Saturday , May 11 2024

ሓላፊ በዓል መዚ ጥዕና ሽወደን ብዛዕባ ኮሮና ቫይረስ፡ ብናይ ሓሶት ውሕስነት ሰባት ከነህድእ ኣይንደልን ይብል።

ዝርጋሐ ኮሮና ቫይረስ ኣብ ዓመተ 2020 ክቕጽል ከምዝኽእል ሓላፊ በዓል መዚ ሽወደን፡ ዮሃን ካርልሶን፡ ገምጋሙ ገሊጹ። ሽወደን ንኣተሓሕዛ ናይቶም ካብ ዎሃን ቻይና ዝተመልሱ ሽወደናውያን ብዝምልከት ኣብ ዝነብርሉ ኣባይቲ ወለንታዊ ውሸባ ንኽገብሩ ኣፍቂዳትሎም ትርከብ። እዚ ኣገባብ ብብዙሓት ወገናት ከቢድ ነቐፌታ’ኳ እንተወረዶ ብወገን በዓልመዚ ጥዕና ሽወደን እቲ ጉዳይ ዝግባእ ምክትታል ይግበረሉ ከምዘሎ ብምግላጽ ንዝወርዶ ዘሎ ነቐፌታታት ከም ዝነጸጎ ምስ ስቨኒስካ ዳግብላዴት ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት ገሊጹ።

ፈረንሳ፡ ኣውስትራልያን ካልኦት ሃገራት ነቶም ካብ ዎሃን ቻይና ዝመለሰኦም ዜጋታተን ኣብ ፍሉይ ናይ ውሸባ ቦታታት ብምቕማጥ ዘድሊ ምክትታል ይገብራሎም ከምዘለዋ ይፍለጥ። ዝርጋሕ ኮሮና ቫይረስ ካብ መሰረቱ ንምቁጽጻር ዝካየድ ዘሎ ዘይሕለል ጻዕሪ ንሕብረተሰብ ዘህድእ ናይ ሓሶት ውሕስነት ኮይኑ ብኣሉታ ከይጸልዎ ስክፍትኡ ገልጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com