Friday , May 3 2024

ግጥም ኣብ መንጎ ሰኔጋልን ዝምባብዌን

ግጥም ኣብ መንጎ ሰኔጋልን ዝምባብዌን ከም ትጽቢት ብዙሓት ካብ ምጅማሩ እዩ ርስን ስን ኢሉ እዩ ጀሚሩ ፡ ኣሰለጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ሴነጋል #ሴሰ ኣብ ምክልኻል ዘድሃበ 4-3 -3 ቅዲ ሓንጺጹ ክወርድ ከሎ ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ዝምባብዌ #ኖርማን #ማቤዛ ኽኣ ኣብ ምክፍፋል ዘድሃበ 3-4-3 ቅዲ ተኸቲሉ እዩ ን ሜዳ ወሪዱ።
ኣብ መጀመርያ 3 ደቓይቕ ሰኔጋል ብ ሳይዶ ማነ ዝምራሕ ክልተ ፈተነታት መጥቃዕቲ እኮ እንተካየደት ክልቲአን ግን ንስክላ እየ ወጽየን፡ ኣጥቃዕቲ ዚምባብዌ ውን ኣብ መበል 6 ደቓይቕ ብ ኖውለጅ ሞሳና ዝተመርሐት መጥቃዕቲ ኣካይዶም እዮም።
ኣብ መበል 10 ደቒቕ ውን ሳይዶ ማነ ን ከይታ ባልደ ጽብቕቲ ኩዕሾ እንተቖረጸሉ ናብ ሽቶ ክልውጣ ግን ኣይክኣለን።
ጸወታ በዚ መልክዕ ብ ዓብላልነት ሴነጋል እኮ ይቕጽል እንተነበረ ተጻወቲ ዚምባበዌ ውን ሓሓሊፎ ሓደገኛ ፈተነታት የካይዱ ኔሮም እዮም፡ ብ ወገን ምክልኻል ተጻወቲ ሴነጋል ብዙሓት መጥቃዕታት ከምክኑ ከለው ተኸላኸልቲ ዚምባቤው ግን ጾር ኣብ ልዕሊ #ታካዋራ እዮም ደርብዮሞ ኔሮም።
ኣብ ቀዳማይ እብረ ዝተመዝገበ ሽቶ ብዘይምንባሩ 0-0 እየ ንዕረፍቲ ወጽየን።
ኣብ ካልኣይ እብረ ኣሰልጣኒ እምቤዛ ን ኣጥቃይ ፕሪንስ ዱቤ ብ ቲኖ ካዲወረ ክቕየሮ ከሎ ሲሰ ኽኣ ነቲ ኣብ ቀዳማይ እብረ ብጫ ካርድ ዝወሰደን ብዙሕ ከድምዕ ዘይክኣለ ኣጥቃዒ #ከይታ #ባልደ ኣብ መበል 64 ደቒቕ ብ ኣጥቃዓይ ሃቢቦ ድያሎ ቀይርዎ ፡ ብዙሕ ከይጸነሐ ውን እምቤዛ ን ወዲ 24 ዓመት ኩንዳይ በይኑ ብ ወዲ 33 ዓመት ታባኒ ካሙሱኩ ቀይርዎ።
እዚ ምቕያር ተጻወቲ ን ናህሪ ጸወታ ፍጹም ክቕይሮ ብ ዘምኽኣሉ ጸወታ ከም ዘይ ኣጀማምርኡ ዝሕል ዘበለን ኣሰልቻውን ኮይኑ እዩ ቀጺሉ ጸወታ ኣብ ምዝዛሙ ግን ተጻዋቲ ዚምባብዌ ከልቪን ኩዕሶ ብ ኢዱ ስለ ዝተንከፋ ቅላዕ መቕጻዕቲ ን ሰነጋል ተዋሂባ እቲ በይኑ ጦፋዕ ፋዕ ክብል ዝዋዓለ ማነ ዓስቡ ትኾኖ ሽቶ ኣብ ተዋሳኺ ደቒቕ ምምዝጋቡ ጸወታ ብ ዓወት ሰኔጋል 1-0 ተዛዚሙ።
MAN OF THE MATCH SAIDO MANE.
ወዲ ሳርቶ 10/01/2022

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com