Saturday , June 3 2023

ስፖርት

ጋንታ ኲዕሶ እግሪ ደቀንስትዮ ሽወደን ናብ 2023 ሓሊፋ።

ሃገራዊት ጋንታ ኲዕሶ እግሪ ደቀንስትዮ ሽወደን ትማል ምሸት ኣብ ስታድዬም ጋምላ ኡለቪ (ዮተበሪ) ኣብ ዝተኻየደ ግጥም ን ኣየርላንድ 1 ብሓደ 1 ውጽኢት ተፈላልያ። በዚ ድማ ናብቲ ኣብ 2023 ዝካየድ ግጥም ዋንጫ ዓለም ሓሊፋ’ላ። ኣብ መበል 79 ደቒቕ ተጻዋቲት ካሶቫረ ኣስላኒ ነታ ንጋንታኣ ማዕረ ዝገበረታ ሸቶ ብምምጋብ ንሽወደን ልዕሊ ኲለን ኮይና ክትሓልፍ ዝገበረታ ነጥቢ ክትረክብ ኣኽኢላታ እያ።

Read More »

ሃገራዊት ጋንታ ስዊድን ካብ ዋንጫ ዓለም ተገሊፋ።

ሃገራዊት ጋንታ ሽወደን ሎሚ ምሸት ኣብ ፖላንድ ምስ ሃገራዊት ጋንታ ፖላንድ ኣብ ዝገበረቶ ግጥም 2 ብ 0 ተሳዒራ ካብ ምጽራይ ውድ ድ ር ዋንጫ ዓለም  ተገሊፋ። ሃገራዊት ጋንታ ሽወደን ኣብ ዘካየደቶ ጸወታ ኣብ መስመር ምክልኻል ብዘጋጠመ ጌጋ ክትስዓር ከምዝበቀዐት ተንተንቲ ኩዑሶ እግሪ ገሊጾም።  

Read More »

ናስሉንድ ወርቂ መዳልያ ተዓዊታ።

ሽወደናዊት ሳንድራ ናስሉንድ ኣብ በይጂንግ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ዊንተር ኦሊምፒክስ ብውድድር ምንሽርታት በረድ ተዓዋቲት ወርቂ መዳልያ ኮይና። 25 ዝዕድሜኣ ናስሉንድ ኣብዚ ውድድር ካብ 11 ነተን 10 ብምዕዋት እያ ናይ መዛዘሚ ግጥም ሓሊፋ። “ንዂሎም ኣብዚ ጒዕዞ ምሳይ ዝነበሩን ዝሓገዙንን ኣዝየ ከመስግኖም እደሊ። ብሓቂ ዘሐብን እዩ” ክትብል ናስሉንድ ሓጎሳ ገሊጻ’ላ።

Read More »

ግጥም ቦርኪና ፋሶን – ኬፕ ቬርደን

ኣብ ሞንጎ እታ ኣብ ቀዳማይ ናይ ምድብ ጸወታ ን ካሜሮን ከረው ኣቢላታ ዝነበረት ግን ከኣ 3 ነጥቢ ዝኸሰረት ቦርኪና ፋሶን ኣብ ሞንጎ እታ ካብ ኢትዮጵያ 3 ነጥቢ ዝመንዘዐት ኬፕ ቬርደን ዝተኻየደ ግጥም ቦርኪና ዕደኦም ከም ዝመልሱ ገሚተ እየ ነዚ ጸወታ ተኸታቲለዮ፡ ከም ግምተይ ኬፕ ቬርዳውያን ቀለልቲ እኮ እንተዘይነበሩ ፖርኪናውያን ኣብ መበል 39 ደቒቕ ብ መገዲ ቦሪማ ባንደ ዝረኸብዋ ሽቶ ግን …

Read More »

ዋንጫ ኣፍሪቃ መዓስ ከም ዝተወልደ ትፈልጡ ዶ ?

source-https://www.cafonline.com/

ቁርሲ ቡን ዋንጫ ኣፍሪቃ ዋንጫ ኣፍሪቃ መዓስ ከም ዝተወልደ ትፈልጡ ዶ ? ዋንጫ ኣፍሪቃ በቶም ኣብ መጀመርያ ሓምሳታታ ዝነበሩ ብርጅዋታት ኣብ ማህጸን ማማ ኣፍሪቃ ተቐሚጡ ብ 1957 ኣበ ሃገረ ሱዳን እዩ ተወሊዱ። ኣብዚ ናይ መጀመርያ ውድድር ዋንጫ ኣፍሪቃ 3 ሃገራት እየን ተሳቲፈን እቲ መደብ 4 ሃገራት ክሳተፋ እኮ እንተነበረ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ በቲ ሽዑ ዝነበራ ናይ ኣፓርታይድ ፓሊሲ ኣብ ምውት ሰዓት …

Read More »

ዜናታት ስፖርት ዋንጫ ኣፍሪቃ 2022

ድሕሪ ድሙቕ መኸፈቲ ዋንጫ ኣፍሪቃ ናብ ሜዳ ዝወረዳ ኣአንጋዲት ዋንጫ ኣፍሪቃ 2022 ሃገራዊት ጋንታ ካሜሮንን ሃገራዊት ጋንታ ቦርኪናፋሶን እየን። ጸወታ ዝሕል ኢሉ እኮ እንተጀመረ ኣብ መበል 22 ደቒቕ ቦርኪና ዊ ናይ የማን ክንፊ ኣጥቃዓይ በርናንዶ ትራኦረ ዝኸሸና ናይ ማእከል መስመር ኣጥቃዓይ ጉስታቮ ሳንጋራ ንተጻውንትን ደገፍትን ካሜሮ ን ዘሰንበደት ኩዕሾ ምስ ሰኪዐት ጸንቢርዋ፡ ካሜሮን 0 ቦርኪናፋሶ 1 ጸወታ ድሕሪ ምቕጻል ትራኦረ …

Read More »

ግጥም ኣልጀርያ – ሴርራልዮን

ናይ ሎሚ ግጥም በታ ኣብ ዋንጫ ኣፍሪቃ 19 ግዜ ዝተሳተፈትን 2 ግዜ ዋንጫ ኣፍሪቃ ዘልዓለትን ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ግጥማት ዋንጫ ዓለም ብዘርኣይቶ ኒሕ ዝመልኦ ጸዋታ ብ ብዙሓት ኣፍሪቃውያን ዓቢ ተፈታውነት ዘለዋ ሃገራዊት ጋንታ ኣልጀርያን ን ሳልሳይ ግዜኣ (1994,1996) ጥራይ ዝተሳፈት ሴርራልዮንን እዩ ተጀሚሩ ። እዚ ግጥም ምስዚ ኣብ ላዕሊ ዝራኣናዮ ናይ ብቕዓትን ተሞክሮን ፍልልይ ኣልጀርያ ዝለዓለ ኢድ ክህልዋ ብዙሓት ዝገምትዎ …

Read More »

ግጥም ግብጽን-ናይጀርያ

ልክዕ ድሕሪ 2 ሰዓት ኣብ ሞንጎ 2 ኣርሓታት ዋንጫ ኣፍሪቃ ናይ ምድብ ግጥም ክካየድ እዩ። እዚ ግጥም ኣብ ሞንጎ እታ 7 ግዜ ዋንጫ ኣፍሪቃ ዝሰፈስፈትን ካብ ኣፍሪቃ ዝሓየለ ናይ ውሽጢ ሃገር ሊግ ዘለዋ ግብጽን፡ ኣብ ሞንጎ ታ 3 ግዜ ዋንጫ ኣፍሪቃ ዝሰፈሰፈትን ሃገራዊት ጋንታ ግብጽን፡ ኣብ ሞንጎታ 3 ግዜ ዋንጫ ኣፍሪቃ ዝሰፍሰፍትን ኣብ ዋንጫ ዓለምን ኦለምፒክን ጽቡቕ ሽም ዘለዋን ዝበዝሑ …

Read More »

ኣብ ግጥማት ዋንጫ ኣፍሪቃ ታሪኾም ብ ወርቂ ቀለም ዘወቀጡ ኣሰልጠንቲ

* ጋናዊ ቻርለስ ጊማፊ > (1963,1965,1982) ናይ መጀመርያ ሰለስተ ዋናጩ ዝዓተረ ኣሰልጣኒ። * ግብጻዊ ሓሰን ሸሓታ > (2006, 2008,2010) ናይ መጀመርያ ግዜ ሰለስተ ግዜ ኣከታቲሉ ዋንጫ ዝዓተረ ኣሰልጣኒ። * ግብጻዊ መሐመድ ኣልጀውሃሪ > (1959,1998) ናይ መጀመርያ ከም ተጻዋታይን ኣሰልጣንን ዋንጫ ዝዓተረ ገዲም ተጻዋታይን ኣሰልጣንን። * ናይጀርያዊ ስተፈን > (1994,2013) ካልኣይ ከም ኣሰልጣንን ተጻዋታይን ዋንጫ ዝዓተረ ህልው ኮኾብ ናይጀርያዊ። * ፈረንሳዊ …

Read More »

ግጥም ሞሮኮ1፡ ጋና 0

እዚ ግጥም ኣብ ሞንጎ እተን ነዚ ዋንጫ ሓሓሙሽተ ግዜ ዝሰፍሰፋን ነዚ ዋንጫ ብ ምሉእ ምድላዋት ዝቐርባን ዓቢ ዝናን ብዙሓት ደገፍቲ ዘለውወን ሃገራውያን ጋንታታት ሙዃኑ ኣዝዩ ተሃራፍን ብዙሕ ተዓዛቢ ብ ሃንቀውታ ክጽበዮ ዝጸንሐ ጥምጥም እዩ። ሃገራዊት ጋንታ ጋና ምስ ቀጠራዊት ክለብ ኣል ሰድ ዝጻወት ኣንድረ ኣዮን, ምስ ኢንግላዛዊት ክለብ ክሪስታል ፓላስ ዝጻወት ሓው ጆርዳን ኣዮን, ኣብ መስመር ምጥቃዕ ናይ መስመር ተኻላኻላይ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com