Friday , April 26 2024

ግጥም ሞሮኮ1፡ ጋና 0

እዚ ግጥም ኣብ ሞንጎ እተን ነዚ ዋንጫ ሓሓሙሽተ ግዜ ዝሰፍሰፋን ነዚ ዋንጫ ብ ምሉእ ምድላዋት ዝቐርባን ዓቢ ዝናን ብዙሓት ደገፍቲ ዘለውወን ሃገራውያን ጋንታታት ሙዃኑ ኣዝዩ ተሃራፍን ብዙሕ ተዓዛቢ ብ ሃንቀውታ ክጽበዮ ዝጸንሐ ጥምጥም እዩ።
ሃገራዊት ጋንታ ጋና ምስ ቀጠራዊት ክለብ ኣል ሰድ ዝጻወት ኣንድረ ኣዮን, ምስ ኢንግላዛዊት ክለብ ክሪስታል ፓላስ ዝጻወት ሓው ጆርዳን ኣዮን, ኣብ መስመር ምጥቃዕ ናይ መስመር ተኻላኻላይ ክለብ ኣርሰናል ቶማስ ፓርቲ, ዝረከቦም ክኣ ኣብ መስመር ምክፍፋልን ምክልኻልን ኣዕሪዳ ን ሜዳ ክትወርድ ከላ።
ሃገራዊት ጋንታ ሞሮኮ ኻኣ ን ምስ ኢንግሊዛዊት ክለብ ዋትፎርድ ዝጻወት ዒምራን ሎዛ, ምስ ፍረንሳዊት ክለብ ኣንጄ ዝጻወት ሱፍያን ቡፋልን, ከም ኡ ውን ምስ ሆላንዳዊት ክለብ ኣዝ ኣልክማር ዝጻወት ኣቡኽላልን, ኣብ መስመር ምጥቃዕ ኣሰሊፋ፡ ከም ኡውን ምስ ኣብ ኢንግላዚዊት ክለብ ዋትፎርድ ብቕዓቱ ዘርእይ ዘሎ ተኻላኻላይ ኣደም ማሲና ብድሕሪት ኣዕሪዳ እያ ናብ ምዕሩግ ስታድዮም ኣይጆ ወሪዳ።
ጸወታ ካብ ምጅማሩ ጎነጽ ዝበዝሖ እኮ እንተነበረ ተጻወቲ ጋንታ ሞሮኮ ኣብ መጀመርታ 20 ደቒቕ ነቲ ጸወታ ክቆጻጽርዎ ኪኢሎም እዮም።
ሞሮኮ ኣብ መበል 39 ሽቶ ክትከውን ትኽእል ነጻ ቅላዕ መቕጻዕቲ እኮ ረኺቦም እንተነብሩ ሮማን ሳሴ ዝቖረጻ ተጻውቲ ሞሮኮ ክጠቀሙላ ዘይካኣሉ ሓንቲ ካብተን ዝጥቀሳ ፈተነታት እያ ኔራ።
ኣብ መበል 45 ደቒቕ ሞሮኮ ብ መልሰ መጥቃዕቲ ሃንደባታዊ ህጁም እኮ ፈቲና እንተበረት ክሰልጣ ስለ ዘይክኣለ ክልቲአን ጋንታት ኣብ ቴክኒክ ዝድሃበ ብ ማእከላይ ብዘይ ሽቶ እየን ንዕረፍቲ ወጽየን።
ኻልኣይ እብረ ጸወታ ብ ናህሪ እኮ እንተጀምረ ክልቲኦም ኣሰልጠንቲ ክሳብ 78 ደቓይቕ ተጻወቲ ክቐይሩ ስለ ዘይክኣሉ ናይ ክልቲአን ጋንታታት ተጻወቲ ብ ድኻም ወላ ላእ ስለ ዝበሉ ጸወታ ብ መጠኑ ክዝሕልን ሓደገኛ መጥቃዕታት ክውሕዶን ተራእዩ።
ኣብ መበል 81 ደቒቕ ቡፋል ብ ዘምዝገባ ሽቶ ሞሮኮ 1-0 ን ጸወታ መረሐት ድሕሪ እዛ ሽቶ ወላኳ ብዙሕ ፈተነታት እንተተኻየደ ዝተለወጠ ውጽኢት ግን ኣይነበረን።
ወዲ ሳርቶ 10/01/2021

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com