Saturday , May 11 2024

ኣብ እዋን ጥንሲ ሽጋራ ምትካኽ ድቂ ኣዕጽምቱ ክሰብር ተኽእሎ ከም ዘለዎ ተገሊጹ።

ኣብ ዩኒቨርሲቱ ኡሬቦ ዝተገብረን ኣብ ብሪቲሽ መዲካል ጆርናል ዝሰፈረን ሓድሽ ሕክምናዊ ዳህሳስ ከም ዘመልክቶ ኣብ እዋን ጥንሲ ምትካኽ ንጥዕና ድቂ ብኣሉታ ከም ዝጸሉን ኣብ ናይ ፈለማ ዕድሜኡ ዓጽሙ ናይ ምስባር ዕድሉ ከም ዘዛይድን ተገሊጹ። ነዚ መጽናዕቲ ኣብ ምድላው ዝተሓባበረትን ዋና ተሳታፊትን ሆላንዳዊት ዮዲት ብራንት ” ብዛዕባ ኣሉታዊ ሳዕቤናት ምትካኽ ኣቐዲሙ’ውን ሓበሬታ ጸኒሑና እዩ” ኢላ።

ንሳ ኣብ መዓልቲ 10 ሽጋራ ዘትክኻ ኣዴታት ናጽላአን ኣብ ቀዳማይ ዓመቱ ኣዕጽምቱ ናይ ምስባር ዕድሉ ብ 41% ዝዓበየ እዩ ኢላ። ኣብ መንጐ ኣሕዋት መጽናዕቲ ብምግባር እዚ ጐዳእነት ብተደጋጋሚ ፈተነ ክረጋገጽ ከም ዝኸኣለ ድም ወሲኻ ኣብሪሃ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com