም ዘለዎን ኣጠንቂቑ። ንሱ ምስ ተሌቪዥን ሽወደን ኣብ ዝገብሮ ቃለመሕትት ምስፍሕፋሕ እዚ ቫይረስ ብዙሕ ስራሕ ንኽዕጾ ምኽንያት ይኸውን ምህላዉ ገሊጹ’ሎ። ሽወደን እንተስ ብጽቡቕ ወይ ብሕማቕ ብግሎባላዊ ምዕባለታት ተጸላዊት ሃገር እያ ድማ ኢሉ። ብዙሓት ኣህጒራዊ ንጥፈት ዘካይዱን ኣብ ሽወደን ጨናፍሮም፡ዝኸፈቱን ትካላት ድሮ …

Read More »

ብኣጠቓቕማ ኢንተርኔት ሽወደናውያን ኣብ ቅድሚት ይስርዑ።

ካብ ሃገራት ኤውሮፓዊ ሕብረት ብዝሒ ተጠቀምቲ ኢንተርነት ምስ ብዝሒ ህዝቢ እታ ሃገር ብምውድዳር ካብ መላእ ሃገራት ኤውሮፓዊ ሕብረት፡ ሽወደናውያን ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ከም ዝስርዑ ካብ ዩርስታት ዝተረኽበ ናይ ዓመተ 2019 ጸብጻብ ሓቢሩ። ኣብ ሽወደን ኣስታት 98% ካብ ሽወደናውያን ኢንተርኔት ተጠቂሞም። ኣብ ቀዳሞት ሰለስተ ኣዋርሕ ናይ ዝሓለፈ ዓመት 87% ካብ ኣብ መላእ ኤውሮፓዊ ሕብረት ዝነብሩ ሰባት ኢንተርኔት ከምተጠቀሙን መብዛሕትኦም ድማ ኣብ …

Read More »

ቆንስላት ሕጊ ኣብ ልዕሊ ገበነኛታት ትሕቲ ዕድመ ኰተቴ ብዛዕባ ክውሰድ ዝግብኦ መቕጻዕቲ ዛዕባ ንዝገበረ እማመ ተዛትዮምሉ።

መንግስቲ ሽወደን ነቲ ገበነኛታት ኰተቴ ብሕጊ ተቐጻዕቲ ዝዀኑሉ እማመኡ ሎሚ ን ቆንስላ ሕጊ ምቕራቡ ተፈሊጡ። እቲ እማመ እዞም ገበን ዝፍጽሙ ኰተቴ ኣራሚ ናይ ሕጊ መቕጻዕቲ ንኽወሃቦም ዝደፍእ እዩ ተባሂሉ’ሎ። ገለ ካብዞም መቕጻዕቲታት ናብ ገለ ቦታታት ንኸይከዱ፥ ኣብ ትሕቲ መርመራ ንኽጸንሑን ኣብ ቀዳመ ሰንበት ክሕየሩን ዝገብር ውሳነታት ምሕላፍ ከም ዘጠቓልል ሚኒስተር ፍትሒ ሽወደን ሞርጋን ጆንሰን ገሊጹ። እዚ ኣገባብ መቕጻሕቲ ገበን ንዝፍጽሙ …

Read More »

በዓልመዚ ቀረጽ ኣብ ልዕሊ ኲባንያታት ጽሬት ዝነበሮ ቊጽጽር ከም ዘሐየሎ ይግለጽ ኣሎ።

በዓልመዚ ቀረጽ ኣብ ኲባንያታት ጽሬት ዘይሕጋውያን ቊጹራት ምህላዎም ዝሕብር ጸብጻብ ድሕሪ ምርካቡ ኣብ ልዕሊዘን ኲባንያታት ዝነበሮ ቊጽጽር ከም ዘሐየሎ ይግለጽ ኣሎ። ንዘይካዚ እቲ በዓልመዚ ዝተማልአ ቊጽጽር ንምስላጥ ምስ ካልኦት ክፍሊታት ብጥምረትን ብምትሕግጋዝን ክሰርሕ ምዃኑ ኣመልኪቱ’ሎ። ኣብቲ ጽሬት ዝካየደሉ ከባቢ ምስ ፖሊስን ሰብመዚ ኣከባቢን ብምትሕብባር እዚ ሓድሽ ስጒምቲ ናይ ምትግባር ስራሕ ከም ዝጅመር ድማ እቲ በዓልመዚ ሓቢሩ’ሎ።፡ “ድሕሪዚ ኲባንያ ዘለዉ ሰራሕተኛታትን …

Read More »

ሓበሬታ ንተቐማጦ ቦሮስ ኣብ ከባቢኹም ዕልቕልቕ ማይ ስለዘጋጥም ዝያዳ ጥንቓቐ ክትገብሩ ይሕበር ።

ብመሰረት ሓበረታ ኣገልግሎት ሜትሮሎጂ ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ደቡባዊ ክፋል ሽወደን ከምቢድ ዝናብ ይሃርም ብምህላዉ ኣብ ብዙሕ ቦታታት እዚ ክፋል ድማ ዕልቕልቕ ማይ ኣጋጢሙ ከምዘሎን ብፍላይ ቦረስ ዝያዳ ናይ ዕልቕልቅ ተጥቃዒ ስለ ትኸውን ተቐማጦ እዚ ከተማን ከባቢኣን ዝያዳ ጥንቃቀ ክትገብሩ ኣገልግሎት ሜትሮልጂ ይሕብር።

Read More »

ጽባሕ ሰሉስ ዝሃደኤ ኩነታት ኣየር ከምዝህሉ ኣገልጉለት ሜትሮሎጂ ይሕብር።

ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት ጀሚሩ ደንስ ዝተስመየ ህቡብላ ንፋስ ብ ከቢድ ዝናብ ተሰንዩ ኣብ ደቡባዊ ክፍላ ሽወደን ክነፍስ ዕንወት ድሕሪ ምጽንሑ ዕልቕልቕ ማይ ምፍጣሩን ከም ሳዕቤኑን ትራንስፖርት ስጋብ ምቑራጹን ብምጹሑ ብዙሓት ሰባት ከምዘዘናበለ ዝዝከር ኮይኑ. ሎሚ ሰኑይ ብመጠኑ ዝሓሽ ንፋስ ከምዝህሉን ጽባሕ ሰሉስ ድማ ዝሃደኤ ከምዝህሉ በዓል መዚ ሜትሮሎጂ ይሕብር።

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com