Friday , May 3 2024

ናይ ትማሊ ውዕሎ ዋንጫ ኣፍሪቃ ከመይ ይመስል ?

 ትማሊ ምሸት ዝተኸታተልናዮ ዋንጫ ኣፍሪቃ 2022 ብ መሳጢ ጸወታት ጀሚሩ ኣሎ፥ ናይ ሎሚ ጸወታት ውን ካብ ናይ ትማሊ ከም ዘይሰንፍ ብዙሓት ተኸታተልቲ ብ ሃንቀውታ ይጽበዩ ኣለው።
ሎሚ ዕለት 10/01 ክልተ ምድባት ማለት ኣርባዕተ ግጥማት ክከናወን እዩ።
እቲ ናይ መጀመርታ ግጥም ኣብ ሞንጎ እታ ብዙሕ ተዓዛቢ ን ዋንጫ ዝሮቐሓ ሃገራዊት ጋንታ #ሴነጋልን እታ ብ The warriors ትፍለጥ ዘፍርሕ ሳጓ ዘለዋ ግን ብዙሕ ዘ ፍርሕ ታሪኽ ኣብ ኩዕሾ እግሪ ዘይብላ ሃገራዊት ጋንታ #ዚምባብዌን እዩ ክካየድ።
ሃገራዊት ጋንታ ሰኔጋል ን ኣብዚ እዋን ኣብ ዝለዓለ ጥርዚ በጺሑ ዘሎ ኣጥቃዓይ ሳይዶ ማነን እቲ ኣብዚ እዋን ካብ ዝበለጹ ሓለውቲ ዓለምና ዝኾነን ኤድዋሮ መንዲን ከምኡ ውን ከም ተጻዋታይን ኣሰልጣንን ኣብ ፍጻመ ዋንጫ ዝብጸሐ ኣልዮ ሲሰ ተመሪሓ ነዚ ግጥም ብቐሊሉ ከም ትዕወተሉ ብዙሓት ተንተንቲ ግምቶም ሂቦም ኣለው።
ቀጺሉ ዝካየድ ግጥም ኣብ ሞንጎ እታ ኣብ ዘሓለፈ ዓመት ብዕልዋ መንግስቲ ኣብ ስልጣን ዝመጸ ኮሎኔል መንእሰይ Mamady Doumbeya ልዑል ደገፍን ከቢድ መጠንቀቕታን ዝተዋህባ ሃገራዊት ጋንታ ጊኒን ኣብ መንጎ ድሕሪ 1984 ኣብ ዋንጫ ኣፍሪቃ እግራ ዘይንበረት ማላዊን እዩ ክካየድ እዚ ግጥም ዝሕል ዝብል እኮ ዝመስል እንተኾነ 3 ነጥቢ ንምምንዛዕ ዝገብረኦ ቅልስ ግን ቀሊል ኣይክኸውንን እዩ።
ን ሞሮኮን ጋናን ሒዙ ዘሎ ተሃራፊ ምድብ ውን ሎሚ ናይ መጀመርያ ግጥማቱ ከሰላስል እዩ ነዚ ምድብ ዝምልከት ገለ ሓብሬታታን ምድላዋት ሒዘልኩም ክሳብ ዝመጽእ ሰናይ ውዕሎ።
ወዲሳርቶ 10/01/2022

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com