Sunday , May 5 2024
Dancers perform during the opening ceremony in the Olympic Stadium at the 2020 Summer Olympics, Friday, July 23, 2021, in Tokyo, Japan. (AP Photo/Charlie Riedel) OLY147

ቶክዮ: ውድድራት ኦሎምፒክ ንምጅማር ትዳሎ

ኦሊምፒክ ቶክዮ: ካብ ካልኦት ቅድሚ ሕጂ ዝተኻየዱ ውድድራት ብዝተፈልየ መልክዕ ንምክያድ ተዳልዩ ኣሎ ተባሂሉ።

ኣብዚ ዓለምና ኣብ ስግኣታት ለበዳ ኮይና እተካይዶ ዘላ ኦሊምፒክ ቶክዮ: ካብ 207 ሃገራት ዝመጹ 11300 ኣትሌታት ንዝመጻ ክልተ ሳምንታት ውድድራቶም ከካይዱ እዮም።

ኣብ መጋቢት 2020: እዚ ውድድራት ብምኽንያት ለበዳ ኮሮና ክውዘፍ ተጌሩ ምጽንሑ ዝዝከር እዩ።

ኣትሌታት ናብ ሜዳ ውድድር ክኣትዉ እንከለዉ ክሳብ ክንደይ ሓጎስ ከም ዝስምዖም ንምግማት ይከኣል እዩ፥ ምኽንያቱ ድማ ንነዊሕ እዋን ዝተጸበይዋ መዓልቲ እያ ክብል ፕረዚደንት ኣህጒራዊ ኮሚተ ኦሊምፒክስ: ሮማስ ባኽ: ይገልጽ።

ኣብዚ ኦሊምፒክስ ውሸባ: ማስክን ናይ ምራቕ መርመራን ክግበሩ እዮም ተባሂሉ’ሎ።

እዚ እናኾነ ብዙሓት ጃፓናውያን እዚ ውድድራት ናብ ካልእ እዋን ክመሓላለፍ ኔርዎ ብምባል ቅሬታኦም ኣስሚዖም ኣለዉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com