Sunday , May 5 2024
Dancers perform during the opening ceremony in the Olympic Stadium at the 2020 Summer Olympics, Friday, July 23, 2021, in Tokyo, Japan. (AP Photo/Charlie Riedel) OLY147

ኣፍሪቃውያን ሃገራት ኣብ ውድድር ኦሎምፒክ ቶክዩ

ኣብቲ ትማሊ መዓልቲ ዝተጀመረ፡ ዝሓለፈ ዓመት ክካየድ ዝነበሮ፡ ናይ ዓመተ 2020 ውድድር ኦሎምፒክ፡ ወጋሕታ ኣብ ቶክዮ ጃፓን ዝጀመረ ኮይኑ፡ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ዝርከቡዎም ኣፍሪቃውያን ተወዳደርቲ፡ ኣብ ዕለት 23 ሓምለ 2021 ዝተጀመረ ዓለምለኻዊ ውድድር፡ ኣብ  ዝተፈላለዩ ዓይነታት ስፖርት ዝወዳደሩ ኮይኖም ገለ ዓይነት ስፖርት፡ ኣብ ኣፍሪቃ ከይተለመደ ዝጸነሐን ሓድሽን እዩ። ገለ ኣትሌታት ኸኣ ንመጀመርታ ግዜኦም ኣብዚ ዓቢ ውድድር ይሳተፉ ከምዘለዉ፡ ካብ ቶክዮ ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣፍሊጡ ኣሎ።

እዞም ኣትሌታት፡ ንዝተፈላላየ ዞባታት ኣፍሪቃ ዝውክሉ ኮይኖም፡ ንሃገራት ኢትዮጵያን ኤርትራን ብምዉካል ኣብቲ ኣህጉራዊ ዉድድር ዝተጓዕዙ ተወዳደርቲ ድሮ ኣብ ጃፓን ኣትዮም ከምዘሎዉ ይንገር።

ኣብቲ ብኤርትራዉያን ዕዙዝ ተፈላጥነት ከምዘለዎ ዝንገረሉ ዓይነት ስፖርት፡ ዉድድር ቅድድም ብሽክለታ፡ ዝወዳደሩ ተወዳደርቲ ኣብ ከተማ ቶክዮ፡ ኩነታት ኣየርን መወዳደሪ ቦታታትን ንምልላይ ናይ ልምምድ ምንቅስቓሳት ክገብሩ ከምዝተራእዩ እዉን እቲ ንኣፍሪቃዉያን ተወዳደርቲ ኦሎምፒክ ዝከታተል ማዕከን ዜና ክፍሊ ኣፍሪቃ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣመልኪቱ ኣሎ።

ብተወሳኺ፡ ሃገረ ኤርትራ፡ ኣብ ውድድር ምሕንባስ ንፈለማ ግዜ ክትሳተፍ ምዃና ተፈሊጡ ኣሎ።

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com