Sunday , May 5 2024

ኣብ መላእ ሽወደን በረድን ዝናብ ዝዓብለሎ ኩነታት ኣየር ኣብዚ ዝቕጽል መዓልታት ክህሉ ትጽቢት ይግበር።

ብመሰረት ኣገልግሎት ሜትሮሎጂ ሽወደን ኣብዘን ዝቕጽላ መዓልታት ኣብ ደቡባዊ ክፈል ዝናብ ኣብ ሰሜናዊ ክፍላ ድማ በረድ ክህሉ ሙዃኑ ይትንበ።

በዚ መሰረት ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ሽወደን ብፍላይ ዞባታት ጎትላንድን ስቨያላንድ ብብዝሒ ዝናብ ክህሉ ሙኻኑን ዝበረትዔ ብደርጃ መጠንቐቕታ ኣብ ካልኣይ ደርጃ ዝተሰርዔ ውሕጅ ዝዓብለሎ ዝናብ ድማ ኣብ ከባቢታ ምዕራብ ጎትላንድ (Västra Götaland),  ሃላንድs (Hallands), ዮንሾፒንግ (Jönköping), ክሮኖበርይ (Kronoberg) ከምእውን  och በኪንኘ (Blekinge)። ስለዚ ሰባት ዝያዳ ኣብ ምንቕስቓሳቶም ዝያዳ ጥንቃቐ ክገብሪ ኪኢላ እዚ ዓውዲ ቶራ ቶማስዶቲር ይሕብር።

እዚ ኪኢላ ብምውሳኽ ብመጠኑ በረድ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ሽወደን ብፍላይ ኣብ ከባቢታት ኦንገርማንላንድ (Ångermanland), ሰሜናዊ ያምትላንድ (norra Jämtland) ከምእውን ገለ ክፋል ቬስተርቦተንን ኖርቦተትን ( delar av Västerbotten och i Norrbotten)። በዚ መስረት ብሳዕቤኑ ኣብ ደረጃ ሓደ  ዝተስርዔ ምንሽርታት ኣብ ቫርምላንድ ዳላርናን ክህሉ ሙዃንይ ይሕበር።

ብተወሳኺ ከብድ ንፍሳ ዝተሰነየ ኩነታት ኣየር  ካብ ዓርቢ ለይቲ ጀሚሩ ኣብ ከባቢታት ስኮነ፣ ጎትላንድ ከም እውን ኡላንድ(Öland) ክህሉን መጠነ ሙቀት ድማ ካብ ኣወንታ 2 ስጋብ ኣወንታ 6 ኣብ ከባቢታ ኡምዮን ኦስተርሹን ከይተረፈ ክህሉ ሙዃኑ እዚ በዓል መዚ ይትንበ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com