Thursday , April 18 2024

ስፖርት

ደቡብ ኣፍሪቃዊት፡ ሾንሜከር፡ ሓድሽ ክብረ ወሰን ኣመዝጊባ

ኣብ ቶክዮ፡ ጃፓን፡ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ውድድራት ኦሊምፒክ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ ድሕሪ 25 ዓመታት፡ ብ ሾንሜከር ኣቢላ ወርቂ መዳልያ ምሕንባስ ከም ዝረኸበት ተገሊጹ። ታቲጃና ሾንሜከር፡ ናይ 200 ሜትሮ፡ ናይ ደቀንስትዮ ክብረ ወሰን ምሕንባስ ኣመዝጊባ ኣላ። ኣብ 2:19 ግዜ ነዚ ርሕቀት ዝወድአት ቀዳመይቲ ጓለንስተይቲ ኮይና’ላ። ብሰሉስ፡ ኣብ ናይ 100 ሜትሮ ብሩር መዳልያ ምርካባ ዝዝከር እዩ። ኣብ ውድድራት ኦሊምፒክ፡ ወርቂ መዳልያ ብምዕዋታ ኣብታ …

Read More »

ዳይሬክተር ፈደረሽን ቅድድም ብሽክለታ ጀርመን: ዓቢ ነቐፌታ ወሪድዎ

ዳይሬክተር ፈደረሽን ቅድድም ብሽክለታ ጀርመን: ፓትሪክ ሞስተር: ኣብ ውድድር ኦሊምፒክ ቶክዮ ዓሌታዊ ዘረባ ብምምላቑ ዓቢ ነቐፌታ ይወርዶ ምህላዉ ተገሊጹ። ዘረባኡ ተሌቪዥናት እናተቐባበላ ክደጋግማኦ ብምርኣዩ ይቕረታ ሓቲቱ’ሎ። ንሃገራዊት ጋንታ ጀርመን ወኪሉ ኣብ ቅድድም ብሽክለታ ዝሳተፍ ዘሎ: ኒኪያስ ኣርንት: ምስ መወዳድርቱ ህልኽ ዝመልኦ ቅድድም እናካየደ ናይቲ ፈደሬሽን ዳይረክተር ስፖርት ፓትሪክ ሞስተር ናይ መተባብዒ ቃላት እናሃበ ኣብ መንጎ “ነዞም ሰብ ግመል ኣርክቦም” ዝብል …

Read More »

ኣፍሪቃውያን ሃገራት ኣብ ውድድር ኦሎምፒክ ቶክዩ

ኣብቲ ትማሊ መዓልቲ ዝተጀመረ፡ ዝሓለፈ ዓመት ክካየድ ዝነበሮ፡ ናይ ዓመተ 2020 ውድድር ኦሎምፒክ፡ ወጋሕታ ኣብ ቶክዮ ጃፓን ዝጀመረ ኮይኑ፡ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ዝርከቡዎም ኣፍሪቃውያን ተወዳደርቲ፡ ኣብ ዕለት 23 ሓምለ 2021 ዝተጀመረ ዓለምለኻዊ ውድድር፡ ኣብ  ዝተፈላለዩ ዓይነታት ስፖርት ዝወዳደሩ ኮይኖም ገለ ዓይነት ስፖርት፡ ኣብ ኣፍሪቃ ከይተለመደ ዝጸነሐን ሓድሽን እዩ። ገለ ኣትሌታት ኸኣ ንመጀመርታ ግዜኦም ኣብዚ ዓቢ ውድድር ይሳተፉ ከምዘለዉ፡ ካብ ቶክዮ ዝተረኽበ ሓበሬታ …

Read More »

ቶክዮ: ውድድራት ኦሎምፒክ ንምጅማር ትዳሎ

ኦሊምፒክ ቶክዮ: ካብ ካልኦት ቅድሚ ሕጂ ዝተኻየዱ ውድድራት ብዝተፈልየ መልክዕ ንምክያድ ተዳልዩ ኣሎ ተባሂሉ። ኣብዚ ዓለምና ኣብ ስግኣታት ለበዳ ኮይና እተካይዶ ዘላ ኦሊምፒክ ቶክዮ: ካብ 207 ሃገራት ዝመጹ 11300 ኣትሌታት ንዝመጻ ክልተ ሳምንታት ውድድራቶም ከካይዱ እዮም። ኣብ መጋቢት 2020: እዚ ውድድራት ብምኽንያት ለበዳ ኮሮና ክውዘፍ ተጌሩ ምጽንሑ ዝዝከር እዩ። ኣትሌታት ናብ ሜዳ ውድድር ክኣትዉ እንከለዉ ክሳብ ክንደይ ሓጎስ ከም ዝስምዖም …

Read More »

ሃገራዊት ጋንታ ጥልያን፡ ተዓዋቲት ዋንጫ ሃገራት ኤውሮጳ፡ EURO-2020፡ ኮይና

ትማሊ ሰንበት ምሸት ካብ ሰዓት 9፡00 ክሳብ 11፡40 ኣብ ዝነበረ ግዜ፡ ሃገራውያን ጋንታታት ዓዲ እንግሊዝን ጥልያንን፡ ንዋንጫ ሃገራት ኤውሮጳ መን ጨበጠ ኣብ ዘካየደኦ  ናይ ፍጻሜ ጸወተአን፡ ብዓወት ሃገራዊት ጋንታ ጥልያን ተዛዚሙ። ሃገራዊት ጋንታ እንግሊዝ፡ ኣንጻራ ዝተቐልዐት ናይ ኩርናዕ ቅላዕ ተቖጻጺራ፡ ኩዑሶ ናብ ሉክ ሸው ምስ ተዋህበት፡ ንሱ ብወገኑ ንኣብ ማእከል ሜዳ ዝነበረ፡ ሃሪ ኬን ኣቐበሎ፡ ንሱ ውን ናብቲ ኣብ የማናይ …

Read More »

ናሚብያውያን ኣትሌታት: ካብ ውድድራት ኦሊምፒክ ክእገዳ እየን

18 ዝዕድሜኣ ናሚብያዊት: ክሪስቲን ምቦማ: ካብ ኦሊምፒክስ ከም ትሰናበት ተጌራ ተባሂሉ። ዝተሰናበተትሉ ምክንያት ድማ: ካብቲ ብ World Athletics ዝተወሰነ መጠን ተስተስትሮን ዝልዕል ነዝዒ ኣብ ኣካላታ ስለ እተረኽበ እዩ ተባሂሉ’ሎ። ምቦማ: ነቲ ን30 ዓመታት ተታሒዙ ዝነበረ ክብረ ወሰን ጒያ 400 ሜትሮ ዝሰበረት ኣትሌት እያ። እዛ ብረቡዕ ኣብ ፖላንዳዊት ከተማ ቢድጎሽች: ኣብ ዝተኻየደ ቅድድም: ነዚ ክብረ ወሰን ዝጨበጠት ኣትሌት ኣብቲ ኣብ ቶክዮ …

Read More »

ስዊድን ምስ ስፐይን ብማዕረ አብ ዝተፈላለይትሉ ጸወታ አሌክሳንደር ኢሳቅ ደሚቁ አምስዩ።

ትማሊ ሰኑይ 14 ሰነ አብ ዝተገብረ ናይ ኤውሮፓ ዋንጫ ስዊድን ምስ ስፐይን አብ ዝገበረቶ ግጥም ባዶ ንባዶ ተፈላልያ። አብዚ ግጥም ኤርትራዊ መቦቆል ዘለዎ አሌክሳንደር ኢሳቅ አዝዩ ዝነኣድ ጸወታ ከምዘር ኣየ ተፈሊጡ። አብዚ ጸወታ ብሉጽ ኮይኑ ዘምሰየ ሓላው  ማዕጾ ሮቢን ኦልሰን ኮይኑ  ካብ ስዕረት አድሒንዋ።

Read More »

ሰርብያዊት ስፖርተኛ፡ ብሰንኪ ዓሌታዊ ተግባራ ካብ ጸወታ ቮሊቦል ትእገድ

ሃገራውያን ጋንታታት ቮሊቦል ሰርብያን ታይላንድን  ኣብ ዘካይደኦ ዝነበረት ጸወታ፡ ኣዒንታ ብምጭምጫም፡ ከተናሹ ብምፍታና ብክሲ ዓሌትነት ንኽልተ ጸወታታት ተኣጊዳ። እዛ ሳንጃ ዡርዢቪች፡ ዝተሰምየት ተጻዋቲት፡ ናብ ካሜራ ብምቕራብ ኣዒንታ በጻብዓ እናጨምተለት ከም እተራእየትን እዚ ድማ፡ ካብ ተዓዘብቲ እቲ ጸወታ ዓብዮ ተቓውሞ ምስዓቡን ተፈሊጡ። በዚ ድማ ሳንጃ ሃገራ ምስ ካናዳን ቤልጁምን ኣብ ትገብሮ ጸወታታት ኣይክትሳተፍ እያ። ሳንጃን ፈደሬሽን ቮሊቦል ሰርቢያን በቲ ኲነታት ይቕሬታ …

Read More »

ዝላታን ኢብራሂሞቪች፡ ናብ ሃገራዊት ጋንታ ሽወደን ተመሊሱ

ወዲ 39 ዓመት፡ ዝላታን ኢብራሂሞቪች፡ ድሕሪ 5 ዓመታት፡ ናብ ሃገራዊት ጋንታ ሽወደን ከምዝተመልሰ፡ ኮሚሽን ስፖርት ሽወደን ሓቢሩ። ኢብራሂሞቪች፡ ምስ ሃገራዊት ጋንታ ሽወደን፡ ካብ ዓመተ 2001 ክሳብ ዓመተ 2016 ኣብ ዝተጻወተሉ እዋን፡ 112 ጸወታታት ኣካይዱ 62 ሸቶታት ከምዘመዝገበ ይፍለጥ። ኣብ ዕለት 25 መጋቢት፡ ሃገራዊት ጋንታ ሽወደን፡ ኣንጻር ጆርጅያ፡ ድሕሪ ሰለስተ መዓልታት ድማ ኣንጻር ኮሶቮ፡ ዕለት 31 መጋቢት ድማ ምሕዝነታዊ ጸወታ ኣንጻር …

Read More »

ፔለ፡ ንክርስቲያኖ ሮናልዶ “እንቋዕ ሓጎሰካ” ክብል ሞጊሱ

ክርስቲያኖ ሮናልዶ፡ ትማሊ ኣብ ዝተኻየደ ግጥም ጆቬንቱስ ምስ ካልያሪ፡ ብዘመዝገበን ሰለስተ ሸቶታት (ሃትሪክ) ተሓጊዙ፡ ነቲ ብንጉስ ኲዕሶ እግሪ ዓለምና፡ ፔሌ፡ ተታሒዙ ዝነበረ ክብረ ወሰን፡ ብዝሒ ቊጽሪ ሸቶታት፡ ብምሕላፉ፡ ፔሌ፡ ናይ እንቋዕ ሓጎሰካ መልእኽቲ ሰዲዱ። ሮናልዶ፡ ኣብ መጀመርያ እብረ ጸወታ፡ ኣብ ውሽጢ 32 ደቓይቕ፡ ሃትሪክ ብምስራሕ ኣብ መላእ ዕደመ ጸወታኡ ብጠቕላላ 770 ሸቶታት ኣመዝጊቡ ኣሎ። በዚ ድማ ነቲ ናይ ፔለ ተመዝጊቡ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com