Friday , April 26 2024

ዳይሬክተር ፈደረሽን ቅድድም ብሽክለታ ጀርመን: ዓቢ ነቐፌታ ወሪድዎ

ዳይሬክተር ፈደረሽን ቅድድም ብሽክለታ ጀርመን: ፓትሪክ ሞስተር: ኣብ ውድድር ኦሊምፒክ ቶክዮ ዓሌታዊ ዘረባ ብምምላቑ ዓቢ ነቐፌታ ይወርዶ ምህላዉ ተገሊጹ።

ዘረባኡ ተሌቪዥናት እናተቐባበላ ክደጋግማኦ ብምርኣዩ ይቕረታ ሓቲቱ’ሎ። ንሃገራዊት ጋንታ ጀርመን ወኪሉ ኣብ ቅድድም ብሽክለታ ዝሳተፍ ዘሎ: ኒኪያስ ኣርንት: ምስ መወዳድርቱ ህልኽ ዝመልኦ ቅድድም እናካየደ ናይቲ ፈደሬሽን ዳይረክተር ስፖርት ፓትሪክ ሞስተር ናይ መተባብዒ ቃላት እናሃበ ኣብ መንጎ “ነዞም ሰብ ግመል ኣርክቦም” ዝብል ዓሌታዊ ዘረባ ከም ዝደጋገመ እዩ ዝግለጽ ዘሎ።

ተቐዳዳማይ ኣረንት: ንኣልጀርያዊ ዕዘዲን ላቓብን ኤርትራዊ ኣማንኤል ገብረእግዚኣብሄርን ሓሊፍዎም ክኸይድ እናጸዓረ እዩ እዚ ዘረባታት ተሰሚዑ። እዚ ዘረባ ኮመንታተር ARD ፍሎርያን ናስ ብቐጥታ ኣብ ዘመሓለልፎ ዝነበረ ናይ ተሌቪዥን ፕሮግራም እዚ ጸርፊ ምኽሳቱ ከም ዘሕዘኖ ብምግላጽ: እንታይ ይብል ከም ዝነበረ ክርዳኣኒ ኣይከኣለን: ብሓቂ ጌጋ ዘረባ እዩ ኢሉ። ንሱ: ነቲ ሞስተር ዝበሎ ዘረባ ክገልጽ: ቃላት ይሓጽረኒ: ከምዚታት ኣብ ስፖርት ቦታ የብሉን: ክብል ወሲኹ ሓዘኑ ገሊጹ።

ሞስተር ብወገኑ: ብረስኒ ናይቲ ጸወታ ተደፋፊኡ ቃላት ኣብ ምምራጽ ምስናፉ ከም ዘሕዘኖ ብምግላጽ: በቲ ኲነታት ተጣዒሰ እየ ክብል ንወኪል ዜና ጀርመን DPA ሓቢሩ። ኣዝየ እየ ሓዚነ ዘለኹ። ንዂሉ ልባዊ ጣዕሳይ ክገልጽ እደሊ: ብኡነት ንማንም ከቐይም ኣይደሊን እየ ድማ ኢሉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com