Saturday , May 11 2024

ሓደ ህጻን ብሸለልትነት ኣስናኑ ብምስኣኑ ወላዲቱ ናብ ቤትፍርዲ ቀሪባ።

ኣብ ምምሕዳር ከተማ ቲምሮ ዞባ ዌስተርኖርላንድ እትቕመጥ ሰበይቲ ብምኽንያት ጒድለት ጽሬት ህጻን ወዳ 16 ካብ ኣስናኑ ብምስኣኑ ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪባ። እታ ኣደ ንወዳ ግቡእ ክንክን ንጽህና ትገብረሉ ምህላዋ ብምንጋር ንኣገልግሎት ጥዕና ኣርባዕተ ዓመታት ዝኣክል ክተታልል ምጽንሓ ንኣኽባር ሕጊ ኢዳ ኣንቺድ ብምጥቃስ ጋዜጣ ሱንዱስቫል ቲድኒንግ ሓቢራ’ላ። እቲ ህጻን ድማ መጥባሕቲ ኣስናን ክግበረሉ ዘገድድ ኲነታት ጥዕና ከም ዘጋጠሞ እታ ጋዜጣ ወሲኻ ገሊጻ።

እታ ኣደ እንኮ ኣላዪት እቶ ቆልዓ ብምዃና ድማ ብዛዕባቲ ዘጋጠመ ጸገም ምሉእ ሓላፍነት ክትወስድ ከም እተገብረ ተፈሊጡ። እታ ሰበይቲ ምስቲ ብ” ሳምቦ” ዝፍለጥ ኣገባብ ዝተጻመደቶ ሰብ ዝነበራ ሕማቕ ተመኲሮን ዝወረዳ ግፍዕን ማህረምትን ንባህርያታ ጸልይዎ ክኸውን ከም ዝኽእል ብምትንታን መጻምዳ ብዘይካዚ ንብረታ ከም ዘዕነወላ ምግላጻ እንተኾነ ግና እቲ መጻምዳ ነበር ነዚ ክሲታት ከም ዝኸሓዶ እታ ጋዜጣ ወሲኻ ኣብሪሃ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com